ድቅስቲ ንዝነበረት ከተማ ውርይቲ ዝገበረ ጌጋ ሓንቲ ኣደ እንታይ እዩ?

ዝፀንሐ ስእሊ እየሱስ ክርስቶስ (ፀጋም)፡ ዝተበላሸወ ስእሊ እየሱስ ክርስቶስ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, CENTRO DE ESTUDIOS BORJANOS

እታ ከተማ ዘይኮነት፡ ሓንቲ ኣደ እየ ተጋግየን። ጌጋ ብጌጋኡ ልክዕ ቀይሕ መስመር ከም ምሕላፍ ዝቝጸር ኣዝዩ ከቢድ ጌጋ።

እተን ኣደ፡ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ንዝርከብ ስእሊ ከሐድሶ ኣለኒ ብዝብል ወነ እየን ነቲ ተግባር ፈጺመንኦ።

እቲ ስእሊ ተራ ስእሊ ዘይኰነስ፡ ካብ ዝሰኣል ሚእቲ ዓመት ዘሕለፈ ውሩይ ምስሊ እየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ፡ ጲላጦስ ካብ ‘ደም እየሱስ ንጹህ እየ’ ዝበለሉ ስእሊ እዩ።

እቲ ስእሊ ከኣ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ኣብ መንደቕ ‘ቲ ቤተ ክርስትያን ተሰቒሉ ዝነበረ እዩ።

እተን ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዝሳለማ ኣደ እምበኣር፡ ነቲ ምስሊ ከሐድሶ እየ ብማለት፡ ‘ኣምላኽ’ኳ ባዕሉ ይቕረ ዘይብሎ’ ዝተባህለሉ ጌጋ ከም ዝፈጸማ እዩ ዝንገር።

እዘን ኣደ፡ ኣብቲ ኣዘውቲረን ዝኸድኦ ቤተ ክርስትያን ተሰቒሉ ንዝነበረ፡ ዝተለሓጸጸ ምስሊ እየሱስ ክርስቶስ ስለዘሕዘነን፡ ብመልከዪ - ብራሽ ከመሓይሻኦ ወሲነን።

እየሱስ፡ ቅድሚ ምስቃሉ ኣኽሊል ዕሾኽ ተገይርዎ ናብ ዝርአ ምስሊ ቀሪበን፡ ማንም ከይረኣየን ቀለም በጽቢጸን ብብራሽ ለማሚጸንኦ።

እቲ ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝተሰቕለ ምስሊ ክርስቶስ ተበላሽዩ፣ እቲ ፍጻመ ኸኣ ንብዙሕ ሰብ ኣሕዚኑ።

ማዕከናት ዜና’ውን ከም ልሙድ ነቲ ፍጻመ ኣንበድቢደንኦ።

እቲ ስእሊ ንነዊሕ ዓመታት ዝተወደሰ ክቡር ስእሊ እዩ፤ ተበላሽዩ ተባሂሉ ምስ ተነግረ፡ ሰኣልቲ ዓለም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።

ስራሕ እቲ ውሩይ ቀባኢ ኤሊያስ ጋርሺያ ማርቲኔዝ ከመይ ኣቢሉ፡ “ብሓንቲ ዕብዲ ኣረጊት ሰበይቲ ይድፈር?” ተባሂሉ ተዘሪቡ።

በተን ኣደ ዝተበላሸወ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, በተን ኣደ ዝተበላሸወ ስእሊ

እተን ሰበይቲ እንታይ እየን ገይረን?

ተሳላሚት ‘ቲ ቤተ ክርስትያን እየን።

ግን ከኣ እቲ ንዓመታት ኣብ መንደቕ ዝተሰቕለ’ሞ ዝደብዘዘ ስእሊ ክርስቶስ ኣጕህይወን።

ንኸመሓይሽኦ ብዝገበርኦ ፈተነ ከኣ’ዩ እቲ ታሪኽ ዝቐየረ ፍጻመ ኣጋጢሙ።

ንሰን ንጽቡቕ እየ ሓሲበ፣ ካልእ ዕላማ ኣይነበረንን፣ ንእየሱስ ደንጊጸናሉ።

እቲ ተግባር ከኣ’ዩ ንቐባእቲ ዓለም ባህ ዘየበለ።

መዓስ’ከ እዩ ተፈጺሙ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ፍጻመ መዓስን ኣበይን ምዃኑ ንምፍላጥ ናብታ ክንድ’ቲ ዘይትፍለጥ ከተማ ምእታው ኣድላዪ እዩ። ብዙሕ ሰብ’ዩ ነቲ ጉድ ዝተባህለሉ ፍጻመ ክርኢ ዝውሕዝ ዘሎ።

