ኢራን፡ ብጋዝ ዝተመረዛ ብዙሓት ተመሃሮ ናብ ሆስፒታል ከይደን

ብኹነታት ደቖም ዝተሻቐሉ ወለዲ ኣብ ኣፍፈደገ ኣብያተ ትምህርቲ ተኣኪቦም ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, 1500TASVIR

መግለጺ ስእሊ, ብኹነታት ደቖም ዝተሻቐሉ ወለዲ ኣብ ኣፍፈደገ ኣብያተ ትምህርቲ ተኣኪቦም ይርኣዩ

ኣብ ኢራን ካብ ዝርከባ 26 ኣብያተ-ትምህርቲ ሓያሎ ደቀንስትዮ ብዘጋጠመን ናይ ጋዝ ምምራዝ ኣብ ሆስፒታላት ሕክምናዊ ክንክን ይግበረለን ኣሎ።

ካብ ሕዳር ጀሚሩ በቲ መራዚ ጋዝ ዝተጠቕዓ ልዕሊ 1,000 ተማሃሮ ከም ሕጽረት ምስትንፋስ፡ ዕግርግር ምባል፡ ርእሲ ምዛርን ድኻምን ዝኣመሰለ ጸገማት ኣጋጢሙወን ኣሎ።

ብዙሓት ኢራናውያን እቲ መርዚ፡ እቲ ናይ ደቀንስትዮ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኽዕጾ ብፍላጥ ከም ዝተገብረ ይጥርጥሩ ።

ይኹን እምበር፡ መንግስቲ እቲ ተግባር ኣቐዲሙ ዝተዋደደ እዩ ዝብል እምነት የብሉን። ግን ከኣ ከምኡ ኢሉ እውን ብቅሉዕ ኣይተዛረበን።

ጠንቂ ናይቲ ምምራዝ እንታይ ምዃኑ ንከረጋግጽ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ሓላፍነት ዝተዋህቦ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ኣሕመድ ቫሂዲ ፡ ብረቡዕ፡ ንኣገልግሎት ዜና ፋርስ፡ “ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው” ክብል ዝተዋህበ ዜና ሓሶት እዩ ክብል ገሊጹ።

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ዕሱባት ጉጅለታት ነቲ ህዝቢ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ውግእ ከጨናንቑዎ ዝተጠቕምሉ ወረ እዩ ክብል ከኣ ይኸስስ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ገለ ተማሃሮን ወለድን ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ስለዝተሳተፉ ንተማሃሮ ዒላማ ዝገበረ ክኸውን ከም ዝኽእል ርእይቶ ሂቦም ።

ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ኢራን ካብ ዝርከባ 26 ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ኣስታት 700 ተማሃሮ በቲ ሓድሽ መርዚ ጋዝ ተጸልየን ከምዘለዋ ፡ ማዕከናት ዜናን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ፋርስ፡ ኣምቡላንሳት ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ሆስፒታላት ንሕክምና ክወስደአም እንከለዋ ዘርኢ ቪድዮታት ከም እተዘርገሐ ገሊጹ ።

ኣብ ምዕራብ ቴህራን ኣብ እትርከብ ሓንቲ ከተማ፡ ካብ 13 ኣብያተ ትምህርቲ ዝመጽኣ ደቀንስትዮ ኣብ ሆስፒታል ደቂሰን ኦክሲጂን እናወሰዳ እንከለዋ ዘርኢ ስእሊ እውን ተራእዩ ኣሎ።

ኢራን፡ ብሓዲሽ ጋዝ ዝተመረዛ ብዙሓት ተመሃሮ ናብ ሆስፒታል ከይደን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ምብራቕ እታ ከተማ እተላእኸ ካልእ ቪድዮ ድማ፡ ደቀንስትዮ ተማሃሮ ኣብ ኣፍ ደገ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ጽርግያ ኮፍ ኢለን እንከለዋ የርኢ።

ሽዑ፡ ሓንቲ ኣደ ናብቲ ኣፍ ደገ ጐይያ ብምኻድ፡ "ውላደይ ኣበይ ኣላ?" ኢላ ኽተእዊ ትርአ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ ፡ "ተማሃሮ ብጋዝ ተመሪዘን ኣለዋ" ክብል መሊሱላ።

ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ መባእታ ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ ኮይነን ኣለዋ።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ፈለማ ነቲ መርዚ፡ ካብ ቴህራን ብደቡብ ኣብ እትርከብ ናይ ሺዓ ሙስሊም ቅድስቲ ከተማ ቆም ደው ከብሉዎ ካብ ህዝቢ ጸቕጢ ይወርዶም ኣሎ ።

ብቢቢሲ ፋርስ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከም ዝገልጾ፡ ብውሕዱ 830 ተመሃሮ፡ ካብ ሰንበት ጀሚረን ከም እተመረዛ ይገልጽ። ሓደ ኣባል ባይቶ ግን ነቲ ኣሃዝ ናብ 1200 ክብ ኣቢሉዎ ኣሎ።

እቶም በዚ ሕማም እተጠቕዑ ሰባት ቅድሚ ምውዳቖም ፈለማ ሕማቕ ጨና ናይ ዝመሽመሸ ዓሳን ናይ ታንጀሪን ሽታ ከምዝሸተቶም ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ኣቦ መንበር ባይቶ ኮሚተ ትምህርቲ ኣሊሬዛ ሞናዲ-ሰፊዳን፡ ብሰሉስ ንቢቢሲ ፋርስ ከም ዝገለጸቶ፡ ኣብ መርመራ መርዛም ጋዝ ናይትሮጅን ከምእተረኽበ ሓቢራ።

ይኹን እምበር፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሓደ ቀመማዊ ባእታ ተረኺቡ ዝብል ጸብጻብ ትኽክል ከምዘይኮነ ገሊጹ ።

ሓደ ወላዲ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ኣብ ቴህራን፡ ከባቢ ፓርዲስ ዝርከብ ጓሉ እትመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ዝመሃራ ደቀንስትዮ ብሰሉስ ከምዝተመረዛ ተዛሪቡ።

እቲ ወላዲ ፡ "ጓለይን ክልተ መማህርታን፡ ፈለማ ድምጺ ነታጒ ዝመስል ነገር ከም ዝሰምዓ፡ ብድሕሪኡ ናይ ዝነደደ ፕላስቲክ ዝመስል ባህ ዘየብል ጨና ሼቲቱና" ከምዝበለት ሓቢሩ። ቢቢሲ ንድሕነት እቲ ሰብ ክብል ሽሙ ኣይገለጸን ።

እተን ተማሃሮ ነቲ ክፍሊ ገዲፈን ናብቲ ቀጽሪ ክወጽኣ ተሓቢረን ነይረን። እንተኾነ ኣብ ኩሉ ከይበጽሓ ክወድቃ ጀሚረን።

"ኣብቲ ጓለይ እትመሃረሉ ክፍሊ ናይ ኣዝማን ልብን ጸገም ዘለወን ተማሃሮ ኣለዋ፡ ኣምቡላንስን ፖሊስን መጺኦም። ነተን ተማሃሮ ከኣ ጸባ ሂቦምወን" ይብል እቲ ወላዲ።

ብሰንበት ምክትል ሚኒስተር ጥዕና ዮንስ ፓናሂ "ገለ ሰባት ኵለን ኣብያተ-ትምህርቲ: ብፍላይ ከኣ ኣብያተ-ትምህርቲ ደቀንስትዮ ክዕጸዋ ከም ዝደልዩ ንጹር እዩ" ኢሉ’ኳ እንተተባህለ፡ ዳሕራይ ግን ነቲ ንሱ ዝበሎ ብጌጋ ከምዝተርጎመዎ ተዛሪቡ።

ገሊኦም ሰባት፡ እተን ተመሃሮ፡ ብማእሰርቲ ማሻ ኣሚኒ ንዝገበረኦ ተቓውሞ ምላሽ እዩ ዝወሃበን ዘሎ ይብሉ።

ሰበ-ስልጣን ነቲ ተቓውሞታት ከም "ናዕቢ" ስለዝረኣዩዎ ሓያል ምላሽ ሂቦምሉ እዮም።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ህጻውንቲ ዝርከቡዎም ብኣማእታት ዝቝጸሩ ተቓወምቲ ከም እተቐትሉ ይገልጹ።