እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ዝፅዕር ህንዳዊ መምህር
ካናን ኣምባላም (ዶ/ር ) ይበሃል። ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ኣብ ክፍሊ ምሕደራ ህዝቢ መምህር ኮይኑ ኣብ ዞባታት ወለጋ ከምኡውን ኣብ ምዕራብ ጉጂ ኣብ ዝርከቡ ከባብታት ገጠር ምስ ዝነብር ህዝቢ ብምዃን፡ ልዕሊ 70 ድልድላትን ልዕሊ 40 ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይን ሰሪሑ'ዩ።
ኣብ ህንዲ ማንዱራይ ካብ ትብሃል ንእሽተይ ቁሸት ዝተወለደ ካናን፡ ቅድሚ 13 ዓመታት እዩ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ፤ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ከም ኣባል ሓደ ስድራ እዩ ዝርእየኒ ክብል ድማ በቒዑ።
ካናን፡ ኣብ ርእሰከተማ ህንዲ ኒው ዴልሂ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጃዋሀርላል ኔህሩ፡ ብምምሕዳር ህዝቢ ሳልሳይ ዲግሪ ዝረኸበ እንትኾን፡ ኣብ ህንዲ ንኣስታት ሓደ ዓመት ስራሕ ክደልይ ፀኒሑ።
ናብ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ንምፅንባር ዝገበሮ ፃዕሪ፡ ብብርኪ ሃገር ንዝወሃብ መመዘኒ ብዘይምሕላፉ፡ ስራሕ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ኣብ ክልል ኦሮምያ ምስ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ተራኺቡ።
ኣብዚ ዩኒቨርሲቲ ስራሕ ረኺቡ ናብ ኢትዮጵያ ንምኻድ ከምዝሓሰበ ንስድርኡ እንትነግሮም ግና፡ ዝበዝሕ ሰብ፡ 'ብኸመይ ኵናት ናብ ዘይጠፍኣሉ ኣፍሪቃ ትኸድ?' ብምባል ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ከይኸድ ምዒደሞ፤ ግና ኣይተቐበሎምን።
"ምስ በፃሕኩ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ መምህራንን ካልኦትን ፅቡቕ ኣቀባብላ ጌሮምለይ። ኩሉ ሰብ ዝደልዮ ነገር እንተልዩ ይሓተኒ። ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ'ውን ቀልጢፉ'ዩ ተቐቢሉኒ" ይብል።
ንምንታይ ኣብ ስራሕቲ ድልድል ኣድሂቡ?
ካናን ዘምረሐሉ ከባቢ ዋላ'ኳ ብተፈጥሮ ዝተዓደለ እንተኾነ፡ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይን መሰረታዊ ዝበሃሉ ድልድላት ስለዘይነበሮ፡ እዚኦም ንሂወት እቲ ማሕበረሰብ ይብድሁ ዘለዉ ፀገማት ምዃኖም ንምስትብሃል ግዘ ኣይወሰደሉን።
"ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብምምሕዳር ህዝብን ክፍሊ ኣመራርሓ ልምዓትን ብካልኣይ ዲግሪ ትምህርቲ ንምሃብ ምስተለመ፡ ተምሃሮ ተንቀሳቒሶም ናይቲ ህዝቢ ፀገም ንከፅንዑ ጌርና። ምስቶም ተምሃሮ ተጓዒዝና እቲ ማሕበረሰብ ብጣዕሚ ዘድልይዎ ነገራት እንታይ'ዮም ኣብ ዝብል ሓበሬታ ኣኪብና" ይብል።
