ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ማይ ካድራ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ኣብታ ኣብ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ከተማ ማይካድራ ጃምላዊ ቅትለት ካብ ዘጋጥም ሎሚ ልክዕ ወርሑ ገይሩ ኣሎ።

ብመሰረት ካብ ጉጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ኣብታ ዕለት ልዕሊ 600 ሰባት'ዮም ተቐቲሎም።

ብሰንኪ ኣብቲ ቦታ መስመር ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ምቁራጹ፡ ቢቢሲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ከዘራርቦም ኣይከኣለን፡ ሕጂ ግን ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ ዝነግሩ ነበርቲ ከተማ ማይ ካድራ ከነዘራርብ ክኢልና ኣለና።

እቲ መጥቓዕቲ 9 ሕዳር 2020 (30 ጥቅምቲ 2013 ብኣቆጻጽራ ግእዝ ) ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ክሳብ ንጽባሒቱ ንግሆ ቀጺሉ።

ትርፋይ ግርማይ ተወላዲት ትግራይ ኮይና ሰብኣያ ካብ ብሄረ ኣምሓራ እዩ። ንዝሓለፈ 12 ዓመታት ከኣ ኣብ ማይ ካድራ ተቐሚጣ።

ብዓል ቤታ ኣብ ሕርሻዊ ስራሓት ዝነጥፍ ኮይኑ፡ ንዓኣ፡ ንሓደ ውላዶምን ንኣዲኣን ንሱ'ዩ ዝኣልዮም ነይሩ።

ኣብ ማይካድራ ኣብ ዘሕለፈተን 12 ዓመታት ከምዚ ዓይነት ዘሕዝን ተግባር ርእያ ከምዘይትፈልጥ እያ ትምስክር።

እቲ ስድራ ዝጥውር ዝነበረ ብዓል ቤታ ኣብ ቅድሚ ቤቱ ብጭካነ ከምዝተቐተለ ትርፋይ ትገልጽ።

"በዓል ቤተይ ዝኾነ ዝፈጸሞ ቕትለት የብሉን፡ ከምዝመስለኒ ኣምሓራይ ስለ ዝኾነ'ዩ ተቐቲሉ"

ወይዘሮ ትርፋይ፡ ጥዕናዊ ጸገማት ከምዘለዋ ብምሕባር ብሰንኪ ሞት በዓል ቤታ ህይወታ ከም ዝጸልመታ ትገልጽ።

ኣስዕብ ኣቢላ፡ ንኣዲኣን ንውላዳን ብኸመይ ከምትናብዮም ሓርቢትዋ ከምዘሎ ኸኣ ትሕብር።

*****

ካልእ የሺ ዝተባሃለት ነባሪት ከተማ ማይካድራ፡ በዓል ቤታ ካብቶም ግዳያት ጃምላዊ ቅትለት ምዃኑ እያ ትሕብር።

"መጀመርታ ገዛና ክንዓጹ እዩ ተነጊሩና፡ ብድሕሪ ማዕጾ ከፊቶም ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ወሲዶም ከምዝቕትልዎም ሓቢሮሙና" ትብል ብሓዘን።

የሺ "ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ምሽተ መንእሰያት ብጉጅለ መጺኦም ንበዓል ቤተይን ሓሙተይን ቐቲሎምዎም፡ እንደገና መጺኦም ንብዓል ቤተይ እምበር ንዓይ ከምዘይደለዩ ነጊሮሙኒ፡ ብዓል ቤተይ ክቕተል እንከሎ ድማ ኣነን ደቅይን ንርኢ ኔርና" ትብል።

". . . ሰንቢደ ዓው ኢለ ይበኪ ነይረ፡ ገላ ካብቶም ንበዓል ቤተይ ዝቐተሉ፡ ንዓይ ክቐትሉኒ ደልዮም ንቕተላ ይበሃሃሉ ነይሮም። ገሊኦም ካብቶም ምስኦም ዝነበሩ ግደፉ ግደፉ ስለዝበልዎም ክድሕን ክኢለ" ድሕሪ ምባል እቶም ንበዓል ቤታ ዝቐተሉ መንእሰያት ንገዛ ኣትዮም ንብረታ ከምዝወሰድዎ እውን ትሕብር።

