እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ጸብጻብ ኣምነስቲ ‘ናቱ ውሱንነት ኣለዎ’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሎሚ አብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ዝተሳተፉ ወተሃደራት ኤርትራ: ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም ብምእታው: ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ከምዝሓበርዎ ገሊጹ'ሎ።
ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣብ ጫፍ ናይታ ከተማ ዓስኪሮም ዝነበሩ ሓይልታት ኤርትራ ድሕሪ ዝወሰድዎ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ግብረመልሲ ንምሃብ ናብታ ከተማ ብምእታው፡ ገዛ ገዛ ብምእታውን ኣብ ጎደናታትን መንእሰያትን ሰብኡትን ከም ዝቐተለ እቲ ተጣባቒ ጉጅለ ይኸስስ።
ኤርትራ ነቲ ጸብጻብ ብትሪ ክትነጽጎ እንከላ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ዝተፈጸመ ጌጋ እንተ ሃልዩ ውሽጣዊ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።
ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዝተፈጸሙ ኩሎም ገበናት ብምኹናን "ፈጸምቶም ብቕልጡፍ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ንጽውዕ" ክብል ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ ጠሊቡ።
ናይቲ ሕብረት ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ጆሰፕ ቦረልን ኮሚሽነር ምምሕዳር ህጹጽ ጉዳያት ጃነዝ ሌናርኪክን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ጸብጻብ ኣምነስቲ "እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሲቪላውያን ንዘሕለፍዎ ዘስካሕክሕ ስቓይ ዘዘኻኽር'ዩ" ብምባል ገሊጸሞ።
ኩሎም ኣካላት ሰብኣዊ ረዲኤትን ጋዜጠኛታትን ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብ ምሉእ ትግራይ ክኣትዉ ክፍቀደሎም'ውን እቶም ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ጸዊዖም ኣለዉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ረዲኤት ትካላትን ጋዜጠኛታትን ናብቲ ክልል ክኣትዉ ኣፍቂዱ ምህላዉ ኣፍሊጡ'ሎ።
ግብረመልሲ ኢትዮጵያን ኤርትራን
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቲ ጸብጻብ ኣምነስቲ "ከበድቲ ጉዳያት ዘልዕል'ዩ" ድሕሪ ብምባል፡ "ነቲ ጸብጻብ ንምድላዉ ዝተጠቕመሉ ኣገባብ ናቱ ውሱንነት ኣለዎ" ክብል ግብረመልሲ ሂቡ'ሎ።
እቲ ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝወጸ መግለጺ፡ ተኣማንነት ምንጭታት ናይቲ ጸብጻብ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ ምዃኑን፡ ኣምነስቲ "ነቲ ሓቂ ንምቅላዕ ናብቲ ክልል ብምኻድ ኣብ ባይታ ሓበሬታ ክእክብን ንዝምልከቶም ሰብመዚ ኢትዮጵያ ከዛርብን ምተገብአ" ኢሉ።
እቲ መግለጺ ብዛዕባ ህላወ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣይጠቐሰን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምእታው ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ነቲ ተፈጺሙ ዝብሃል ገበናት ንምምርማር፡ ወከልቲ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ፈደራልን፡ ኮሚሽን ፖሊስ ፈደራልን ዝሓቖፈ ሓደ ጉጅለ ናብቲ ክልል ኣትዩ ከምዘሎ'ውን እቲ ሚኒስትሪ ጠቒሱ።
ኤርትራ'ውን፡ ነቲ ሰራዊታ ኣብ ከተማ ኣክሱም "ጃምላዊ ቅትለት" ከምዝፈጸመ ዝገልጽ ብተጣባቒ ጉጅለ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጸ ጸብጻብ "ብትሪ" ከም ትነጽጎ ሚኒስተር ዜና ገሊጹ።
ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ሃገሩ በቲ "ኣብ ልዕሊኣ ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝቐረበ ዘይመስል ክስታት ብቑጠዐን ብትርን ትነጽጎ" ኢሉ።
"እቲ ጸብጻብ ኣብ ምስክርነታት ናይቶም ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሓምዳይት ዘለዉ 31 ሰባት ዝምርኮስ'ዩ" ክብል ድማ ተቓውምኡ ገሊጹ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝምልከት "ሓበሬታ ካብ ኤርትራ ንምርካብ ዝገበሮ ዝኾነ ፈተነ የለን" ክብል እቲ ኤርትራዊ ብዓል ስልጣን ነቒፉ።
ጸብጻብ ኣምነስቲ እንታይ ይብል?