እታ ከተማ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ስጳኛ፡ ንከተማ ማድሪድ ሓሊፍካ፡ ኣብ ጥቓ ከተማ ዛራጎዛ እያ እትርከብ።

ንነበርታ ቈጺርካ ክትውድኦም ፍርቂ መዓልቲ ጥራሕ እዩ ዝኣክል፤ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ጥራይ እዩ ዝነብረላ።

ቅድሚ እቲ ፍጻመ ብዘይካ ብነበርታ ብዙሕ ፍልጥቲ ከም ዘይነበረት እዩ ዝንገር። ሕጂ ግና ዕደመ ነተን ኣረጊት ምስኪን ሰበይቲ፡ ታሪኻ ተቐይሩ እዩ። እታ ከተማ ፈጺሙ ትጽቢት ብዘይተገብረሉ መገዲ ህብብቲ ኰይና’ላ። በጻሕቲ ዓዲ ዕረፍቲ የብሎምን።

ምስተን ፍሉጣት ከም በዓል ባርሴሎና ተመዓራርያ’ላ። እታ ንእሽቶ ከተማ እምበኣር፡ ቦርዣ እያ ትበሃል።

እቲ ውሩይ ስእሊ እየሱስ ክርስቶስ፡ ሳንቹሪዮ ዲ ላ ሚዜሮኮርዲያ ኣብ ዝበሃል ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን ‘ታ ከተማ እዩ ዝርከብ።

እቲ ስእሊ፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ዝተሳእለ ኣዝዩ ክቡርን ተፈታውን ስነ ጥበባዊ ስራሕ እዩ። እንተዀነ ኣሪጉ እዩ። ምእራጉን ምድብዛዙን ዘተሓሳሰበን ኣደ ከኣ እየን፡ ኣብ 2012 ከመሓይሻኦ ኢለን ብብራሽ ዝኣተውኦ።

እቲ ስእሊ ኢቼ ሆሞ (Ecce homo) ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።

ትርጕሙ፡ ‘ነዚ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትውዎ’ ማለት እዩ።

ብትሕዝቶ ክግለጽ እንከሎ ከኣ ነቲ ጲላጦስ፡ “ካብ ደም ክርስቶስ ንጹህ እየ” ዝበለሉ ህሞት ዝነግር እዩ።

እቲ ስእሊ፡ እየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምስቃሉ ኣብ ርእሱ ዝተደፍአ ዕሾኽ ኣኽሊል ዘርኢ እዩ።

እተን ኣደ፡ ሴሲሊያ ጊመነዝ እየን ዝበሃላ። ሽዑ ጓል 80 ዓመት ሽማግለ ዝነበራ ኰይነን፡ ሕጂ ግና ተስዓ ዓመት ኣሕሊፈን።

ዝተበላሸወ ስእሊ እየሱስ ከሐድሶ እየ ብማለት ከኣ ቈልዓ ዝተጻወተሉ ደብተር ኣምሲለንኦ። ሽዑ ብዙሓት ጋዜጠኛታት፡ “ካብ እየሱስነት ናብ ምስሊ ህበይ ዝተለወጠ” ብምባል ቍጥዖኦም ገሊጾም ነይሮም።

ማሕበራዊ ሚዲያ ብኣሽሙርን ሽምጠጣን መሊኡ። ብዙሓት ተዋዘይቲ ነቲ ፍጻመ ንሰሙን መመላእታ ተቐባቢሎምሉ። ተግባር እተን ኣደ ተግባር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንዓመታት መላገጺ ኰይኑ። ኣስታት 120 ዓመታት ኣብ ዝዕድመኡ ስእሊ ዝተፈጸመ ዕንወት ከቢድ ቍጥዐ ፈጢሩ።

ኣብቲ እዋን ነቲ ስእሊ መን ከምዘበላሸዎ ስለዘይተፈልጠ እታ ሃገር ዕግርግር ኣትይዋ፤ ፖሊስ ውሳነ ማእሰርቲ ኣሕሊፉ። ኒውዮርክ ታይምስን ቢቢሲን ከይተረፉ፡ ‘ሸፋቱ ኣብቲ ታሪኻውን ስሙይን ስእሊ ዕንወት ኣውሪዶም’ ኢሎም ጽሒፎም።