ወይዘሮ የሺ፡ ምስ ብዓል ቤታ ኣየነው ሙላቱ ብሓዳር ንልዕሊ 10 ዓመታት ብሓደ ብምጽናሕ ክልተ ቆልዑ ወሊዶም።

"እታ ሕሳስ ልደ ጓለይ ለይቲ ተንሲኣ ኣቦያ ኣበይ ኣሎ እናበለት ትሓተኒ" ብምባል እቲ በሰላ ናብ ሕሳስ ልደ ጓላ ከምዝሰገረ ትገልጽ።

የሺ ኣስዒባ "ድሕሪ ቕትለት በዓል ቤተይ ንህይወት ብኸመይ ከምዝገጥማ ሓይሊ ስኢነ፡ ልበይ ስብር'የ ኢለ፡ እቲ ዘጋጠመ መግለጺ ቃላት የብሉን" ትብል።

* * * * *

ጥላሁን ኣታላይ ግምባ ሰፈር ኣብ ዝብሃል ገዛውቲ እዩ ዝነብር።

"ኣብታ መዓልቲ መሸላ ንኹንጎንእ ክንወፍር እናተዳለና እንከለና፡ ከባቢ ሰዓት ሓደ ሰባት ብእኩብ መጺኦም ታሴራና ሓቲቶሙና" ይብል።

ጥላሁን " ከምዝመስለኒ ብሄሮም'ዮም ክፈልጡ ደልዮም"።

"ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ፡ መንእሰያት ከም ምኽኒት ኣብታ ከተማ ሰላማዊ ሰልፊ ብምግባር ንሰባት ከጥቕዑ ጀሚሮም. . . "

". . . ገዛ ገዛ ክኣትዉ ምስ ጀመሩ፡ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዘይትንክፉ ሰሚዕና፡ ብድሕሪኡ ኣነን ሓወይን ክረኽቡና ኣብ ዘይክእሉሉ ሰንቀ ተሓቢእና፡ ምስ ስኣኑና ከይዶም" ይብል።

ጥላሁን ኣታላይ ብምስዓብ፡ እቶም መጀመርታ ናብ ገዝኦም ዝመጽኡ ሰባት፡ ሰዓት ሸውዓተ ድሕሪ ቀትሪ ከምኡ'ውን ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ድሕሪ ቀትሪ ብሓፈሻ ሰለስተ ግዜ ከምዝተመላለሱ ይገልጽ።

"ኣብታ ሳልሰይቲ ንሰይቲ ሓወይ ካብ ገዛ ኣውጺኦም ካራ ሒዞም ብዓል ቤትኪ ዘለዎ ቦታ እንተዘይነጊርክና ንዓኽን ንደቕኽን ክንቐትለኩም ኢና ኢሎም ነቶም ቆልዑ ክወስድዎም ምስ ደለዩ ቅድሚ ደቐይ ንዓይ ቕተሉኒ ኢላቶም።"

እዚ ኹሉ ክኸውን እንከሎ ጥላሁን ምስ ሓዉ ኣብቲ ዝተሓብእዎ ኮይኖም ንኹሉ እቲ ዘረባ ይሰምዕዎ ምንባሮም'ዩ ጥላሁን ዝሕብር።

ብድሕሪ እዚ ሓዉ እቲ ኣብ ልዕሊ ብዓልቲ ቤቱን ድቁን ኣንጠጥዩ ዝነበረ ሞት ክጻወሮ ስለይክኣለ ዝረኸበ ይርከበኒ ኢሉ ነቶም ዝደልይዎ ዝነበሩ ከምዝኸዶምን፡ እቶም ሰባት ኣብ ቅድሚ ሰበይቱ ሃሪሞም ከምዝቐተልዎን፡ እታ ብዓልቲ ቤቱ'ውን በቲ መጥቃዕቲ መጉዳእቲ ከምዘጋጠማ ጥላሁን ይገልጽ።

