ወተሃደራት ፈደራልን ዕጡቓት ትግራይን ኣብ ግንባር መግብን ሽጋራን ይካፈሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደራት ሰራዊት ፈደራልን ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ኣብ ግንባር መግብን ሽጋራን ክለዋወጡ ተራእዮም።
ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ወተሃደራውያን መራሕቶም ኣብ ኬንያ ዝርርብ ኣብ ዝቕጽልሉ ዘለው እዋን ኣብ ባይታ ናይ ዕርቂ ስጉምቲ ይወስዱ ከምዘለው ተሓቢሩ።
ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሬድዋን ሑሴን፡ ብሰሉስ ኣብ ኣመሪካ ንዝመደበሩ ማዕከናን ዜና ኢትዮጵያ (EMS ቲቪ) ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንሓድሕዶም ዝዋግኡ ዝነበሩ ወተሃደራት ትግራይን ሰራዊት ፈደራል ኣብቲ ዝተፋጠጥሉ ግንባራት መግብን ሽጋራን ተኻፊሎም ክብል ተዛሪቡ።
"ብሓባር መግቢ ይበልዑ፡ ሽጋራ እውን የትክኹ፡ ስእሊ ይሰኣሉ፡ ንምዉታት ድማ ብሓባር ይቐብሩ ኣለው''።
ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ዝካፈል ዘሎ ሬድዋን ሑሴን: "ልኡኻት ህወሓት ነዚ ኩነታት ዘርኢ ቪድዮታት ከም ዘለዎም እዮም ዝነግሩና ዘለዉ" ኢሉ።
ሬድዋን፡ እቶም ወተሃደራት "ምቅትታልን ምሟትን" ባህ ስለ ዘይብሎም፡ ብዛዕባ እዚ መስርሕ ሰላም ኣዝዮም ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጹ።
"ህይወቶም ከድሕኑን ንወለዶም ክሕግዙን ይደልዩ እዮም። እቲ ጸገም ፖለቲካ እዩ። እቲ ፖለቲካዊ ጸገማት እንተተፈቲሑ ከኣ ኵሉ ናብ ንቡር ስርሑ ክምለስ’ዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AU/Twitter
ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ብመሰረት እቲ ብ2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቅን ዳግመ ተሃድሶን ንምዝርራብ ኣብ ናይሮቢ ይርከቡ ኣለው።
ትማሊ ሰኑይ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምእንቲ ሰላም ክብሉ ሕድገታት ከምዝገበሩ ገሊጹ ነይሩ።
"ነብሲ ወከፍ እንገብሮ ስምምዕን እንሰርሖ ስራሕን ድሌት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋጽ እዩ። ህዝብና ካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ሰላም እዩ ዘድልዮ። ነቲ ንህዝብና ዝኣተናዮ መብጽዓ ብዘዕግብ መገዲ ክንፍጽሞ ኢና" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይዝ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ናይሮቢ ኣዳራሽ ካረን ሞራን ዝቕጽል ዘሎ ልዝብ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ተጸበይቲ ረዲኤት ንምብጻሕ ዝሕግዝ ምዃኑ ተዛሪቡ።
“ቀዳማይ ዕላማ እዚ ዘተ፡ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ተቛሪጾም ንዝጸንሑ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምጅማር፤ ሰብኣዊ ረዲኤት ምቅልጣፍ ከምኡ'ውን ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት ምጅማር ምዃኑ ተረዲእና ኣለና" ክብል ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







