ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ናይሮቢ ልዝብ ጀሚሮም

ሓላፊ ስታፍ ሓይሊ ምክልኻል ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን

ምንጪ ስእሊ, CITIZEN TV

መግለጺ ስእሊ, ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን

ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ሎሚ ሰኑይ 28/07 ጥቅምቲ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ተራኺቦም።

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ላዕለዎት ወተሃደራወያን ኣዘዝቲ ብዛዕባ ምውራድ ዕጥቂ ዝርከብዎ ነጥብታት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ይዘራረቡ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት እቲ ስምምዕ ኣብ ባይታ ዝትግበረሉ ኩነታት ንምጥጣሕ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ክራኸቡ ምኽኣሎም ከምዝንእድ እቲ ሕብረት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

"ካብዚ ኣኼባ'ዚ ትጽቢት ዝግበረሎም፡ ብረት ንምዕራፍ፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስን ይርከብዎ" ክብል እቲ ሕብረት ኣነጺሩ'ሎ።

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት እቶም ኣዘዝቲ ክራኸቡ ምኽኣሎም ዝንኣደ፡ መራሒ ጉጅለ ተደራደርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሬድዋን ሑሴን ብወገኑ፡ "እዚ ውሕስነት ዝፈጥርን፡ ናብቲ ክሳብ ሎሚ ክብጻሕ ዘይክኣለ ሰብኣዊ [ሓገዝ] ንክውሕዝ ዘቀላጥፍን እዩ" ኢሉ።

መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “መዋቲ ፍጡር ክጻወሮ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝተሳቐየ ህዝብና ንምድሓን ዝሕተት ዘበለ ክንገብር ኢና” ኢሉ።

“ህዝብና ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሰላም’ዩ ዝደሊ። ንህዝብና ዝኣተናዮ መብጽዓ ከነተግብር ዲና፡ ግዜ ክምልሶ’ዩ” ብምባል ኣብቲ ስምምዕ ዝገበርዎ ሕድገታት “ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ’ዩ” ይብል ኣቶ ጌታቸው። 

ኣኼባ ናይዞም ኣዘዝቲ ንዝቕጽሉ ሰለስተ መዓልታት ከም ዝካየድ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ኣኼባ ናይሮቢ፡ 7 ሕዳር 2022

ምንጪ ስእሊ, Redwan Hussien/Twitter

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ኣብ መኽፈቲ እቲ ዘተ መልእኽቲ ኣሕሊፎም ኣለዉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብመሰረት እቲ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2015 [ግእዝ]፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታት መሰረት ብምግባር፡ ዕጡቓት ትግራይ ኣጽዋር ክፈትሑ ተሰማሚዖም’ዮም።

ብመሰረት’ቲ ክልቲኦም ወገናት ዝበጽሑዎ ምርድዳእ፡ እቲ ስምምዕ ምስተፈረመ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ብኣካል ተራኺቦም ብዛዕባ መስርሕ ምውራድ ዕጥቂ ክዘራረቡ ትጽቢት ክግበር ጸኒሑ'ዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ሓምሻይ መዓልቲ፡ ንሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ዝወከለ ሓለቓ ስታፍ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ንሓይልታት ትግራይ ዝወከለ ጀነራል ታደሰ ወረደን ንዘተ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ተራኺቦም ኣለዉ።

ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ፡ ምጅማር እቲ ዘተ ወግዓዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ፡ እቶም ተዛተይቲ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታት ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ክውን ንምግባር ከይተሓለሉ ከምዝሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

ኦባሳንጆ፡ "ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ክልቲኦም ኣካላት ብመሰረት እቲ ስምምዕ ንዘተ ኣብ ናይሮቢ ምርኻቦም፡ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ኣወንታዊ ተስፋ ከምዘለዎ ዘመልክት’ዩ” ኢሉ።

ኡሁሩ ኬንያ ብወገኑ፡ ኣብዚ ጉዳይ ንምዝታይ ናብዚ ዝመጽኡ ክልተ ውልቀሰባት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝፋለጡ መሳርሕቲ ምዃኖም ብምሕባር፡ ኣብ መወዳእታ እቲ መስርሕ “ንዝሓሸት ኢትዮጵያን ንረብሓ እቲ ዞባን ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝመጽእ እምነት ኣሎኒ” ክብል ተዛሪቡ።

“[ነቲ ዘተ] ኣብ ፕሪቶርያ ኢና ጀሚርናዮ፤ ሕጂ ድማ ኣብ ናይሮቢ ኣለና፤ ዝቕጽል ኣኼባና ኸኣ ኣብ መቐለ ከምዝካየድ ተስፋ ኣሎና። ድሕሪኡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክንጽምብሎ ኢና። እዚ ጸሎትናን ተስፋናን እዩ” ክብል ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ገሊጹ።

ኣመሪካ፡ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ሕቡራት ሃገራትን ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃን ኣብ ምዕዋት ናይቲ መስርሕ ንዝጻወትዎ ዘለዉ ግደ ኣፍልጦ ዝሃበ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኬንያ'ውን ነዚ ናይ ሕጂ ልዝብ ብምእንጋዳ ኣመስጊኑ።

ሰብመዚ ኤርትራ ብወገኖም፡ ሰላም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘድልዮ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገሊጾም ኣለዉ።

"ቀዋሚን ዘይቅልበስን ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝደልዮ እዩ፣ ይቐርብ’ውን ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣካል ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን-ኢትዮጵያን 2018 እዩ" ክብል ሎሚ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ስምምዕ ምፍታሕ ዕጥቂ

ብመንጎኝነት ፕረዚደንታት ነበር ኦቦሳንጆን ኬንያታን ዝካየድ ልዝብ ኣዘዝቲ ሓይልታት ክልቲኡ ወገናት

ምንጪ ስእሊ, Redwan Hussien/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣብ ኣኼባ ነይሮሚ

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ስምምዖም ቀንዲ ዛዕባታት ካብ ዝነበሩ እቲ ሓደ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ዝምልከት ኰይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ሓይሊ ምክልኻል ጥራይ ከምዘሎ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ይዝከር።

እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ክልቲኦም ወገናት ተሌፎን ክራኸቡ ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ።

ብድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝህልዉ 30 መዓልታት፡ ቀለልቲ ኣጽዋር ሓዊሱ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ክዛዘም ምዃኑ ትጽቢት ይግበር።