ኣብ ልዕሊ ማህሌት ተኽላይ ቅትለት ዝፈጸመ ውልቀሰብ ንሞት ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, MILLION
ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብቅትለት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ናይ ሞት ፍርዲ ወሲኑ።
እቲ ብሞት ክቕጻዕ ተፈሪዱ ዘሎ ዓወት ነጋሲ ዝተባህለ መንእሰይ፡ ሓደ ካብቶም ብቅትለት ማህሌት ተኽላይ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ'ዩ።
ኻልኣይ ተኸሳሲ ናሆም ፍፅሙ ድማ ብዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ክቕፃዕ ከምዝተፈርደ ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣቃሊሐን።
ጓል 16 ዓመት ነባሪት ከተማ ዓድዋ ማህሌት ተኽላይ ብ10 መጋቢት 2016 (2024) ናብ ቤት ትምህርቲ ካብ ትኸደሉ መንገዲ ተጨውያ ተቐቲላ ድሕሪ ምርካባ ሰፊሕ ህዝባዊ ቁጥዐ ኣልዒሉ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቶም ተኸሰስቲ ነታ ግዳይ፡ ብዘስካሕኽሕ መገዲ ብገመድ ሓኒቖምን ኣሳቒዮምን ከምዝቐተልዋ ዓቃቢ ሕጊ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ገሊፁ።
እቲ ቀዳማይ ተኸሳሲ፡ ምስ ቀበርዋ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንኣይተ ተኽላይ 3 ሚልዮን ብር ምሕታቱ፡ እቲ ኻልኣይ ተኸሳሲ እውን ማዕረ ማዕረ ምስ ቐዳማይ ተኸሳሲ ኣተሓባባሪ ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኽልቲኦም ተኸሰስቲ ናይ ሞት ፍርዲ ክውሃቦም እቲ ዓቃቢ ሕጊ ጠሊቡ ነይሩ።
ወላዲ ማህሌት ኣይተ ተኽላይ ግርማይ፡ “ድሕሪ ብዙሕ ድኻምን ፃዕርን ዝተውሃበ ፍርዲ ግቡኡን ፍትሓውን እዩ” ዝብል ቃል ከምዝሃበ ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂባ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ክልል ተመሳሰልቲ ገበናት ዝተራእዩ ዀይኖም፡ እቶም ወላዲ እታ ግዳይ፡ “ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝተፈፀመ ገበን ቅትለት እውን ተሓታትነት ክሰፍን” ተማሕጺኖም ኣለዉ።
ኣብ ትግራይ ዞባ ማእከል ከተማ ዓድዋ፡ ብ10 መጋቢት 2016 ዓ.ም [ግዝእ] መንነቶም ብዘይተፈልጡ ውልቀሰባት ዝተጨውየት ተምሃሪት ማህሌት ተኽላይ ተቐቲላ ከምዝተቐበረት ተጠርጠርቲ ምእማኖም ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ከተማ ዓድዋ ኣይተ ተስፋይ ኣማረ ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።
እታ መንእሰይ፡ ድሕሪ ስለስተ ኣዋርሕ ኣስከሬና ዝተቐበረሉ ቦታ (እንዳ ገብርኤል ወይ ድማ ቻይና ካምፕ) ካብ ተጠርጠርቲ ብዝተረኸበ ሓበሬታ እዩ ክፍለጥ ክኢሉ።
ጓል 16 ዓመት ማህሌት ተኽላይ፡ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ሰዓታት ኣጋምሸት ናብ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዘኛ ትኸደሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ከም ዝተጨውየት ምዕባይ ሓፍታ ዝዀነት ሚልዮን ተኽላይ ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪባ ነይራ።
ንሳ፡ እቶም ንማህሌት ከም ዝሓዙን ንኽለቍዋ ሚልዮናት ዝሓቱ ዘለውን ውልቀሰባት፡ ክልተ ግዜ ናብ ኣቦአን ስልኪ ደዊሎም ከም ዝነበሩ ጠቒሳ።
ተምሃሪት ማህሌት፡ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዓዲ ማሕለኻ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ካብ ዘሎ መንበሪ ገዛኣ ‘ባር ሰላም’ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ እቲ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ዝርከበሉ ቦታ'ያ ትኸይድ ነይራ።
ኣብቲ ዕለት፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተመልሰት ብዙሕ ከይጸንሐት፡ ናብቲ ማእከል ቋንቋ ንምኻድ ተሃዊኻ ምውጽኣ ሓፍታ ሚልዮን ትዝክር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







