እስራኤልን ሱዳንን ኣብ ኣሜሪካ ብምርኻብ 'ታሪኻዊ' ስምምዕ ሰላም ክፍርማ እየን

ሱዳናውያን ኣብ ተቓውሞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እስራኤልን ሱዳንን ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ዋሽንግተን ብምርኻብ "ታሪኻዊ" ስምምዕ ሰላም ክፈራረማ ምዃነን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣብ ካርቱም ድሕሪ ዘካየዶ ዝርርብ ኣፍሊጡ።

ኤሊ ኮሄን ምስ መራሒ ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ንምርኻብ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ጽሑፍ እቲ ስምምዕ ከምዝተዛዘመ ሓቢሩ’ሎ።

ሱዳን ምስ እስራኤል ዝነበራ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ቅድሚ ክልተ ዓመት ተሰማሚዓ እኳ እንተነበረት ተግባራዊ ከይኮነ እዩ ፀኒሑ።

ነዚ ስምምዕ እንተተፈራሪማ ድማ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ እስራኤል ርክባ ተመሓይሽ ዘላ ሃገር ሊግ ዓረብ ክትኸውን እያ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬንን ሞሮኮን ካብ 2020 ጀሚረን ነቲ ምስ እስራኤል ዘለወን ዝምድና ከም ኣካል ናይቲ ብሽምግልና ኣሜሪካ ዝካየድ ‘ስምምዕ ኣብርሃም’ [Abraham Accords] ብወግዒ ናብ ንቡር ከምዝመለስኦ ይፍለጥ።

እዘን ኣባላት ሊግ ዓረብ ንእስራኤል ኣፍልጦ ምሃብ ኣብየን ዝፀንሓ ኮይነን እዚ ድማ ካብ ጎንጺ ዓረብ-እስራኤል ይብገስ።

ግብጺ ኣብ 1979 ምስ እስራኤል ውዕል ሰላም ዝፈረመት ፈላመይቲ ዓረባዊት ሃገር ክትኸውን ከላ ኣብ 1994 ድማ ዮርዳኖስ ስዒባ።

ካርቱም ኣብ 1967፡ ኣባላት ሊግ ዓረብ ንእስራኤል ኣፍልጦ ከምዘይህብዋ ቃል ዝኣተዉሉ ኣኼባ ዝተኻየደላ ቦታ ስለዝነበረት እቲ ምስ ሱዳን ዝግበር ስምምዕ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤልን ሌተናል ጀነራል ኣል-ቡርሃንን "ምስ እስራኤል ፍረ ዘለዎ ዝምድና ንምምስራት" ከምኡ'ውን ኣብ "ኣብ ጸጥታውን ወተሃደራውን ዓውድታት ፍሉይ ትኹረት ብምግባር ንዓውድታት ሕርሻ፣ ጸዓት፣ ጥዕና፣ ማይን ትምህርቲን” ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻርን ኣብ ዝሕግዙ መንገድታት ምዝርራቦም ሚንስትሪ ወፃኢ ሱዳን ሓቢሩ።

ስምምዕ ሰላም ክፍረም ድዩ ኣይክፍረምን ዝብል ግን ኣየነፀረን።

ምስ እስራኤል ዘሎ ዝምድነአን ወግዓዊ ዝገበራ ሃገራት ዓረብ ቁፅረን እናወሰኸ ምኻዱ ብፍልስጤማውያን ክኹነን እንከሎ ከም ክሕደት ይርእይዎ።

ሃገራት ዓረብ ንዓመታት ምስ እስራኤል ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ሰላም እታ ሃገር ካብቲ ኣብ ኲናት 1967 ዝተታሓዘ ግዝኣታት ክትወጽእን ምብራቕ ኢየሩሳሌም ርእሰ ከተማኣ ዝኾነት ሃገር ፍልስጤም ክትምስረትን ከም መቅድመ ኩነት የቐምጥኦ ነይረን።

ኮሄን ብሓሙስ ምሸት ናብ እስራኤል እናተመለሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መገሻኡ "ብፍቓድ ኣሜሪካ" ከምዝተገብረ ኣፍሊጡ።

እቲ ዑደት "ምስ ሓንቲ ስትራተጂካዊት ዓረባዊትን ኣስላማዊትን ሃገር ንዝግበር ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም መሰረት ዘንብር እዩ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ሱዳንን ዝካየድ ስምምዕ ሰላም ዞባዊ ምርግጋእ ዘደንፍዕን ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ሃገረ እስራኤል ኣበርክቶ ዝህልዎን'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ሱዳን ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ምስተሰጋገረ እቲ ስነ-ስርዓት ምፍርራም ውዕሊ ሰላም ክካየድ ትጽቢት ከምዝግበር እውን አእንፊቱ።