እቲ ብ28ን 29ን ሕዳር ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝዳረግ ምዃኑ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ መሰላት ኣምነስቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ንመዓልታት ከይተቐብረ ዝጸንሐ ሬሳታት ኣብ ጎደናታት ከም ዝራኣየን፡ ዝበዝሕ ብኣዛብእ ከምዝተበልዐን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ክስታት ይምርምሮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።
ብ3 ሕዳር ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንማዓስከራት ሰሜን እዝ ተቖጻጺሮም። ንጽባሒቱ፡ ብ4 ሕዳር መንግስቲ ኢትዮጵያ "ናይ ሕጊ ምኽባር ስርሒት" ዝበሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ክውሰድ ድሕሪ ምውሳኑ እቲ ግጭት ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
እቲ ኣብ 2019 ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዋህቦ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብ30 ሕዳር ንፓርላማ'ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ስርሒታት "ዋላ ሓደ ሲቭል ሰብ ኣይተቐትለን" ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ ግን፡ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብወታሃደራት ኤርትራ ዝተቐትሉ ዘይዓጠቑ ሲቪላውያን ክቐብሩ ከምዝወዓሉ ናይ ዓይኒ መሰካኽር ገሊጾም። ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ናኣሽቱ መንእሰያትን ሰብኡትን ምዃኖምን፡ ኣብ ጎደናታት ወይ ድማ ኣብቲ ገዛ ገዛ ኣብ ዝተገብረ ምፍታሽ ብጥይት ዝተቐትሉ'ዮም።
እቲ ብኣምነስቲ ዝወጸኣ ጸብጻብ፡ ብ13 ታሕሳስ ዝተሳእለ ንጹር ናይ ሳተላይት ስእልታት ዘካተተ ኮይኑ፡ ሓደስቲ መቓብራት ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን ናይታ ብኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ቅድስቲ ከተማ ምዃና እትፍለጥ ኣክሱም ዘርኢ'ዩ።
ኣብቲ ክልል ዝተፈጥረ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታት፡ ኣብቲ ኲናት ዘጋጠሙ ፍጻሜታት ኣብ እዋኑ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብ ከተማ ኣክሱም፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክን መስመር ቴለፎንን ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ናይቲ ኲናት ከምዘቋረጸ'ዩ ዝግለጽ።
ኣክሱም ብኸመይ'ያ ተታሒዛ?
ሓሙስ 19 ሕዳር፡ ኣብ ምዕራባዊ ከባቢታት እታ ከተማ ደብዳብ ከምዝተጀመረ ነበርቲ እታ ከተማ ይዛረቡ።
"እቲ መጥቃዕቲ ንሓሙሽተ ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ቀጺሉ። ሰባት ኣብ ኣብያተ-ክርስትያን፡ ኣብያተ-ሻሂ፡ ሆቴላትን መንበሪ ኣባይትን ሞይቶም። ካብታ ከተማ ዝኾነ ዕጡቕ ሓይሊ ግብረመልሲ ዝሃበ የለን- ሲቪላውያን ዒላማ ዝገበረ'ዩ" ክብል ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ናይታ ከተማ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣምነስቲ ዝኣከቦ ብርክት ዝበለ ተመሳሳሊ ምስክርነታት'ውን ኣብታ ምሸት ደብዳባት ከቢድ ብረት ከምዝነበረ ዝገልጹ'ዮም።
ኤርትራውያን ምዃኖም ዝግለጹ ወታሃደራት ነታ ከተማ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ንወታሃደራትን ሚለሻን ህወሓት ወይ "ዝኾነ ብረት ዝሓዘ" ክሃድኑ ጀሚሮም ይብል ኣምነስቲ።
"ገዛ ገዛ ዝነበረ ቅትለት...ብዙሕ'ዩ ነይሩ" ክትብል ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ነቲ ተጣባቒ ጉጅለ ተዛሪባ።
"ወታሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን "ንኣክሱም ንምቁጽጻር ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ብዙሕ ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ" ዘርኢ ርጡብ ጭብጢ ከምዘሎ ዴፕሮዝ ሙቸና ካብ ኣምነስቲ ገሊጹ።
እቲ ቅትለት እንታይ ዘበገሶ'ዩ?
