ብምቹእ ኣነባብራኡ ዝፍለጥ ሰባኺ ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ስልማት ተዘሪፍዎ

ሰባኺ ዋይትሃይድ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ራፐር ቢዝ ማርኪ [2021]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ፡ ብምቹእ ኣነባብራኡ ዝፍለጥ ስሙይ ሰባኺ፡ ብቐጥታ ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ ቅዳሴ እናሰበኸ ልዕሊ ሚልዮን ዘውጽእ ስልማት ተዘሚቱ።

እቲ ወዲ 44 ዓመት ላሞር ዋይትሃይድ ዝተባህለ ሰባኺ፡ ብድሕሪ እቲ ስርቂ፡ “ገበነኛታት ካብ ኢደይ ኣየምልጡን እዮም” ክብል ተዛሪቡ።

ካብታ ሮልስ ሮይስ ዝዓይነታ ተሽከርካሪት መኪናኡ፡ ሮሌክስ ሰዓት፡ ኣልማዝን ክቡር ዑንቁ ኤምራለድን ዝኣመሰሉ ኣቑሑ ተሰሪቖም።

ፖሊስ ነቲ ፍጻመ ገና ይምርምርዎ እኳ እንተለው ክሳዕ ሕጂ ግን ነቲ ክቡር ንብረት መን ከም ዝሰረቖ ኣይተፈልጠን።

ስም ናይ ዝኾኑ ጥርጡር ኣይተጠቕሰን ዛጊት ዝተታሕዘ ገበነኛ እውን የለን።

ኣብታ ቪድዮ፡ ሚስተር ዋይትሃይድ፡ ሒደት ሰዓታት ቅድሚ እቶም ጸሊም ክዳን እተኸድኑ ዕጡቓት ናብ ቤተክርስትያን ብሩክሊን ዝኣትው፡ ነቶም ተጋባእቲ “ሰብ ክመውት ስለ ዝረኣኹም ክንደይ ካባኻትኩም እምነትኩም ኣጥፊእኩም ኣለኹም?" ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡሎም ነይሩ።

ኣብቲ ኣዳራሽ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝነበሩ ግን ንጹር ኣይኰነን ።

ጸኒሑ ኣብ ኢንስታግራም "ሽጓጕጦም ሒዞም ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ ምስ ረኣኹ: ንዅሉ ሰብ [" በጥ ክብል] ነጊረዮ ። "

"ሰባት ክቐትሉ ድዮም መጺኦም ወይስ ነታ ቤተ-ክርስትያን ኪወሩ ዝፈልጦ የብለይን" ኢሉ ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚስተር ዋይትሄድ ከም ዝበሎ ፡ እቶም ማስኬራ ዝገበሩ ሰረቕቲ ብመርሰድስ መከና እዮም ሃዲሞም።

ድሕሪ እቲ ስርቂ ፡ ዘ ኒው ዮርክ ፖስት ፡ እቲ ካብኡን ካብ ሰበይቱን እተወስደ ንብረት 75,000 ዶላር ዝዋግአን ሮሌክስን ካቫሌርን ሰዓታት፡ 25,000 ዶላር ዝዋግኡ መቑጸርያን ናይ ኣልማዝ ቀለቤትን ፡ 25,000 ዶላር ኣመሪካ ዝዋጋኡ ጽምዲ ኩትሻ እዝንን፡ ናይ መርዓ ቀለቤትን ከምዘጠቓልል ተሓቢሩ።

" ኣፍ ደገ ቤተ-ክርስትያን ረጊጽኩም፡ ኣብ ማእከል ቅዳሰ ሸጓጕጥ ሒዝኩም ክትዘምቱ ዝመጻእኩም - ኣምላኽ ባዕሉ ክቐጽዓኩም እዩ” ክብል ከኣ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ቢቢሲ፡ ርእይቶ ሚስተር ዋይ ሃይድ ንኽሰምዕ ተደጋጋሚ ፈቲነ ኣካይዱ።

ንጳጳስ ዋይትሃይድ ካብ 2013 ኣትሒዙ ዝፈልጦ ኤሪክ ኣዳምስ ዝተባህለ ከንቲባ ከተማ ኒው ዮርክ፡ ፖሊስ ኒው ዮርክ ነቲ ገበን ይምርምሮ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ "ኣብዛ ከተማ ይትረፍ’ዶ መራሕቲ ሃይማኖት ዋላ ሓደ ሰብ እውን ግዳይ ዕጡቓት ሰረቕቲ ክኸውን የብሉን" ኢሉ ።

ሚስተር ዋይትሃይድ ብወገኑ፡ እቶም ገበነኛታት ንክትሓዙ ሓበሬታ ዝሃበ ሰብ ክሳብ 50,000 ዶላር ገንዘብ ከም ዝህብ ተመባጺዑ ኣሎ።

ኣብ ማዕከናት ዜና ብዛዕባ ስርቂ መራሕቲ ሃይማኖት ክዝረብ ሎሚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ንሓደ ኣብ ምድሪ ባቡር ተኲሱ ሰብ ዝቐተለ ተጠርጣሪ ንፖሊስ ኢዱ ንክህብ ከዘራርቦ ብዛዕባ ምፍታኑ ክዝረብ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ናይ ሕጂ ናይ ስርቂ ፍጻመ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዛዕባ እቶም ናይ ኣቡን ሕሉፍ ናይ ናብራ ምቾት ነቐፌታ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

ይኹን እምበር ዋይትሄድ፡ ብዛዕባ እቲ ብገንዘበይ ክዕድጎ ዝኽእልን ዝደልን ነገር ንዓይ እዩ ዝምልከት ክብል ምላሽ ሂቦም።