እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣብ ኣውቶቡስ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 6 ተምሃሮ ተቐቲሎም
ኣብ ክልል ትግራይ መንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 6 ተመረቕቲ ተምሃሮ ከምዝተቐትሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።
ካልኦት ልዕሊ 10 ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝቖሰሉ'ውን ሰብመዚ ሕክምና ንቢቢሲ ተዛሪቦም ኣለዉ።
እቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ፈደራል ነቲ ኣብቲ ክልል ዝኣወጆ ወታሃደራዊ መጥቃዕቲ ብዓወት ከምዝዛዘሞ ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ክልተ ወርሒ'ዩ ዝፍጸም ዘሎ።
ሓደ ካብቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዓዲ መስኖ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተፈጸመን፡ ኣብታ ኣውቶቡስ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 41 መንእሰያት ከምዝነበሩ ተዛሪቡ።
ጉዕዝኦም በቲ ኣብ ፈቐድኡ ዘሎ ነቑጣታት ፍተሻ ከምዝተዳናጎየን፡ ኣብ መንጎ'ቶም ዘሰንይዎም ዝነበሩ ሓይልታት መንግስትን እቶም ዕጡቓትን ውግእ ከምዝነበረን እቲ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓነ ሰብ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ማሕበር ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣብርሃለይ ኣዲሱ እቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠመ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ሽዱሽተ ተምሃሮ ከምዝተቐትሉ ሓበሬታ ከምዝበጽሖም'ውን ጠቒሱ።
ሓላፊ ሓደ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ሆስፒታል ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ልዕሊ 12 ተምሃሮ ናብቲ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።
ይኹን 'ምበር መቚሰልቶም ኣዝዩ ከቢድ ከምዘይኮነ ሓላፊ ናይቲ ሆስፒታል ኣቶ ካሳሁን ኣዲሱ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
እቶም ተምሃሮ፡ ኣብቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝተኻየደ ስነስርዓት ምረቓ ተሳቲፎም ነናብ ዝነብሩሉ ከባቢታት ዝምለሱ ዝነበሩ'ዮም።
እቶም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ምዃኖም ዝተገልጸ ተመረቕቲ፡ መዓልቲ ምረቓኦም ፈለማ ብለበዳ ኮቪድ-19 ድሓር ድማ በሰንከ'ቲ ኣብቲ ክልል ዝተወልዐ ግጭት ተናዊሑ'ዩ ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን፡ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመሪቖም ምስክር ወረቐቶም ተረኪቦም።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ሓደ ኣንጻር ህወሓት ክጉስጉስ ዝጸንሐ ፍሉጥ ኣክቲቪስት (ተጣባቒ) መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተቐቲሉ።
የማነ ንጉሰ ነቲ ንክልል ትግራይ ከመሓድር ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ስልጣኑ ተወጊዱ ዘሎ ህወሓት ክነቅፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ቅትለት "ብተረፍመረፍ ህወሓት" ዝተፈጸመ'ዩ ክብል ገሊጹ'ሎ። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣቀታትልኡ ብንጹር ዝተፈልጠ የለን።