ድሕሪ'ቲ ቅትለት ኣብ ዝቐጸለ ሰሙን፡ ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ወታሃደራት ኢትዮጵያ እዮም- እቶም ኤርትራውያን ሓይልታት ናብቲ ናብ ዓድዋ ዝወስድ ምብራቓዊ ወገን ስሒቦም ነይሮም።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብታ ከተማ ንዝነበራ ባንክታት ከምዝዘመተ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ገሊጹ።
ሓይልታት ኤርትራ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብታ ከተማ ተመሊሶም። እቲ ብ28 ሕዳር ዝተኻየደ ጎንጺ፡ ውሱን ዕጥቂ ዝነበሮም ዕጡቓት ህወሓት ብዘካየድዎ መጥቃዕቲ ዝተወልዐ'ዩ ነይሩ።
ካብ 50 ክሳብ 80 ዝኾኑ ዕጡቓት ካብ ኣክሱም ተበጊሶም ኣብቲ ኤርትራውያን ሓይልታት ዓስኪሮሙሉ ዝነበሩ፡ ናብታ ከተማ ዘቋምት በረኽቲ ቦታታት ናይ ንጉሆ መጥቃዕቲ ፈንዮም።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተሳተፈ ሓደ ወዲ 26 ዓመት ንኣምነስቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ከተማና ካብ ወታሃደራት ኤርትራ ክንሕልዋ ስለዝደለና ክንከላኸል ፈቲንና … ከመይ ገይሮም ከምዝትኩሱ ይፈልጡ'ዮም፡ ራድዮን መራኸቢታትን ነይሩዎም … ብረት ኣይነበረንን፡ በትሪ ጥራይ'የ ሒዘ ነይረ" ኢሉ።
ግበረመልሲ ሰራዊት ኤርትራ ከመይ ነይሩ?
እቲ ጎንጺ ንኽንደይ ሰዓታት ከምዝጸንሐ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብታ ምሸት ግን ናይ ኤርትራ መኻይንን ታንክታትን ናብ ከተማ ኣክሱም ከምዝኣተዋ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጠቒሱ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝሓበሮ፡ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ ምዕናውን ምቕታልን ሰለማውያን ሰባት፡ ሰብኡትን ኣወዳትን ዝርከብዎም ኣብ ጎደናትታት ክሳብ ምሸት ከምዝተቐንጸሉ ሓቢሩ።
ሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ብዛዕባ እቲ ምቕታል ኣመልኪቱ ንኣምነስቲ ከምዝሓበሮ፡ ''ኣነ ኣብ ካልኣይ ደርቢ ሕንጻ ኮይነ፡ ብመስኮት ኮይነ ይዕዘብ ነይረ። ሰራዊት ኤርትራ ንመንእሰያት ኣብ ጎደና ይቐትሉ'' ነይሮም ይብል።
እቶም ወተሃደራት ኤርትራውያን ምዃኖም በቲ ተኸዲኖሞ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ክዳንን ታርጋ መኻይንን ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ዝዛረብዎ ቋንቋ (ዓረብን ናይ ኤርትራ ላህጃ ትግርኛን) ይዛረቡ ከምዝነበሩን እቲ መግለጺ ይጠቅስ። እቶም ወተሃደራት ገዛ ንገዛ ክፍትሹ ከምዝጀመሩን'ውን ይገልጽ።
