ዩክረይን ብምኽንያት ልደት ኦርቶዶክስ ካብ ሩስያ ዝቕረበላ ምቁራጽ ተጻብኦ ነጺጋ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ንሚኒስተር ምክልኻሉ ኣብ ግንባር ዩክረይን ን36 ሰዓታት ተጻብኦ ከቋርጽ ኣዚዙ።
እቲ ብኣቆጻጽራ ሞስኮ ካብ ሰዓት 12፡00 ዝጅምር ምቁራጽ ተጻብኦ ብምኽንያት በዓል ልደት ኦርቶዶክስ ሩስያ ዝተኣዘዘ እዩ።
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ዩክረይን'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንክትወስድ ሓቲቱ’ኳ እንተነበረ፡ ዩክረይን ግን ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ቀልጢፋ እያ ነጺጋቶ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ እቲ እማመ ሃገሩ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ደው ንምባል ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ገሊጹ።
ካብ ክረምሊን ዝተወሃበ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ንወተሃደራቱ ተዂሲ ደው ከብሉ ዝኣዘዞም፡ ንምውጋእ ስለ ዝተዳኸመ ዘይኮነስ፡ ካብ ሓላፊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ዝቐረበ ጻውዒት ስለ ዝተቐበለ ምዃኑ ዘጉልሕ ይመስል።
ፓትርያርክ ኪሪል፡ ኣቐዲሞም፡ ኣመንቲ ኣብ ኣገልግሎት ኦርቶዶክሳዊ በዓል ልደት ክሳተፉ ምእንቲ፡ ምቁራጽ ተጻብኦ ልደት ክግበር ጸዊዖም ነይሮም።
ትእዛዝ ፑቲን፡ "እቶም ተጻብኦታት ኣብ ዝካየደሉ ከባቢታት ዝነብሩ ብብዝሒ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳውያን" ዓርቢ ዋዜማ ልደት፡ ቀዳም ድማ መዓልቲ ልደት ከብዕሉ ምእንቲ፡ ዩክረይን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክትወስድ ጸዊዑ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ግን፡ ሩስያ ነቲ ዕርቂ ከም መሸፈኒ ክትጥቀመሉ ከም ዝደለየት ኣብቲ ምሸታዊ ዝገብሮ ናይ ቪድዮ መደረ ገሊጹ።
ንሱ ከም ዝበሎ፡ ሩስያ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ዶንባስ ዝካየድ ዘሎ ምዕባለታት ዩክረይን ደው ክተብልን ከምኡ’ውን ተወሳኺ ወተሃደራትን ኣጽዋርን ክተምጽእ እዩ ድልየታ።
እታ ካብ ምብራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዝዓበየት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ልደት እተብዕል ብመሰረት ኣቆጻጽራ ጁልያን 7 ጥሪ እዩ።
ኣብ ዩክረይን ገለ ሰባት በዓል ልደት 25 ታሕሳስ፡ ገለ ድማ 7 ጥሪ ዘብዕሉ ኮይኖም፡ ክልቲአን መዓልታት ኣብታ ሃገር ህዝባዊ በዓላት እየን።
ኣብዚ ዓመት እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዩክረይን፡ ኣመንቲ ኣብ 25 ታሕሳስ በዓል ልደት ከብዕሉ ከም እትፈቅድ ገሊጻ።
እታ ቤተክርስትያን ምስታ ብተመሳሳሊ ስም ዝተሰምየት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዩክረይን (UOC) ኣብ 2018 ተፈላልያ እያ።
ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዩክረይን (UOC) ንባዕላ ክሳዕ ወራር ሩስያ ምስ ሃይማኖታዊ መሪሕነት ሞስኮ ዝተኣሳሰረት ኮይና፡ ገለ ላዕለዎት ኣቕሽሽታ ድማ ክሳዕ ሕጂ ንሞስኮ ብሕቡእ ይድግፉዋ ኣለዉ ተባሂሎም ይኽሰሱ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ዲሚትሮ ኩለባ፡ ሩስያ ነቲ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንሰላም ዘቕረቦ ሓሳባት ብተደጋጋሚ ዕሽሽ ከም ዝበለቶ ገሊጹ።
