ቀዳምነት ልዝብ ናይሮቢ፡ ምጅማር መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምዃኑ ኣሜሪካ ኣፍሊጣ

ተዛተይቲ

ምንጪ ስእሊ, The East African

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ናይሮቢ ዝጀመረ፡ ዘተ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሎሚ’ውን ከምዝቐጸለ ተፈሊጡ።

እቲ ብቐንዱ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝእለ ዘሎን፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዝነበረ ኡሁሩ ኬንያታን ብመንጐኝነት ዝመርሕዎ ዘለውን ዘተ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ተቛሪጾም ዘለው መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምጅማር ምዃኑ ኣሜሪካ ሓቢራ።

ወሃቢ ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነድ ፕራይዝ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ናይሮቢ ኣዳራሽ ካረን ሞራን ዝቕጽል ዘሎ ልዝብ ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቀዳማይ ዕላማ እዚ ዘተ፡ ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ተቛሪጾም ንዝጸንሑ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምጅማር፤ ሰብኣዊ ረዲኤት ምቅልጣፍ ከምኡ'ውን ብሰንኪ'ቲ ኲናት "ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ተቛሪጹ ዘሎ ኣገልግሎታት ምጅማር ምዃኑ ተረዲእና ኣለና" ኢሉ።

ካብ ቀንዲ ዕላማታት እዚ ዘተ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቈም ብዛዕባ ዝፈትሕሉ ኣገባባት ከምኡ'ውን እቶም ኣብ ውግእ ዝጸንሑ ዕጡቓት ዝህደሱሉን ናብ ሰላማዊ መነባብሮኦም ዝምለሱሉን ኵነታት ብዛዕባ ዝመቻችኣሉ መስርሕ ንምዝርራብ ምዃኑ'ውን ይፍለጥ።

ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ “ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይን ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ተራኺቦም ኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ ዝምልከት ይዛተዩ ኣለው” ክብል ወሃቢ ቃል ተዛሪቡ። ክልቲኦም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ርክብ ተሌፎን ከም ዘካየዱ ዝጠቐሰ ነድ ፕራይዝ፡ "እዞም ጭቡጣት ስጕምትታት ክልቲኦም ወገናት ድምፂ ጠበንጃ ንምቁራፅ ዘለዎም ተወፋይነት ዘንጸባርቝ'ዮም" ክብል ኣረዲኡ።

ናይዚ ዘተ ኣጀንዳታት ንትግባረ ስምምዕ ንምቍጽጻር ዘኽእሉ መንገድታት ምዝታይን ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ዘጠቓልል ምዃኑ እቲ ኣፈኛ ወሲኹ ሓቢሩ።

መንጐኛታት እዚ ዘተ፡ ፕረዚደንታት ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆን ኡሁሪ ኬንያታን፡ ናይ መወዳእታ ውጽኢት እዚ ዘተ እወታዊ ከም ዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊጾም ኣለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ነቲ ክልተ ዓመቱ ዝመልአ ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ መኸተምታ ንምግባር፡ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪቃ ን10 መዓልቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ብ 2 ሕዳር ውዕል ምቍራጽ ተጻብኦታት ምፍራሞም ዝዝከር እዩ።

ስምምዕ ካብ ዝፍረም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት መስርሕ ትግባረኡ ኣብ ዝምልከት ልዝብ ክጅምሩ ንዝተበጽሐ ምርድዳእ መሰረት ብምግባር፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ክዛተዩ ጀሚሮም ኣለው።

"ካብዚ ኣኼባ'ዚ ትጽቢት ዝግበረሎም ስምምዓት፡ ዕጥቂ ንምውራድ፣ ሰብኣዊ ተበጻሕነት፣ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስን" ምዃኑ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣነጺሩ እዩ።

ነድ ፕራይዝ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ መኽፈቲ’ቲ ንሰለስተ መዓልቲ ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ልዝብ፡ መራሕቲ ጕጅለ ተዛተይቲ ክልቲኦም ወገናት፤ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ኣቶ ጌታቸው ረዳን በብወገኖም መደረ ኣስሚዖም።

ንጕጅለ ተዛተይቲ ኢትዮጵያ ዝመርሐ ሬድዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት እቶም ኣዘዝቲ ክራኸቡ ምኽኣሎም ብምንኣድ "እዚ ውሕስነት ዝፈጥርን ናብቲ ክሳብ ሎሚ ክብጻሕ ዘይከኣለ ሰብኣዊ [ሓገዝ] ንኽውሕዝ ዘቀላጥፍን እዩ" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ኣገልግሎታት ባንክ፣ መብራህትን ተሌፎንን ደጊምና ከነራኽቦ ኣለና፤ ቅድሚኡ ግን ሰባት መግብን መድሃኒትን እዮም ዝደልዩ ዘለው፣ ነዚ ንምቅልጣፍ ድማ ንጽዕር ኣለና" ክብል ገሊፁ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ፡ ኣብቲ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተጠቓለሉ ሓያለ ስምምዓት ከም ዘለው ጠቒሱ።

ካብኣቶም ምጅማር ኣገልግሎታት ካብቶም ቀንዲ ምዃኑ ብምሕባር “ኣገልግሎታት እናወሰኹ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን እቲ ምትእምማንን ተስፋን ብኡ መንጽር እናዓበየ ከም ዝኸይድ” ገሊፁ።

እዚ ድማ ነቲ ንግብራውነት እቲ ስምምዓት ሓጋዚ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ተዛተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቶ ጌታቸው ድሕሪ’ቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ፍጡር ክጻወሮ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝተሳቐየ ህዝብና ንምድሓን ዝሕተት ዘበለ ክንገብር ኢና” ኢሉ።

“ህዝብና ካብ ኩሉ ንላዕሊ ሰላም’ዩ ዝደሊ። ንህዝብና ዝኣተናዮ መብጽዓ ከነተግብር ዲና ዝብል ግዜ ክምልሶ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብቲ ስምምዕ ዝገበርዎ ሕድገታት “ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ” ምዃኑ ሓቢሩ።

ሰብመዚ ኤርትራ ብወገኖም፡ ሰላም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዘድልዮ ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገሊጾም ኣለዉ።

"ቀዋሚን ዘይቅልበስን ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝደልዮ እዩ፣ ይቐርብ’ውን ኣሎ። እዚ ኸኣ፡ ኣካል ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን-ኢትዮጵያን 2018 እዩ" ክብል ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ትማሊ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።