''ኣነ ክብሎ ዝኽእል ሕነ-ምፍዳይ'ዩ ነይሩ'' ይብል ሓደ መንእሰይ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ።
''ዝረኸብዎ ሰብኣይ ይቐትሉ ነይሮም። ገዛ እንተኸፊትካ ሰብኣይ እንተረኺቦም ይቐትልዎ። እንተዘይከፊትካ ድማ ኣብቲ ገዛ ብሓይሊ ይትኩሱ።''
ንሱ፡ ኣብ ሓደ ለይታዊ ትልሂት ተሓቢኡ ከምዝነበረ ክገልጽ እንከሎ፡ ሓደ ሰብኣይ ብወተሃደራት ኤርትራ ተረኺቡ ክቕተል እንከሎ ከምዝረኣየ ገሊጹ።
''ንሱ፡ ኣነ ሲቪል እየ፥ ሰራሕተኛ ባንኪ እየ'' ይብሎም ነይሩ።
ሕዳር 29 ድማ ሽዱሽተ ሰብኡት ኣብ ጥቓ ሆቴል ኣብነት ከምዝተረሸኑ ሓደ ሰብኣይ ንኣምነስቲ ሓቢሩ።
''ሰሪዖም ብድሕሪኦም ረሺኖሞም። ክልተ ካብኦም ኣነ እፈልጦም እየ። ጎረባብትና እዮም። ብረትኩም ኣበይ ኣሎ ተባሂሎም ምስ ተሓቱ፡ ብረት የብልናን ሰላማውያን ሰባት ኢና ኢሎሞም መሊሶሞም'' ይብል።
ክንደይ ሰባት እዮም ተቐቲሎም?
ብመሰረት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዝኾነ ሰብ ነቶም ሬሳታት ከይቐርቦም ፍቓድ ከምዝኸልኡን፡ ዝቐረበ ድማ ከምዝቕተልን ኣጠንቂቖም ይብል።
ሓንቲ ሰበይቲ 29 ከምኡ'ውን 14 ዝዕድሚኦም ደቂ ሓዋ ዝተቐትልዋ፡ እቲ መገዲ ''ብሬሳታት መሊኡ ከምዝነበረ'' ትገልጽ።
እቲ ሬሳታት ዓበይቲ ዓድን ሰራዊት ኢትዮጵያን ጣልቃ ምስ ኣተው ካብቲ ጎደናታት ተላዒሉ፡ ብካሮሳታት ተላዒሉ ናብቲ ቤተ-ክርስትያን ከምዝተወስዱን፡ እቲ ስረዓተ ቐብሪ ዕለት 30 ሕዳር ከምዝተፈጸመን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ይገልጽ።
ኣብ ከባቢ ኣብነት ሆተል ዝነበረ ሬሳታት ንዓርባዕተ መዓልቲ ዝኸውን ከምዘይተላዕለ'ውን ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ጠቒሱ።
''ኣብ ከባቢ ኣብነት ሆቴልን ሲነማ ስያትል ዝነበሩ ሬሳታት ብኣዛብእ ተበሊዖም እዮም። ዓጽሚ ጥራይ ረኺብና ቀቢርናዮም። ኣነ ክብሎ ዝኽእል ኣብ ኣክሱም 800 ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።''
እዚ ጸብጻብ ነቲ ኣሾሸይት ፕረስ ዝተቓለሓ ብሓደ ድያቖን ዝነገሮም፡ ብዙሓት ሬሳታት ብኣዛብእ ከምዝተበልዑ ዝገልጽ ሓበሬታ ዝመሳሰል'ዩ።
ንሱ፡ ናይቶም ዝሞቱ ወረቐት መንነት ኣኪቡ ኣብ ጋህስታት ኣብ ምቕባር ከምዝሓገዘን፡ ኣብታ ቀዳመሰንበት 800 ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽሉ ይኣምን።
ኣምነስቲ ቃለ መሕተት ካብ ዘግበሮም 41 ካብቲ ሞት ዘምለጡን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ግን ኣስማት ናይ ልዕሊ 200 ናይ ዝተቐትሉ ኣረኪቦም ኣለው።
ድሕሪ ቀብሪ እንታይ ኣጋጢሙ?