ንሱ፡ ሩስያ ብ24 ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ከርሰን ዘካየደቶ ደብዳብን ኣብ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት ዘካየደቶ መጥቃዕቲታትን ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ በዓላት ተጻብኦታት ከተቋርጽ ከም ዘይትኽእል መርትዖ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ፑቲን "ገለ ምስትንፋስ ንምርካብ ይጽዕር" ጥራይ እዩ ዘሎ ዝብል እምነት ኣለዎ።
ምቁራጽ ተጻብኦ ሩስያ፡ ብቐንዱ ሩስያውያን ሕሱማት ከም ዘይኮኑን ዩክረይንን ምዕራባውያንን ድማ ስግኣት እታ ሃገር ከም ዝኾኑን ንውሽጣዊ ተዓዘብቲ ንምእማን ዝዓለመ ይመስል።
ብተወሳኺ፡ ንዩክረይን ከም ኣጋንንቲ ንኽትርአ ንምግባር ክውዕል ዝኽእል መሳርሒ'ውን እዩ። ዩክረይን ነቲ እማመ ምቁራጽ ተጻብኦ ስለዝነጸገት፡ ሞስኮ ነዚ ዕድል ተጠቒማ፡ ዩክረይን ንኣመንቲ ሃይማኖት ከም ዘይተኽብርን ድሌት ሰላም ከም ዘይብላን ክትወቅስ እያ።
እንተኾነ፡ ብዘይ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ጎረቤታ ወራር ብምፍጻም ነቲ ኲናት ዝጀመረት ሩስያ ምዃና ክዝንጋዕ የብሉን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝጸውዐት፡ ዩክሬን ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ኣብ ትርከብ ከተማ ማኪቭካ ወተሃደራት ሩስያ ዓስኪሮምሉ ኣብ ዝተብሃለ ህንፃ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ሩስያ ምማቶም ስዒቡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ጥራይ’ዩ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ቁጽሪ እቶም ዝሞቱ ወተሃደራት 89 ከም ዝኾነ ይሕብር፤ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ሩስያ ዝኣመነትሉ ዝለዓለ ንጽል ክሳራ ህይወት ኮይኑ ኣሎ።
ኣዝማድ ምዉታት ከምኡ’ውን ገለ ፖለቲከኛታትን ወሃብቲ ርእይቶን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ማኪቭካ ዘጋጠመ ሞት ቁጥዐኦም ብምግላጽ ነቶም ብቕዓት ዘይብሎም ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ወቒሶም።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብቲ ኣብ ኣቆጻጽራ ሩስያ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ በዓል ዝኾነ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት እዩ ኣጋጢሙ።
ተንታኒት ፖለቲካ ታትያና ስታኖቫያ፡ ሩስያ ኣብ ካልእ ኣገዳሲ በዓል ካብዚ ንላዕሊ ዓቢ ክሳራ ህይወት ከም ዘየጋጥም ከተረጋግጽ ድልየት ክህልዋ ከም ዝኽእል ትዛረብ።
"ፑቲን ብሓቂ ኣብ መዓልቲ ልደት ኦርቶዶክሳውያን ተመሳሳሊ ነገር ክድገም ኣይደልን እዩ" ክትብል ጽሒፋ።
ሩስያ ምቁራጽ ተጻብኦ ምስ ዓወጀት ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ጀርመን ንኣሜሪካ ስዒባ ንዩክረይን ፓትሪዮት ዝበሃል ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ክትህብ ምዃና ገሊጻ።
ጀርመን ምስ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ሓባራዊ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ድሩዓት መካይን’ውን ከም ዝልእኻ ኣፍሊጣ’ያ።
ፈረንሳ ብወገና፡ ኣጽዋር ዝተዓጠቓ ናይ ውግእ መካይን ክትሰድድ ምዃና ብረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ ነይራ።
ዩክሬን፡ ቀጻሊ ወራር ሩስያ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ካብ ኣህጉራውያን መሻርኽታ ዝያዳ ሓገዝ ክግበረላ ብተደጋጋሚ ክትጽውዕ ጸኒሓ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







