ዶናልድ ትራምፕ፡ ባይደን “ናይዛ ሃገር ፀላኢ’ዩ” ኢሉ

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ዶናልድ ትራምፕ፡ ኤፍ. ቢ. ኣይ ተዃሳሕቲ ሰነዳት ንምርካብ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከብ ገዝኡ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ድሕሪ ምክያዱ ንፈለማ እዋን ኣብ ዘካየዶ ናይ ድጋፍ ሰልፊ፡ ንፕረዝደንት ጆ ባይደን “ናይዛ ሃገር ፀላኢ ’ዩ” ክብል ፀዊዕዎ።

ፕረዝደንት ነበር ትራምፕ፡ ኣብ ዊልክስ-ባሬ ፔንስሊቫንያ ንዝተረኸቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ባይደን፡ ኤፍ. ቢ. ኣይ ኣንፃሩ ንክለዓል ከም መሳርሒ ከም ተጠቐመሉ ከሲሱ።

እቲ ሃንደበታዊ ተፍትሽ፡ “ ኣብ ታሪኽ ምምሕዳር ኣሜሪካ ስልጣን ብዘይ ግቡእ ብምጥቃም ዝተፈፀመ ዘሰምብድ ግህሰት እዩ” ኢሉ።

ትራምፕ ንክልተ ሕፁያት ሪፓብሊካን ንምፍላጥ እዩ፡ ኣብ ግዝኣት ፔንስሊቫንያ ተረኺቡ።

ዶክተር መህመት ኦዝ ንላዕለዋይ ባይቶ (ሰኔት) ኣሜሪካ፡ ሰናተር እቲ ግዝኣት ዳግ ማስትሪያኖ ድማ ቀፃሊ ኣማሓዳሪ ፔንስሊቫንያ ንምዃን ኣብ ንሕንሕ እዮም ዝርከቡ።

ክልቲኦም ሕፁያት ብሓፂሩ እዮም ተዛሪቦም፤ ሓቂ ንምዝራብ ከም ልሙድ እቲ ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ሰልፊ ብዛዕባ ሓደ ሰብ እዩ ነይሩ: ብዛዕባ እቲ ዋና ተዋሳኢ ትራምፕ።

ወዲ 76 ዓመት ዶናልድ ትራምፕ፡ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ መደርኡ ንኣስታት ክልተ ሰዓት ን ኤፍ. ቢ. ኣይ ብምንቃፍ ዘሕለፎ እንትኾን፡ ደሓር ግና ናብ ልሙድ ኣርእስቲ ብምምላስ፡ ኣብ ጉዳይ መረፃ 2020 ካብኡ ተሰሪቑ እዩ፣ ኣብ ልዕሊ ተነሓናሕቲ ውድብ ዲሞክራትስ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታትን “ሃገርና ንምድሓን” ኣብ ዝተብሃሉ መፅብዓታትን ኣብ ዝምልከት ተዛሪቡ።

ብተደጋጋሚ፡ ኣብ መዐወኒ ዕፀ ፋርስ ኢድ ዘለዎም ሰባት ብሞት ክቕፅዑ ድማ ፀዊዑ።

ትራምፕ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኤፍ. ቢ. ኣይ ካብ መንበሪ ገዝኡ ሚስጥራዊ ሰናዳት ምሓዙ ስዒቡ፡ ምስ ሰብመዚ ፌደራል ኣብ ሕጋዊ ምውጣጥ’ዩ ዝርከብ።

ሰብመዚ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንትራምፕ፡ “ዓበይቲ ሚስጥራት” ዝርከቦም ሰነዳት ዋይት ሃውስ ብዘይግቡእ ወሲዱ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ማር-ኣ-ሎጋ-ሪዞርት ወሲዱ ከዚኑ ብምባል እዮም ዝኸስዎ።

ዓቀብቲ ሕጊ ፌደራል፡ ንሱ ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ ሰነድ ንዝካየድ ምርመራ ከተዓናቕፎ ከምዝኽእል ገሊፆም።

ኣብ ዊልክስ-ባሬ ዝተረኸቡ ደገፍቱ ግና ንትራምፕ ኣተባቢዐሞ።

ትራምፕ ነቲ ኤፍ ቢ ኣይ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዘካየዶ ተፍትሽ፡ “ዘሕፍር’ዩ” ብምባል፡ ብኤፍ. ቢ. ኣይን ክፍሊ ፍትሕን ንጥቃዕ ኣለና ኢሉ።

ኣብ ዊልክስ-ባሬ ዝተረኸቡ ደገፍቲ ሶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዊልክስ-ባሬ ዝተረኸቡ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ

ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ካብ መንበሪ ገዛ ፕረዝደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዝተወስዱ ሰነዳት ዝርዝር ንህዝቢ ኣፍሊጡ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ምስጢራዊ ምልክት ዝተገብረሎም ዓሰርተታት ባዶ ማህደራት ሓዊሱ 33 ሳንዱቕ ሰነዳት ተወሲዶም እዮም።

ብተወሳኺ ካብ ቤት-ፅሕፈት ዶናልድ ትራምፕ 'ምስጢር'ን 'ልዑል ደረጃ ምስጢር'ን ዝብል ምልክት ዘለዎም ብዙሓት ሰነዳት ከምዝተረኽቡ ይገልፅ።

ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ግና፡ እዚ ጉዳይ ኮነ ተባሂሉ ነቲ ፕረዝደንት ነበር ንምጥቃዕ ዝተኣለመ ውዲት እዩ ዝብል ቅዋም ኣለዎም።

ፕረዝደንታት ኣመሪካ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ እንከለዉ፡ ኩሉ ሰነዳቶምን ኢመይሎምን ናብ ሃገራዊ ማህደር ከሰጋግሩ ኣለዎም።