ሓደ መዓልቲ ምስ ተምሃርኡ ናብ ከባቢ ገጠር ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ኣብ ጥቃ ንእሽተይ ሩባ ዝነብራ ሓንቲ ኣደ፡ ኣቕሓ ተሸኪመን ንምስጋር እንክፍትና ተዓዚቡ። እቲ ማይ እናደፍአንን ጭቃ ሸተት እናበለንን ብጣዕሚ ተፀጊመን ነቲ ሩባ ይሰግርኦ።
"ሻቡ ንተምሃሮይ እዚ ፀገም እኮ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል'ዩ ኢለዮም። ንሳቶም ግና ኣብ ፈለማ ብጣዕሚ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእልን ብዙሕ ገንዘብ ከምዘድልን ነጊሮምኒ" ይብል።
እንተኾነ ተምሃርኡ ንተወሳኺ ግዘ ኣብቲ ከባቢ ክፀንሑን ክንዲ ዝኸኣልዎ ዕንፀይቲ ክእክቡን ነጊርዎም፤ ሻቡ ንሻቡ ድማ በቲ ዝተኣከበ ዕንፀይቲ ንእሽተይ ድልድል ሃኒፁ። ህዝቢ እቲ ከባቢ'ውን ኣብ ህንፀት እቲ ድልድል ሓጊዝዎ።
ኣብቲ ከባቢ ዝነበሮም ፃንሒት ምስ ወድኡ ከኣ፡ ነቲ ድልድል ብኸመይ ምምሕያሽ ከምዝከኣል፣ ኣብቲ ከባቢ ካልኦት ተመሳሳሊ ድልድል ዘድልዮም ከባብታት ከምዘለዉን እቲ ማሕበረሰብ ብኸመይ ምስታፍ ከምዝከኣልን ምስተምሃርኡ ዘትዩ።
ካናን፡ ድሕሪ እዚ ምስ ተምሃርኡ ኣብ ዞባታት ወለጋን ምዕራብ ጉጂን ብምብፃሕ 76 ድልድላት ሃኒፁ።
ከም ኣጋጣሚ ሓንቲ ኣደ ሩባ ንምስጋር ዘጋጠመን ፈተና ብምርኣይ ዝተጀመረ እዚ ስራሕ፡ ብዙሓት ንምርኻብ ኣኽኢሉ። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝርከቡ ነበርቲ፡ ብኸመይ ድልድላት ምስራሕ ከምዝከኣልን እንክበላሸዉ ብኸመይ ምፅጋን ከምዝከኣልን ኣምሂሩ'ዩ።
ኣብ መፈለምታ ከባቢ ድማ ረብሓ እቶም ድልድላት ዝረኣዩ ነበርቲ ካልኦት ከባብታት፡ ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ብምምፃእ፡ ካናን ድልድላት ክሃንፀሎምን ኣሰራርሕኡ ከርእዮምን ይሓቱ ኔሮም።
እቶም ዝስርሑ ድልድላት 34 ሜትር ንውሓትን 4 ሜትር ስፍሓትን ዘለዎም እንትኾኑ፡ ኣገልግሎት ምሃብ ምስጀመሩ፡ ነበርቲ እተን ከባብታት፡ ደቆም ብእዋኑ ናብ ቤት ትምህርቲ ንምብፃሕን ናብ ጣብያ ጥዕና ንምኻድን፡ ካብ ካልእ እዋን ዝቐለለ ከምዝኾነ ኣስተውዒሎም።
እቶም ፈለማ ዝተሰርሑ ድልድላት ካብ ዕንፀይቲ ጥራሕ ዝተሰርሑ ብምንባሮም፡ ኣብ ከይዲ ብዝናብን ንፋስን ምብልሻው እንክጅምሩ፡ ነቶም ድልድላት ዝሐሸ ድጋፍን ምንፃፍን ክሃንፅ ጀሚሩ።
ነዚ ድማ ስሚንቶ ብምጥቃም ፅኑዕ ድጋፍ ክህልዎም ብምግባር፡ ንነዊሕ እዋን ከገልግሉ ኣኽኢሉ።
ነቶም ድልድላት ንምህናፅ፡ ሲሚንቶ፣ መደገፊ ዝኾን ሓፂን ወይ ጣውላ ካብ ዕዳጋ'ዮም ዝዕደጉ፤ ከም ሑጻ፣ ዕንፀይትን ገመድን ብቐንዱ ድማ ሓይሊ ሰብ፡ ካብቲ ነባሪ ዝርከብ ምዃኑ ወፃኢ ነክይሉ'ዩ።
ካናን፡ "ኣብ ፕሮጀክትና ሰለስተ ቀንዲ ነገራት ከምዘሳኻዕና ንከታተል። እቲ ፈላማይ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ዝኾነ ዓይነት ሃፍቲ ብግቡእ ምጥቃምና፣ ካልኣይ ብጣዕሚ ቀሊል ምህዞ ምዃኑን እቲ ሕብረተሰብ ብቐሊሉ ክሰርሖ ዝኽእልን መናእሰይ ዘሳትፍ ምዃኑን፣ ሳልሳይ ድማ ትሑት ወፃኢ ዝጠልብ ምዃኑ ንከታተል" ይብል።
