ስም ስዑዲ ዓረብን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝሓዋወሰ ሮናልዶ ዓለም የዛርብ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኮኾብ ኩዕሶ እግሪ ሮናልዶ፡ ብሚልዮናት ብዝቑጸር ገንዘብ ናብ ኣል ናስር ምጽንባሩ ስዒቡ ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ስም ናይታ ሓዳስ ኣአንጋዲት ሃገሩ ብዘሕፍር መንገዲ ብጌጋ ደቡብ ኣፍሪቃ ክብል ከም ዝጸውዐ ተገሊጹ።
"ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምምጻአይ ናይ ሞያይ መወዳእታ ኣይኮነን" ክብል ብኹርዓትን ብዕቱብ ድምጺን ገሊጹ።
ሮናልዶ ተራ ጌጋ ምፍጻሙ ርዱእ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት መዘራረቢ ካብ ምዃን ግን ከምልጥ ኣይከኣለን።
ብፍላይ ገለ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ኮኾባት ዓለም ምስ ናይ ውሽጢ ዓዲ ጋንትኦም ክጻወት ክርእዩ ካብ ምሕላም ኣይዓገቶምን።
ሮናልዶ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ "ንጋንታ ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ጥራይ እዩ ክጻወት ዝኽእል" ይብል ሓደ ልጣፍ ትዊተር።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ድማ፡ እዚ ስጉምቲ መሳጢ ምኾነ ኢላ እኳ እንተሓሰበት፡ "ሊግና ንናይ ትርፊ ግዜ ተጻወትቲ'ውን ቦታ ኣለዎ" ብምባል ኣላጊጻ።
በዓል መዚ ቱሪዝም ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ድማ፡ ሮናልዶ ኣብቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ደርባን ንዋንጫ ዓለም 2010 ዝተሃንጸ ስታድዩም ሞሰስ ማቢዳ ክጻወት ብተስፋ ከም ዝጽበ ይገልጽ።
መርበብ ሓበሬታ ፋካኣቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ "ዘደንጹ ጌጋ" ክብል ክገልጾ እንከሎ፡ ናይቲ መርበብ ኣሰናዳኢ ኩዕሶ እግሪ ጆንቲ ማርክ ድማ "ዋላ'ውን ስዑዲ ዓረብን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ መጀመርታ ክፋል ስመን ሓደ ዓይነት ቃል እንተዝህልወን ነይሩ፡ ሮናልዶ ኣብ ቀዳማይ መግለጺኡ ትኽክለኛ ሃገር ክጽውዕ ዘይምኽኣሉ ቁሩብ ዝገርም'ዩ" ክብል ርእይቶ ሂቡ።
"😀 €200 ሚልዮን ንክኽፈለካ ስም ሃገር ምፍላጥ ኣየድልየካን እዩ 😀... ብዝኾነ ሮናልዶ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንኳዕ ብደሓን መጻእኻ 😜" ይብል ካልእ ኣብ ትዊተር ዝተዘርገሐ ጽሑፍ።
ሮናልዶ፡ ዓመታዊ 75 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኾነ ዝግለጽ ደሞዙ፡ ኣብ ውሽጢ 30 ኣዋርሕ ውዕሉ ዝለዓለ ደሞዝ ዝረክብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ክኸውን ከም ዝገብሮ ይግመት።
ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዘይክሕጎሱ ዝኽእሉ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ንሮናልዶ ንምእራም ኣይደለዩን፤ ነቶም ሓደስቲ ስዑዳውያን ደገፍቱ'ውን ጸገም ዝፈጠረሎም ኣይመስልን።
ንሳቶም፡ ብጫን ሰማያዊን ማልያ ኣልናስር ተኸዲኑ ኣብ ሓድሽ ሜዳኡ ሚርሱል ፓርክ ዝተራእየሉ እዋን ነጎዳ ዝመልኦ ኣቀባብላ ገይሮምሉ እዮም።
መብዛሕትኦም ኣብ ዓረባዊ ዓለም ዝርከቡ ትዊተራት እውን ነቲ ዝገበሮ ጌጋ ዕሽሽ ኢሎሞ፡ ሓደ ትዊተር፡ 'ዝኾነ ጸገም የለን። ኩሉ ሰብ ይጋገ እዩ" ዝብል ርእይቶ ብዓረብኛ ዘርጊሑ።
ኣሰናዳኢ ቢቢሲ ዓረብኛ ኣሕመድ ሩኣባ፡ ትኹረት ዝበዝሑ ትዊተር ኣብ ኩዕሶ እግሪ ከም ዝነበረን፡ ደገፍቲ ኣል ናስር ድማ ጸወታታት ክዕወተሎም - ከምኡ'ውን ነታ ክለብን ሃገርን ከልዕል ትጽቢት ከም ዘለዎም ገሊጹ።
ኣብ ትዊተር "ሎሚ ኩሉ ሰብ ሕጉስ እዩ😁💛" ዝበለ ክለብ ኣል ናስር እቲ ዝተፈጸመ ጌጋ ጸገም ዝፈጠረሉ ኣይመስልን።
እቲ ክለብ፡ ብሓቂ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸደ ዝመሰሎ ሰብ ከይህሉ ብዝብል፡ ሮናልዶ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኣቱ ከሎ ዘርኢ ቪድዮ'ውን ለጢፉ እዩ።
እንተ ሮናልዶ ግን ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገር ንሓድሽ ሂወቱ ብሃንቀውታ ይጽበ ኣሎ።
"ኣብ ኣውሮጳ ዕማመይ ዛዚመ’የ። ንዅሉ ነገር ተዓዊተሉ'የ፡ ኣብተን ኣዝየን ዓበይቲ ዝበሃላ ክለባት ኣውሮጳ ተጻዊተን ተዓዊተን'የ፡ ሕጂ ከኣ ሓድሽ ብድሆ ናይ ኤስያ ንምግጣም መጺአ ኣለኹ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







