ኣብ 'ቅድስቲ መሬት' ፈላመይቲ ጓለንስተይቲ ፓስተር ተቐቢኣ

ሳሊ ኣዛር ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ከተተባብዕ ከም እትኽእል ትኣምን

ምንጪ ስእሊ, LWF/A. Hillert

መግለጺ ስእሊ, ሳሊ ኣዛር ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ከተተባብዕ ከም እትኽእል ትኣምን

ኣብ ብዙሓት ክርስቲያን ሃገራት ዓለም፡ ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ግን፡ ኣብታ ፍጻመታት ቅዱስ መጽሓፍ ዝትረኸላ ቅድስቲ መሬት ግን ዝተቐብአት ጓል ኣንስተይቲ ኣይተራእየትን።

ትማሊ ሰንበት፡ ኣብ እየሩሳሌም ዝተወልደት ፍልስጤማዊት ሳሊ ኣዛር፡ ኣብ ሕምብርቲ እታ ጥንታዊት ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ቤተክርስቲያን ሉተራን ፈላመይቲ ፓስተር ኰይና ተቐቢኣ።

ኣብዚ ኣማኢት ዓለምለኻዊ ሰናይ ትምኒቶም ዝገልጹ ሰባት ተሳቲፎም።

“ስምዒት ካልኦት ሰባት ብምርኣይ ተፈሲሀ፤ ብሓገዝ እታ ቤተክርስቲያን ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ምውሳድ ኣዝዩ ዘደንቕ’ዩ" ትብል።

ወሲኻ፡ "ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝክኣል ክፈልጣን ኣብ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ክጽንበራናን ተስፋ እገብር። ግን እዚ ኣብ ፍልስጤም እንተተቐይሩ ዝያዳ ፍሉይ ስምዒት ይፈጥር” ክትብል ካህን ኣዛር ተዛሪባ።

ኣብ ዶባት ፍልስጤም፡ እስራኤልን ዮርዳኖስን ዝርከቡ ውሑዳን ክርስቲያን’ዮም።

መብዛሕትኦም ክርስቲያን ከኣ፡ ኣመንቲ ኣብያተ ክርስቲያን ግሪኽ ኦርቶዶክስን ላቲን ካቶሊክን ኰይኖም፡ እዘን ኣብያተ ክርስቲያን ደቂ ኣንስትዮ ኣቕሽሽቲ ክዀና ኣየፍቅዳን።

ሳሊ ኣዛር፡ ኣብ እየሩሳሌም ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፓስተር እያ

ምንጪ ስእሊ, Munther Isaac

መግለጺ ስእሊ, ሳሊ ኣዛር፡ ኣብ እየሩሳሌም ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፓስተር እያ

ይዅን’ምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓሰርታት ዓመታት ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ፕሮቴስታንት ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣቕሽሽቲ ክፍቀደለን ተራእዩ እዩ።

እዚአን፡ ኣብ እየሩሳሌም ንኣሽቱ ምእመናን ዘለወን፡ ዝመርሓኦም ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ኣሎወን።

“ኣብ ዝዀነ ተባዕታዊ ሕብረተሰብን ባህልን ዘለዎ ሃገር፡ እዚ ወሳኒ ስጕምቲ’ዩ” ትብል ኣብ ቀረባ ጥሮታ ዝወጽአት ሊቀ ጳጳስ ቤተ ክርስቲያን ሽወደን ኣንቲጅ ጃክሊን ተዛሪባ።

ወሲኻ፡ “ንልዕሊ 40 ዓመታት ካህን ኰይነ ብምጽንሐይ፡ ብዙሓት እዚ ከም ዝከኣል ዘይሓስቡ ሰባት ኣጋጢሞምኒ’ዮም። ሕጂ ግን፡ ደቂ ኣንስትዮ ፓስተራት፡ ጳጳሳትን ሊቀጳጳሳትን ኰይነን ከገልግላ ርእዮም ኣለው። ከም ዝሰርሕን ቅዱስ መጽሓፍ ዝተኸተለን ምዃኑ ክኣ ንፈልጥን ኢና” ኢላ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብ ሊባኖስን ሶርያን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ድሮ ንደቂ ኣንስትዮ ቅዱስ ትእዛዝ ክህባ እንከለዋ፡ እንተወሓደ ሓንቲ ፍልስጤማዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኣሜሪካ ከም እተገልግል ትፍለጥ።

ሊቀ ጳጳስ ቤተ ክርስቲያን ስዊድን ነበር ኣንቲጅ ጃክሊን
መግለጺ ስእሊ, ሊቀ ጳጳስ ቤተ ክርስቲያን ስዊድን ነበር ኣንቲጅ ጃክሊን

ኣዛር’ውን፡ ብኣቡኣ ጳጳስ ሳኒ ኣዛር እያ ተቐቢኣ። ናቱ ኣብነት'ኳ እንተለዓዓላ፡ ስነ-መለኮት ክትመሃር ግን ጸቕጢ ተሰሚዕዋ ኣይፈልጥን።

“ዝደልዮ’ዩ ኰይኑ፤ ንዕኡ’የ ተጸዊዐ” ትብል።

ከም ፓስተር መጠን ኣብ እየሩሳሌምን ኣብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም እትርከብ ቤት ሳሆርን፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ንዝዀኑ ምእመናን ምምራሕ ኣገልግሎትን መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍን ሓዊሱ ዝተፈላለየ ዕማማት ክትወስድ እያ።

“ንህይወት ቤተክርስቲያንና ዓቢይ፡ ዓቢይ መዓልቲ’ዩ። ዝደንጐየ'ኳ እንተዀነ፡ ንቕድሚት ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጕምቲ’ዩ” ክብል ፓስተር ሉተራን ቤተልሄምን ቤት ሳሆርን ካህን ዶክተር ሙንተር ኢሳቅ ርኢይቶ ሂቡ።

ንሱ፡ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባ ዘሎ መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ብዓረብኛ መጽሓፍ ጽሒፉ’ዩ።

“ደቂ ኣንሰትዮ ሚኒስትራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ፕሮፌሰራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ክኢላታት መጥባሕቲ ተቐቢልና ንኸይድ ኢና። ደቂ ኣንስትዮ ቅዱስ መጽሓፍ ክምህራን ቡራኬ ክህባን ከም ዝኽእላ ክሳብ ሕጂ ክንማጐት ግን ዝገርም'ዩ" ይብል።

“ሕጂ ኣብ ፍልስጤም ለውጢ’ኳ እንተመጽአ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምትብባዕን መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ግን ዝያዳ ክስርሓሉ ዝግባእ እዩ” ኢሉ።