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝሓበርዎ፡ ድሕሪ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ብዙሓት ሰባት ከምዝሃደሙን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ድማ ኣብ ምዝማት ንብረት ከምዝተሳተፉን ይገልጹ።
ዩኒቨርሲቲ፡ ናይ ውልቂ ኣባይቲ፡ ሆቴላት፡ ሆስፒታላት፡ ናይ እኽሊ መኻዚኖታት፡ ገራጃት፡ ባንክታት ከምኡ'ውን ድኳናት ዒላማ ከምዝተገብሩ እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
ሓደ ሰብኣይ ንኣምነስቲ ከምዝሓበሮ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ገዛ ሓው ብሰራዊት ኤርትራ ክዝመት እንከሎ ጠጠው ከብልዎ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ።
''ቴለቪዥን፡ ጂብ፡ ፍርጅ፡ ሽዱሽተ ፍርናሽ፡ ኣቑሑ ገዛ፡ ዘይቲ፡ ጣፍ፡ ክዳውንትን፡ ፖምፓ ከምኡ'ው ላፕቶብ ወሲዶም።''
ካልእ መንእሰይ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ'ውን፡ 15 መካይን ናይ ሓደ በዓል ትካል ካብታ ከተማ ከምዝተወስዳ ተዛሪቡ።
እቶም ኣብ ከተማ ኣክሱም ዝተረፉ ብዘይ መግብን መድሃኒትን ከምዝተረፉ'ውን ኣምነስቲ ጸብጺቡ።
እቲ ናይ ማይ ፖምፓት ስለዝተሰረቐ፡ እቲ ሰብ ካብቲ ሩባ ክሰቲ ከምዝተገደደ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።
ስለምንታይ'ዩ ኣኽሱም ቅዱስ ቦታ ኮይኑ?
ኣክሱም ቦታ ልደት እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ ዘላ ንግስቲ ሳባ ተባሂሉ እዩ ዝዝንቶ። ንሳ፡ ንንጉስ ሰለሙን ንምርካብ ናብ ዮሪሳለም ከምዝገሸት ይግለጽ።
ካብ ንጉስ ሰለሙን ድማ ቀዳማይ ሚንሊክ ወለደት። ንሱ ድማ ነቲ ንሙሴ ብኣምላኽ ዝተዋህቦ ዓሰርተ ትእዛዛት ዘለዎ ታቦት ሒዝዎ ናብ ኣክሱም ከምዝመጸ ይዝንቶ።
እቲ ታቦት ኣብ ማርያም ጽዮን ብቐጻሊ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ከምዝሕሎን፡ ዝኾነ ሰብ ኣትዩ ክርእዮን ኣይፍቀደሉን'ዩ።
ዓመታዊ ክብረ በዓል እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሕዳር 30 እዩ ዝጽንበል። ብዙሓት ነጋድያን ካብ ኢትዮጵያን ወጻኢ ሃገራትን ኣብቲ በዓል ይሳተፉ እዮም። ዝሓለፈ ዓመት ግን ብሰንኪ ኲናት እቲ በዓል ተሰሪዙ'ዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሰራሕተኛ መንግስቲ ከምዝሓበሮ፡ ሰራዊት ኤርትራ 3 ታሕሳስ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን መጺኦም ''ነቶም ካህናት ኣፈራሪሖም ነቲ ወርቃውን ብሩን መሳቕል ክህብዎም ሓቲቶም'' ይብል።
እንተኾነ፡ እቶም ዲያቆናትን መንእሰያትን ነቲ ታቦት ክከላኸሉ ከምዝመጹ ይገልጽ።
''ሓያል ዕግርግር እዩ ነይሩ። ዘሎ ሰብኣይ ሰበይቲ ተዋጊእዎም እዩ። ብረት ተኵሶም ገለ ቀቲሎም። ግን ነቲ ክቡር ነገር ብምክልኻልና ሕጉሳት ኢና''