ብራዚል ኣብ ዓለም ብንውሓቱ ሳልሳይ ዝስራዕ ሓወልቲ ክርስቶስ ትሃንጽ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብራዚል፡ 43 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ሓወልቲ ክርስቶስ: ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ኤንካታዶ ትሃንጽ ኣላ።
እዚ፡ ካብቲ ኣብ ከተማ ሪዮ ዴ-ጄኒሮ ዝርከብ ፍሉጥ ሓወልቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ሳልሳይ ከም ዝኸውን ይዝረበሉ።
ህንጸት እዚ ሓወልቲ ኣብ 2019 ክጅመር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ህንጸት ርእስን ዝተዘርግሑ ኣእዳውን እቲ ሓወልቲ ተገጢሞም።
ነቲ ሓወልቲ ናይ ምህናጽ ሓሳብ ዘንቀለ ፖለቲከኛ ከተማ ኤንጃታዶ ኣድሮኣልዶ ኮናዛቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሞይቱ።
ኣብዚ ዓመት ህንጸት እቲ ሓወልቲ ከም ዝዛዘም ክግለጽ እንከሎ፡ 350 ሽሕ ዶላር በጀት ተሰሊዕሉ ኣሎ።
'ፈተውቲ ክርስቶስ' ዝተባህለ ማሕበር ንህንጸት እቲ ሓወልቲ ዘድሊ ገንዘብ ካብ ውልቀሰባትን ትካላትን ይእክብ ኣሎ።
እቲ ሓወልቲ፡ ካብ ሓደ ኢድ ናብቲ ካልኣይ ጫፍ ኢድ 36 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዝግጠሙ መጉዓዓዝቲ በጻሕቲ ክሳብ ደረት እቲ ሓወልቲ ዝወስዱ'ዮም ተባሂሉ።
እዚ ድማ፡ ናይ 40 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ኮይኑ ሙሉእ እታ ከተማ ንምዕዛብ ከም ዝሕግዝ ተገሊጹ።
ካብዚ ሓወልቲ ዝበልጹ ክልተ ሓወልታት ክርስቶስ ኣብ ኢንዶኔዥያን ሆላንድን ኣለው።
እቲ 'ቡንቱ ቡራኬ' ዝተባህለ ኣብ ኢንዶኔዥያ ዝርከብ ሓወልቲ ክርስቶስ 52.55 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሆላንድ ዝርከብ 'ክራይስት ዘ ኪንግ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓወልቲ ድማ 52.5 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ።
ኣብ ዓለም፡ ናይ ድንግል ማርያምን ቡድሃን ሓዊሱ፡ ካብዞም ሓወልታት ዝነውሑ ብዙሓት ሓወልታት ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







