እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ክልል ትግራይ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዩ ግዝያዊ ምምሕዳር እታ ክልል ገሊጹ
ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ 100 መዓልታት ንዝፈጸሞ ስራሓት ኣመልኪቱ ንቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሽግር ከምዘሎ ንመንግሰረቲ ፈዴራል ብምሕባር 776 ሽሕ ኩንታል ህጹጽ ሓገዝ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ ከምዘከፋፈሉ ገሊጹ።
ካብዚ እቲ 70 ሚኢታዊት ብመንግስቲ ፈደራል ዝተሸፈነ ከምዝኾነን እቲ ዝተረፈ ዓለምለኻውያን ለገስቲ ኣካላት ዘበርከተኦ ከምዝኾና ሓቢሩ።
እቲ ዝውሃብ ረዲኤት ንኹሎም እቶም ሰብኣዎ ሓገዛት ዘድልዮም 4.5 ሚልዮን ህዝቢ ከምዘይበጽሐ ዝሕብር እቲ ሓላፊ ሕጂ'ውን ኣብ ካልኣይ ዙር ምክፍፋል ረድኤት ን2.5 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ ንምግባር ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ኣብሪሁ።
እቲ ሓላፊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ናብ ኩሉ ቦታታት ረድኤት ከምዝተውሃበ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ውሱን ቦታታት ኣብ ዞባ ደቡብ ኸኣ ብጀካ ንሓሙሽተ ወረዳታት ኣብ ኩሉ ቦታታት ረድኤት ከምዝዓደሉ ገሊጹ።
ኣብ መስርሕ እቲ ምዕዳል ረድኤት ንውልቃዊ ረብሐኦም ዘቐደሙ ሓለፍቲ ስለዝተራእዩ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ዋላ እኳ ሽም ኣይጥቐስ ካብ ስርሖም ዝተሰጎጉ ሓለፍቲ ምህላዎም ሓቢሩ።
ኣብ ካልኣይ ዙር ምዕዳል ረድኤት 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮ ተጸኒዑ መደብ ወጺኡ: 414 ሽሕ ኩንታል ረድኤት ከምዘድሊ ኣብ ግምት ኣትዩ ኣብ ምዕዳል ረድኤት ከምዝርከቡ እቲ ሓለፊ ገሊጹ።
ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ጸብጻባት ይበጽሖም ከምዘሎ ዝሓበረ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ነቲ ቦታታት ቀዳምነታት ሂቦም ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ብዛዕባ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብምልሻታት ክልል ኣምሓራ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ምፍንቓል ሰባት፡ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተሪር መርገጺ ከምዘለዎ እዩ ገሊጹ።
"ንኽልል ትግራይ ከነመሓድር እንከለና፡ እታ ብሕገ መንግስቲ ፍሉጥ ወሰን ዘለዋ ትግራይ ሓንቲ ሴንቲሜተር ከይተሸርመማ ከነማሓድር ኢና ተሰማሚዕና፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ከኣ ኩሎም ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓደን ተሪርን መርገጺ እዩ ዘለና" ኢሉ።
ሕቶ ናይ ወሰን ዘለዎ ሰብ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሕትኡ ከቕርብ ይኽእል እዩ ዝበለ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ካብ ምዕራብ እታ ክልል ንስነ ልቦናዊ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኣምሓራ ዘይውክል ጸብጻባት ይበጽሖ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
"እቶም ኣብ ምዕራብ ትግራይ መሬትና ሒዞም ዘለዉ ካብ መሬትና ክወጽኡ ብተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪብና ኣለና፡ እቶም ብሓይሊ ሰብ ዘፈናቕሉ ዘለዉን ንብረት ዝሰርቑ ዘለዉን'ውን ተግባራቶም ደው ከብሉ ብተደጋጋሚ ንሓትት ኣለና" ኢሉ።
ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ እቲ ካብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፈዴራልን ነታ ክልል ዘመሓድር ዝነበረ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝጀመረ ኵናት ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣብ ሽረ፡ ኣኽሱም፡ ዓድዋ፡ ተንቤንን ማይጨውን ከምዘለዉ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ዝበዝሑ ካብቶም ተፈናቐልቲ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ካብ ለለስተ ወረዳታት ዞባ ሰሜን ትግራይን ካብ ሓሙሽተ ወረዳታት ደቡብ ትግራይ ከምዝኾኑ'ውን ኣብሪሁ።
ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ 64 ወረዳታት ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳራት ተኺሉ ከምዘሎ ብምሕባር እቶም ሓለፍቲ ምምሕዳራት ኮይኖም ዝተመረጹ ህዝቢ ባዕሉ ኣሚኑ ዝመረጾም ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ገለ ክፋል ዞባ ደቡብ ትግረይን ውሱን ቦታታት ናይ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይን ግን ንሶም ይቆጻጸርዎ ስለዘየለዉ ምምሕዳራቶም ክዝርግሑ ከምዘይክኣሉ ኣብሪሁ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕጂ ይካየድ ከምዘሎ ዝግለጽ ኵናት ዓሰርታት ኣሽሓት ናብ ሱዳን ክስደዱ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሞትን ዓመጽን ከምዝተፈጸመ እዩ ዝግለጽ።
ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።
በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ።
ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።
ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።
እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።