ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ዝምድናአን ከሐድሳ እየን

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቀንዲ መቐናቕንቲ ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዝዀና ኢራንን ስዑዲ ዓረብን ን7 ዓመት ኣብ መሪር መስርዕ ተፈላልየን ድሕሪ ምጽናሕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታተን ናብ ንቡር ንምምላስ ተሰማሚዐን።
እዚ ትጽቢት ዘይተገብረሉ መግለጺ ዝወጸ፡ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቻይና ንኣርባዕተ መዓልታት ድሕሪ ምዝርራቦም'ዩ።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጥሪ 2016፡ ሪያድ ንሓደ ፍሉጥ መራሒ ኣስላም ሺዓ ብሞት ድሕሪ ምቕጻዓ፡ ሰልፈኛታት ኣብ ቴህራን ዝርከብ ኤምባሲኣ ድሕሪ ምውራሮም ርክብ ኣቋሪጻ ጸኒሓ እያ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ መንጎ እተን ብሱኒን ሺዓን ዝምራሕ ጐረባብቲ ሃገራት ልዑል ወጥሪ ጸኒሑ’ዩ።
ነንሕድሕደን ከም ስግኣት ሓደ ዞባዊ ዕብለላ ዝደሊ ሓይሊ ይቘጽራ ነይረን። ብተወሳኺ ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ተቐናቐንቲ ወገናት ድጋፍ ይህባ፡ እንተላይ ኣብ ሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ዒራቕ - ብግልጺ ድማ ኣብ የመን።
ኢራን ኣብ 2014 ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ ብሓይሊ ዝኣለዩ ዓመጽቲ ሺዓ - ሑቲ ክትድግፍ እንከላ፡ ስዑዲ ዓረብ ድማ ካብ ዝቐጸለ ዓመት ጀሚራ ኣንጻር ሑቲ ኣዕናዊ መጥቃዕቲታት ኣየር ክትመርሕ ጸኒሓ እያ።
ስዑዲ ዓረብ እውን፡ ኢራን ሑቲ ኣብ ልዕሊዓ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሓጊዛ እያ ክትብል ትኸስስ።
ኣብቲ ብዓይነቱ ዝኸበደ ፍጻመ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኣብ 2019 ዓበይቲ ትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብምውቃዕ፡ ኣብ ምፍራይ ዕንወትን ምዝንባዕን ኣስዒቡ’ዩ። ስዑዲ ዓረብን መሻርኽታ ኣሜሪካን ኣብቲ መጥቃዕቲ ንኢራን ወቒሰን።
ኢራን ግን ነዚ ክስታት ትነጽግ።
ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ፈተነታት ዕርቂ'ኳ እንተዘይተዓወተ፡ ብዓርቢ ግን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ኤምባሲታተን ከምዝኸፍታ ገሊጸን።
ብተወሳኺ ንግዳውን ጸጥታውን ዝምድናታት ዳግማይ ክምስርታ እየን።
ኣሜሪካ ነቲ መግለጺ ብጥንቃቐ ተቐቢላቶ። ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ፡ እቲ ምምሕዳር "ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ንምንካይ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ጻዕሪ" ከምዝድግፍ ገሊጹ። ወሲኹ፡ "ኢራን ግዴታታታ ከተማልእ እንተዀይና ብሓቂ ክርአ'ዩ" ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ቻይና ኣብቲ ስምምዕ ኣበርክቶ ብምግባራ ኣመስጊኑ።
እቲ ዋና ጸሓፊ፡ "ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ነባሪ ሰላምን ጸጥታን ንምርግጋጽ" ንዝግበር ጻዕርታት ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑ ኣፈኛኡ ገሊጹ።
ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝለዓለ ጸቕጢ ክግበር ዝጸውዐት እስራኤል፡ ዛጊት ዝዀነ ይዅን ርእይቶ ኣይሃበትን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