ጥላሁን ብምስዓብ "እቶም ገዛ ገዛ ዝኣትዉ ዝነበሩ ካብ ጉጅለ ሳምሪ ኮይኖም ልዕሊ 150 ይኾኑ'ዮም፤ እዚ ቅትለት ክፍጸም እንከሎ ኸኣ ዕጡቃት ምልሻን ፖሊስን ምስኦም ነይሮም'ዮም" ይብል።

ጥላሁን ኣብ ልዕሊ እቲ ቅትለት ገዛ ገዛ እናኣተዉ'ውን ንብረት ይሰርቁ ምንባሮም ይሕብር።

ቅድሚ መዓልታት እቲ ፍጻመ፡ ሓዉ ስምስም ሽይጡ 90000 ብር ኣብ ገዛ ኣቐሚጡ ምንባሩ ብምግላጽ ድሕሪ ምቕታሎም ንገንዘቡ'ውን ከምዝወሰድዎ ገሊጹ።

ወይዘሮ ሓዳስ'ውን ኣብ ግምባ ሰፈር ኣብ ዝብሃል ገዛውቲ እያ ትነብር።

ምስ በዓል ቤታ ብርሃኑ ኸኣ ን17 ዓመታት ብሓባር ጸኒሒም ሰለስተ ፍረ ብርኮም ውልዳት'ውን ክሓቁፉ በቒዖም።

ብዓል ቤታ ብርሃኑ ሓደ ካብቶም ግዳያት ጃምላዊ ቅትለት ምዃኑ ኸኣ ወይዘሮ ሓዳስ ትገልጽ።

"ፋዱስ ናብ ገዛና መጺኦም ታሴራናን ሲም ካርድናን ሓቲቶሙና፡ እቲ ቕትለት ከኣ ሰዓት ሰለስተ እዩ ነይሩ" ትብል ወይዘሮ ሓዳስ።

ነቶም ዝቐትሉ ዝነበሩ መመሪሖም ገዛ ገዛ ዘርእይዎም ሰባት ነይሮም'ዮም ዝብሉ'ውን ኣለዉ።

ወይዘሮ ሓዳሰ ብምስዓብ " ብዓል ቤተይ ሚሊሻ'ዩ ነይሩ፡ ብረቱ የሕዲጎም ኸኣ ቐቲሎሞ" ትብል።

ወይዘሮ ሓዳስ፡ ብዘይካ ሰብኣያ ካልእ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰባ'ውን ተሃሪሙ ኣብ ከተማ ጎንደር ሕክምናዊ ናብዮት ይግበረሉ ከምዘሎ ገሊጻ።

"ንጽባሒቱ፡ እቶም በቶም መንእሰያት እንቕተል ንሕና ኢና ነይርና፡ ሰራዊት መጺኡ እዩ ኣድሒኑና፡ እቶም ግዳያት ድሕሪ ሳልስቲ ዕለት 11 ሕዳር 2020 (2 ጥቅምቲ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ) እዮም ክቕበሩ ክኢሎም" ትውስኽ ወይዘሮ ሓዳስ።

* * * * *

ኣቶ ገብረመስቀል መንግስቱ ነባሪ ማይካድራ ኮይኑ፡ ኣብ ጽላት ሕርሻ ወፍሪ ብምግባር እዩ ህይወቱ ዝመርሕ።

ኣብቲ እዋን ጃምላዊ ቕትለት ኣብ ማይካድራ ከምዝነበረን ኩሉ እቲ ዝተገበረ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ከምዝረኣዮን ይሕብር።

ኣቶ ገብረመስቀል፡ ቅድሚ እቲ ቕትለት ምፍጻሙ ካብ 40 ክሳብ 50 ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ሓደ ቦታ ክተኣኻኸቡ ከምዝርኣየ ይገልጽ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ ነበርቲ ማይ ካድራ እንታይ ይግበር ከምዘሎ ኣይፈለጡን። እቶም መንእሰያት ሰባት ክቐትሉ ምስ ጀመሩ፡ ገለ ነበርቲ እንታይ ከምዘጋጠመ ክርእዩ ወጾኦም ንሶም'ውን ከምዝተቐተሉ ኣቶ ገብረመስቀል ይጠቅስ።

