እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ትግራይ ‘ዓይንዮምን ተዘሚቶምን’
ኣስታት 70 ሚእታዊት ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ከምዝዓነዉን ኣቑሑቶም ከምዝተዘምተን ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ማሕበር ግብረሰናይ ሓቢሩ።
እቲ ማሕበር (ኤም-ኤስ-ኤፍ) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቶም ትካላት "ካብ ስራሕ ወጻኢ" ንምግባሮም "ኮነ" ተባሂሉ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶም ገሊጹ።
እቲ ኩነታት ኣብቲ ህዝቢ "ከቢድ ሃስያ" ኣስዒቡ ምህላዉ እቲ ማሕበር ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።
ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ዝበዝሑ ካብቶም ትካላት ንቡር ስርሖም ከምዝጀመሩ'ዮም ዝገልጹ።
ብ3 ሕዳር ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜን እዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብ4 ሕዳር "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዊጁ።
ዋላ'ኳ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ድሕሪ ምትሓዝ ከተማ መቐለ፡ እቲ ስርሒት ብዓወት ከምዝተዛዘመ ገሊጹ እንተነበረ፡ እቲ ኩናት ግን ንልዕሊ 4 ኣዋርሕ ቀጺሉ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ። ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ ተገዲዶም ኣለዉ። ካብቲ ኲናት ዝሃደሙ ልዕሊ 60, 000 ካልኦት ድማ ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ብ28ን 29ን ሕዳር 2020፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣሚኢት ሰባት ከምዝቐተሉን፡ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ገበን ኣንጻር ሰባዊነት ዝዳረግ ምዃኑን ከሲሱ ነይሩ። ኤርትራ ግን ነቲ ትካል ብምንቃፍ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ'ያ።
ፕሮግራም መግቢ ሕቡራት ሃገራት (WFP)፡ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ንምቅላል ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ'ሎ።
ኣስታት 3 ሚልዮን ሰባት- ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ- ናይ መግቢ ረዲኤት ከምዘድልዮ'ውን እቲ ትካል ሓቢሩ ነይሩ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓያሎ ትካላት ሰባዊ መሰላት፡ ኣብቲ ኲናት፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጭውያን ዝምታን ዝርከብዎም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ብኹሎም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ከምዝተፈጸሙ ይኸሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ እቶም ክስታት "መሰረት ዘይብሎም'ዮም" ብምባል ነጺግዎም።
ሃለዋት ማእከላት ጥዕና ትግራይ እንታይ ይመስል?
ኣባላት ኤም-ኤስ-ኤፍ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ናብ ልዕሊ 106 ማእከላት ሕክምና ከምዝበጽሑን፡ 13% ሚእታዊት ካብኦም ጥራይ ተኸፊቶም ንቡር ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎምን ኣረጋጊጾም።
በቲ ዝበጽሐ ጉድኣት ምኽንያት ኣዝዮም ውሑዳት ሰራሕተኛታት ጥራይ ኣብ ስራሕ ከምዝርከቡን፡ ኣብ ገለ ማእከላት ድማ ዝኾነ ሰራሕተኛ ከምዘየለ'ውን እቲ ማሕበር ገሊጹ።
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ማእከላት ጥዕና ደብረ-ኣባይን ማይ-ኩሕሊን፡ ዝዓነወ መሳርሒታት፡ ዝተሰባበረ ማዕጾታትን መሳኹትን፡ ከምዉ'ውን መድሃኒታትን መዝገብ ተሓከምትን ኣብ ምድሪ ተበታቲኑ ከምዝጸንሖም እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ኣብ ሓደ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝርከብ ሆስፒታል ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ድማ፡ ናይ 'ኣልትራሳውንድ'፡ መቆጻጸሪን (ሞኒተራት) ዝበሉ መሳርሒታት ኮነ ተባሂሉ ዓይንዮም ከምዝጸንሕዎ ሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ሰመማ ዝርከብ ሆስፒታል'ውን ብሓዊ ተቓጺሉ፡ ክፍሊ መዋልዳን ሆስፒታል ሰበያ ድማ ብሮኬት ዓንዩ ጸኒሕዎም።
ዝምታ ናይተን ትካላት ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላዉ'ውን እቲ ማሕበር ገሊጹ'ሎ።
ዋላ'ኳ ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንጸብጻብ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ብቐጥታ ግብረመልሲ እንተዘይሃቡሉ፡ ሚኒስትር ሰላም ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ግን፡ 75 ሚኢታዊት ማእከላት ጥዕና እቲ ክልል ምሉእ ብምሉእ ስራሕ ምጅማረን ገሊጹ ነይሩ።
እቶም 10 ሚኢታዊት ዝኾኑ ግና ብኸፊል ኣገልግሎት ይህቡ ምህላዎም እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ። ኣብቶም ኣገልግሎት ኣብ መሃብ ዝርከቡ ትካላት፡ 90 ሚኢታዊት ሰራሕተኛታቶም ኣብ ስራሖም ይርከቡ ድማ ኢሉ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኤም-ኤስ-ኤፍ ፡ ኣዝዮም ውሑዳት ማእከላት ሕክምና ጥራሕ እዮም ኣምቡላንስ ዘለዎም።
ሚኒስትሪ ሰላም ግን፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺኡ 54 ኣምቡላንስ ኣብ ስራሕ ከምዘለዋን፡ ካልኦት 52 ኣብ ቀረባ ግዜ ጽገና ተገይሩለን ናብ ስራሕ ከምዝኣትዋ ሓቢሩ ነይሩ።
መን'ዩ ተሓታቲ?
ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ነቲ ዕንወት ዝፈጸሙ መን ምዃኖም ብቐጥታ ዝጠቀኖም'ኳ እንተዘየለዉ፡ "ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት" ውሕስነትን ሓለዋን ትካላትን ሰራሕተኛታትን ጥዕና ከኽብሩ ጸዊዑ'ሎ።
ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንገለ ሆስፒታላት ሒዞሞ ኣለዉ ክብል'ውን እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ከሲሱ። ዋላ'ኳ ገለ ሰብመዚ ክልል ትግራይን ካልኦት ጸብጻባትን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዘለዉ ክገልጹ እንተጸንሑ፡ ክልቲኦም መንግስታት ግን ዛጊት ኣይተኣመንሉን።
"ሰራዊት [ኢትዮጵያ] ንሆስፒታል ዓቢ ዓዲ ከም ወታሃደራዊ መዓስከርን፡ መቐበሊ ዝቖሰሉ ወታሃደራቱ" ተጠቒምሉ ክትብል ሓላፊት ህጹጽ ጉዳያት ናይቲ ማሕበር ኬት ኖላን ተዛሪባ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ፡ [እቲ ሆስፒታል] ንህዝቢ ክፉት ኣይነበረን። ናብቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ፡ ንካልኣይ ደረጃ ሕክምና ዝኸውን ግቡእ መሳርሒታት ዘይነበሮ ማእከል ጥዕና ይኸይድ ነይሩ። ኣብኡ ግን ደም ክህቡ ይኹን ብጥይት ዝቖሰሉ ክሕክሙ ኣይክእሉን'ዮም" ነይሮም ኢላ።
ወተሃደራት ኤርትራ፡ ንሓደ ኣብ ሙጉላት (ምብራቕ ትግራይ) ዝርከብ ትካል ጥዕና ከም ወታሃደራዊ መዓስከር ይጥቀምሉ ከምዝነበሩ'ውን ኤም-ኤስ-ኤፍ ከሲሱ'ሎ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣምቡላንሳት ከምዝወሰዱ ገሊጹ።
ሳዕቤናት ዕንወት ትካላት ጥዕና
ትግራይ ካብቶም ዝበለጹ ትካላት ጥዕና ኢትዮጵያ ዝነበርዋ ክልል እያ። ኣብ ገጠራት ነቑጣታት ጥዕና፡ ኣብ ከተማታት ድማ፡ ማእከላት ጥዕናን ሆስፒታላትን ነይሮማ።
ብሰንኪ'ቲ ኲናት ግን ስርዓተ-ጥዕና ትግራይ "ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ'ዩ" ይብል ኤም-ኤስ-ኤፍ።
ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ቆልዑ ትግራይ ክታበት ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ኣብ መጻኢ ንተላባዕቲ ሕማማት ተቓላዕቲ ኮይኖም ከምዘለዉ እቲ ማሕበር ኣነጺሩ።
ነፍሰ-ጾራት፡ ከምኡ'ውን ከም ሽኮርያ፡ ጸቕጢ-ደም፡ ኤች-ኣይ-ቪ ዝበሉ ሕዱር ሕማማት ዘለዎም ይኹኑ፡ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ዘለዎም ሰባት፡ ብዘይ እቲ ንሂወቶም ኣዝዮም ወሳኒ ዝኾነ መድሃኒታት ይኸዱ ኣለዉ ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።
"ትላት ጥዕና፡ ተሓዲሶም፡ ተወሳኺ ቀረባትን ኣምቡላንሳትን ክረኽቡ ኣለዎም። ሰራሕተኛታት'ውን ደሞዞም ተዋሂብዎም ኣብ ብውሕስነት ዝሰርሕሉ ኩነታት ክፍጠረሎም ኣለዎ" ይብል ዳይረክተር ኤም-ኤስ-ኤፍ ኦሊቨር በህን።