ፕረዚደንት ኢራን ናብ ስዑዲ ዓረብ ምብጻሕ ከካይድ ተዓዲሙ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ናብ ንቡር ንምምላስ ድሕሪ ምስምምዐን ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን፡ ስዑዲ ዓረብ ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ወግዓዊ ምብጻሕ ንኸካይድ ከም ዝዓደመቶ ኢራን ገሊጻ።
እቲ ዕድመ ብደብዳበ ንጉስ ሳልማን ከምዝመጸ’ኳ እንተተገለጸ፡ ብወገን ብስዑድያ ግን ዛጊት ዝተባህለ ነገር የለን።
ቀረባ ታሪኽ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጥረ ቅርሕንቲ ዝዓብለሎ እዩ።
ቻይና ኢዳ ዘእተወትሉ ሽምግልና ንጂኦፖለቲካ እቲ ዞባ ዳግማይ ክቐርጾ ትጽቢት ይግበር።
መሓመድ ጃምሺዲ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኢራን፡ ብዛዕባ እቲ ናብ ሪያድ ንምብጻሕ ዝቐረበ ዕድመ ኣመልኪቱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ፕረዚደንት ራይሲ ብሓጐስ ከምዝተቐበሎን "ኢራን ምትሕብባር ንምስፋሕ ድልውቲ ምዃና ኣስሚሩሉን" ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሑሴን ኣሚር-ዓብዱላሂያን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልቲአን ሃገራት ብደረጃ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ክራኸባ ከምዝተሰማምዓን፡ መራኸቢ ክዀኑ ዝኽእሉ ሰለስተ ቦታታት ድማ ሓሳብ ከምዝቐረበን ገሊጹ።
እንተዀነ ኣስማት እቶም ቦታታት ኣይጠቐሰን፤ እቲ ርክብ መዓስ ክካየድ ከም ዝኽእል እውን ኣይሓበረን።
ኤዲተር ቢቢሲ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሰባስቲያን ኡሸር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመንጐኝነት ቻይና ዝግበር ዘሎ ዝርርብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ትጽቢት ወጻኢ ብዝዀነ መንገዲ ድፍኢት ንምምሕያሽ ክልተኣዊ ዝምድናታት የምጽእ ከምዘሎ ይገልጽ።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኤምባሲታተን ክኸፍታን ንግዳውን ጸጥታውን ዝምድናታት ዳግማይ ክምስርታን ምዃነን ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ፈተነታት ዕርቂ ዘይተዓወተ ኰይኑ፡ እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ብኣሜሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ብጥንቃቐ ዘርአ ዘሎ እዩ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጥሪ 2016 ሰልፈኛታት ኣብ ቴህራን - ርእሰ ከተማ ኢራን- ንዝርከብ ኤምባሲኣ ድሕሪ ምውራሮም እያ ዲፕሎማስያዊ ርክባታ ኣቋሪጻ።
እዚ ድማ፡ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ምስ ግብረሽበራ ብዝተኣሳሰር ገበናት ዝኸሰሰቶ ፍሉጥ መራሒ ሺዓ ኣስላም ሸኽ ኒምር ኣ’ኒምር ድሕሪ ምቕታላ ዝሰዓበ እዩ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣብ መንጐ እቶም ብሱኒን ሺዓን ዝምራሓ ጐረባብቲ ሃገራት ወጥሪ ክጋደድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ብስግኣትን ድሌት ዕብለላ ዞባዊ ሓይሊን ክካሰሳ ጸኒሐን እየን።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ከም ጉዳያት ሶርያን የመንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝኣመሰሉ ሓያሎ ዞባዊ ግጭታት ተጻረርቲ ወገናት ኰይነን'ውን ጸኒሐን።
ሚኒስተር ኣሚር-ዓብዱላሂያን ብተወሳኺ፡ ኢራን ምስታ ኣብ 2016 ንሪያድ ስዒባ ምስ ኢራን ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ዘቃረጸት፡ ቀንዲ መሓዛ ስዑዲ ዓረብ ዝዀነት ባሕሬን ዘለዋ ርክብ ንምምሕያሽ ስጕምትታት ክውሰድ’ውን ተስፋ ከምዘለዋ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ኣብ መንጐ ኢራንን ባሕሬንን ዝተፈጠሩ ገለ ዕንቅፋታት ክእለዩን እቶም ኤምባሲታት ዳግማይ ንምኽፋት ዘኽእል መሰረታዊ ስጕምትታት ክውሰድን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።
ባሕሬን ነዚ ርእይቶ ዝዀነ መልሲ’ኳ እንተዘይሃበትሉ፡ ኣቐዲማ ግን ንስምምዕ ምምላስ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ብሓጐስ ተቐቢላቶ ነይራ።
ኢራን፡ ምስ ዮርዳኖስን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ዞባዊ መነሓንሕቲ ዝዀና ሃገራት ዓረብ ዘለዋ ዝምድናታት ዳግማይ ክትጅምር ወይ ከተመሓይሽ ዘለዋ ድሉውነት’ውን ገሊጻ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