ፅሩይ ዝስተ ማይ
ካናን ኣብቲ ከባቢ እንትንቀሳቐስ ፀገም ድልድል ጥራሕ ኣይኮነን ተዓዚቡ፤ እቲ ህዝቢ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝረኽበሉ ዕድል ከምዘይብሉ ምስዝርዳእ፡ ነዚ ፀገም ዝፈትሐሉ መገዲ ከናድይ ጀሚሩ።
"ናብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝኸደሉ መገዲ ሰባት ብየማንን ፀጋምን ዝፈስስ ማይ ክቀድሑ፡ ከምኡ'ውን ረሳሕ ማይ ዝሰትዩ ሰባት ተዓዚበ። ቀሪበ ንምንታይ ኢኹም ረሳሕ ማይ ትሰትዩ ኢለ እንትሓቶም፡ ካልእ ምንጪ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘይብሎም ነጊሮምኒ። እዚ ምስ ረኣኹ ድማ ሕዚ'ውን ምስ ተምሃሮይ ብምዃን ንምንታይ ቀሊል መፃረይ ማይ ዘይንሰርሐሎም ኢለ ሓሲበ" ይብል።
ተፈጥርኣዊ ብዝኾነ መገዲ፡ ማይ ዘፃርይሉ መገዲ መነባብሮ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ከቕልሎ ምስጀመረ፡ ነበርቲ ካልኦት ከባብታት'ውን መፃረይ ማይ ክሰርሐሎምን መሃረና ኢሎም ክሓቱ ጀሚሮም። ሑጻ፣ ፀፀር፣ ፈሓምን ካልኦት ነገራትን ብቐሊሉ ብምጥቃም ዝሰርሖ ቁፅሪ መፃረይ ማይ ሕዚ 43 በፂሑ ኣሎ።
ነዚ ንምስራሕ ህዝቢ እቲ ከባቢ'ውን ዝተሳተፈ እንትኾን፡ "እዚ ትኽክለኛ መርኣያ ምምሕዳር ልምዓትን ህዝብን እዩ" ይብል ካናን።
ካናን ኣምባላም (ዶ/ር) ኣብ ዞባታት ወለጋን ምዕራብ ጉጂን ናይ ዝነብር ህዝቢ ህይወት ንምቕያር ብዝገበሮ ፃዕሪ፡ ካብ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዋይ ትካላት ትምህርትን ኢትዮጵያ ሽልማት ሜዳልያ ወርቅን ናይ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐትን ተበርኪትሉ'ዩ።
እቲ ሚኒስትር፡ ካናንን ተምሃርኡን ከምኡ'ውን ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ተዋዲዶም ንዝዓመምዎ ስራሕ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ንካልኦት ፕሮጀክታት ንምድጋፍ ዝውዕል 25 ሽሕ ብር ብመልክዕ ሽልማት ሂቡ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ መምህር ምምሕዳር ህዝብን ኣመራርሓ ልምዓትን ዝኾነ ካናን፡ ምናልባት ቅድሚ ሕዚ ፍልጠት ምህንድስና ወይ ህንፀት ይነብሮ'ዶ ይኸውን ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን። ንሱ ግና ቅድሚ ሕዚ ዝኾነ ዓይነት ልምዲ ከምዘይነበሮን ኣብ ከይዲ ዝተምሃሮን ከምዝኾነ እዩ ዝገልፅ።
"ኣብ ህንዲ ከለኹ ኣብ ከምዚ ዝበለ ስራሕቲ ብቐጥታ እኳ እንተዘይተሳተፍኩ፡ ኣብ በብከባቢኡ ስራሕቲ ልምዓት ክሰርሑ ተዓዚበ እየ። ናብ ወለጋ ምስመፃእኹ ድማ፡ ድልድል ብኸመይ ብቀሊሉ ምስራሕ ከምዝከኣል ናይ ባዕለይ ምርምር ጌረ። ብዙሓት ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ብምርኣይ ድማ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣምፂአ" ይብል።