ብመሰረት ናይ ኣቶ ገብረመስቀል ሓበሬታ፡ እቶም መንእሰያት መጀመረታ ነቶም ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑ ዝነበሩ'ዮም ዕላማ ገይሮሞም "ገዛ ገዛ እናኸዱ ሰብ ክቐትሉ እንከለው መታን ከይቃወምዎም፡ መጀመርታ ነቶም ወቕቲ ሓልዮም ሕርሻዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ሸቃሎ'ዮም ኣጥቂዖሞም" ይብል።

"እቶም ኣብ ሕርሻ ዝሰርሑ ሸቃሎ ብሓደ ስለዝነብሩ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሓደ ገዛ 20 ሬሳ እዩ ተላዒሉ" ድሕሪ ምባል ክሳብ ቀረባ መዓልታት ሬሳታት ክቐብሩ ከምዝቐነዩ ገሊጹ።

ኣቶ ገብረመስቀል ብምስዓብ "ኣብዛ ከተማ ቅድሚ ሕጂ'ውን ሓሓሊፉ ዝረአ ጸገማት ነይሩ'ዩ፡ እንተኾነ እዚ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ዕንወት'ዩ" ኢሉ።

ኣቶ ገብረመስቀል፡ ከተማ ማይ ካድራ መንፈሳ ሃዲሙ ከምዘሎ ብምሕባር "ብዙሓት ሰባት ብኣሰቃቒ ኣገባብ ምቕታሎም ክትርስዖ ትኽኣል ኣይኮነን ከቢድ እዩ" ይብል።

ድሕረ ባይታ'ቲ ዛንታ

ኣብ መንጎ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራያን መንግስቲ ፈዴራልን ንነዊሕ ዝጸንሕ ምስሐሓብ ፡ 4 ሕዳር 2020 (24 ጥቅምቲ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ)፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰሜናዊ እዚ ሰራዊት ፈዴራል ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እቲ ወጥሪ ናብ ኲናት ዓሪጉ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ምስ ጀመረ ኣብ ሰሙኑ፡ ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ቕትለት ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።

ኣብ መጀመርታ ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ንነበርቲ እታ ከተማ ብምዝርራብ ነቲ ናይ ቕትለት ሓበሬታ ኣቃሊሕዎ።

ብመንግስቲ ዝምወል ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ'ውን ኣብቲ ቀዳማይ ገጽ መጽናዕቲ ዝበሎ ሓበሬታ፡ ኣብታ ከተማ ናይ ብሄር መልክዕ ብዘለዎ ኣገባብ ኣስታት 600 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጸብጻቡ እቲ ቐትለት ብተለምዶ 'ሳምሪ' ተባሂሎም ብዝጽውዑ ጉጅለ መንእሰያት ከምዝተፈጸመን፡ እቶም ካብ መጥቃዕቲ ናይ ሰራዊት ፈዴራል ዝሃድሙ ዝነበሩ ፖሊስን ምልሻን'ውን ይተሓባበርዎም ከምዝነበሩ ገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ማይካድራ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ህወሓት እዮም ፈጺመሞ እዩ ዝብል።

ሓላፊ ህወሓት ደብረጽዪን ገብረሚካኤል ግን ነቲ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ መግለጺ ከምዘይቕበልዎ ብምግላጽ፡ ነቲ ቕትለት ዘይሻራዊ ኣካል ከጻርዮ ምሕታቱ ይዝከር።

እቲ ክልቲኡ ወገናት ዝካሰሱሉ ዘለው ጃምላዊ ቅትለት ገና ብሳልሳይ ናጻ ኣካል ኣይተጻረየን። ኣብቲ ፍጻሜ ተጋሩ ከምዝተቐትሉ እውን ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለወይቲ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሚቸል ባችለት፡ እቲ ጃምላዊ ቕትለት ክምርመር ብምጽዋዕ "እቲ ጃምላዊ ቕትለት እንተተረጋጊጹ፡ ከም ገበን ኲናት'ዩ ክጽብጸብ" ኢላ።