ሴሲሊያ ጊመነዝ
መግለጺ ስእሊ, ሴሲሊያ ጊመነዝ

በዚ ኸኣ’ዩ እቲ ጉዳይ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ። ዳሕራይ ሓንቲ ምርኩስ ዝሓዛ ሴሲሊያ ጊመነዝ ዝተባህላ ሽማግለ፡ ንፖሊስ ኢደን ሂበን።

 እቲ ዝገርም ግና እተን ኣደ እየን ዝያዳ ሓሪቐን። እንታይ ኢኹም ተውርዩ ዘለኹም? ብምባል ንፖሊስ ኣሰንቢደንኦም። “ሸፋቱ ዘይኰኑስ ኣነ ኣየ ገይረዮ” ክብላ ተናዚዘን፣ መብርሂ ሂበን።

“ተሓቢአ ኣይኰንኩን ከኣ ገይረዮ፣ ነዞም ኣብዚ ዘለው ኣቕሺሽቲ ነጊረዮም እየ። ለይቲ ዘይኮነ ከኣ ቀትሪ እየ ፈጺመዮ። ነቲ ስእሊ ከሐድሶ እየ ፈቲነ፤ እንታይ እዩ በደለይ? ስእሊ ክርስቶስ ኣሪጉ ሓሲምዎ እናረኣኹስ ስቕ ዘይትብሊ ዲኹም ትብሉ ዘለኹም?” ክብላ ሓቲተን።

እታ ከተማ ብዘይሓሰበቶ ተወርያ። ኣብ ክንዲ መስሓቕ፡ መስሕብ በጻሕቲ ዓዲ ኰይና። ሰባት ኣሽሓት ማይልስ ተጓዒዞም፡ “ ነታ ብጌጋ ዝደመቐት ከተማ” ክበጽሑዋ ይመጽኡ ኣለው።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ተግባር እተን ሽማግለ ሰበይቲ ቅዱስ ጌጋ ተባሂሉ ተወደሰ። እተን ተሳላሚት ቤተ-ክርስትያን ኣደ ካብ መፈለምትኡ እውን ንዕንወት ኣይተበገሳን።

ከምኡ ኰይኑ’ውን ክርስቶስ ይቕረ ምብህሃል እዩ ኣምሂሩና። እተን 91 ዓመት ዝገበራ ኣደ ሕጂ ኣብ መእለይ ሽማግለታት እየን ዝናበያ።

ከንቲባ እታ ከተማ ፓብሎ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ነተን ኣደ ሽምዓ ክነብርሃለን ኢና። ነቲ ዓሰርተ ዓመቱ ዝገበረ ጌጋ መዓልቲ ብዝኽሪ ክነድምቘ ኢና ኢሉ። ምኽንያቱ፡ ብሰንኪ እዘን ‘ጅግና’ ምስኪን ኣደ፡ ካብ 110 ሃገራት በጻሕቲ ይውሕዙና ኣለው። እቲ ተግባር ከኣ ንከተማ ቦርዣ ካብ ሓንቲ ድቅስቲ ናብ ውርይቲ ከተማ ኣዕሪጕዋ ኣሎ ኢሉ።

ኣብዚ እዋን እታ ከተማ ኣብ ዓመት ኣስታት 40 ሽሕ በጻሕቲ ይነግዱዋ፣ ዕድመ ነተን ለዋህ ኣደ። ሕጂ ኣብቲ ውሩይ ስእሊ ክርስቶስ ቀይሕ ጌጋ ዝፈጸማ ሽማግለ ኣደ፡ ካብ ኣታዊ በጻሕቲ 40% ብጽሒት ከምዝወስዳ ተገይሩ ኣሎ።

እወ ልክዕ እዩ። ሕጂ ደኣ እኮ እቲ ስእሊ ናይቲ ውሩይ ጋርሺያ ጥራሕ ኣይኰነን። እተን ኣረጊት ኣደ እውን ብራሸን ሓዊሰናሉ እየን። ንሰን ከኣ ገንዘበን ንግብረ ሰናይ ብምሃብ እየን ዝፍለጣ።

‘ዝኸበርካ እግዚኣብሄር! ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ንዝፈጸምኩዎ ስሕተት ይቕረ በለለይ’ ዶ ይብላ ይዀና?