እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ብኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዝወጸ 'መግለጺ' ከምእትነጽጎ ኣፍሊጣ
ኤርትራ ነቲ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ዘውጽኦ "መግለጺ" ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ።
ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ሎሚ ኣብ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽእ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዝሓተተ ሓቢሩ።
"ሕቡራት መንግስታት [ኣመሪካ]፡ ሓይልታት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክወጹ ንመንግስቲ ኤርትራ ሓቲቱ'ሎ" ይብል እቲ በቲ ኤምባሲ ዝወጸ ጽሑፍ።
"ብዛዕባ'ቶም ኣብ ትግራይ ብሓይልታት ኤርትራን ካልኦት ተዋሳእትን ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ዝገልጹ እሙናት ጸብጻባት ዘለና ከቢድ ሻቕሎት ኣመሓላሊፍና ኣሎና" ኢሉ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ መንግስቱ ነቲ ክሲ ከምዝነጽጎ ኣብ ትዊተር ገሊጹ።
"ኤርትራ፡ ነቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ዘውጽኦ ዘይተደልየ መግለጺ ትነጽጎ" ክብል ሚኒስተር የማን ገብረመስቀል ጽሒፉ።
"እቶም ክስታት'ውን ግጉያትን ግምታውን" ብምባል ኣቶ የማነ ተቓውምኡ ገሊጹ'ሎ።
ነቶም ኣብቲ ክልል ይፍጸሙ ኣለዉ ዝብሃሉ ዘለዉ፡ ዝምታ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተፈጺሞም ዝብሃሉ ጭውያን መጥቃዕትን ንምርግጋጽ ናጻን ግሉጽን መርመራ ክካየድ መንግስቲ ኣመሪካ ይጽውዕ ከምዘሎ'ውን እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከወጹን ኣብቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ተጻብኦታት ደው ክብልን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጸዊዑ ነይሩ።
መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን ወተሃደራ ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ኣትዮም ይዋግኡ ኣለዉ ንዝብል ክሲ "መሰረት ዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ'ዩ" ክብሉ ይገልጽዎ።
ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል፡ ዝምታ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ጭውያን ካልኦት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ይፍጸሙ ከምዘለዉ "እሙናት ጸብጻባት" ከምዝረኸቡ ተዛሪቡ ነይሩ።
ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብቲ ተመዛቢሉን ሓደጋ ጥምየት ኣጋጢምዎ ዘሎን ህዝቢ እቲ ክልልን ክበጽሕ'ውን ሓድሽ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ምጽዋዕ ይርከብ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብዎም ሓያሎ ወገናት ኣብቲ ክልል ጾታዊ ዓመጻት፡ ቅትለትን ጭውያን ዝርከብዎም ከበድቲ ገበናት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ዝገልጹ ጸብጻባት ይበጽሕዎም ከምዘለዉ ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር።
እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓልን ሰብኣዊ ቅልውላዉን ኣስዒቡ ምህላዉ ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።
ዛጊት ልዕሊ 60 ሽሕ ካብቲ ክልል ሃዲሞም ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ካልኦት ኣብቲ ክልል ተፈናቒሎም ይርከቡ።
ኣብቲ ክልል 4.4 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ መግብን መድሃኒትን ዝርከቦም ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዘድልዮም ትካላት ረዲኤት የጠንቅቑ ኣለዉ።
ናብ ዝበዝሕ በቲ ኵናት ዝተጸልወ ከባቢታት ክበጽሑ ከምዘይከኣሉን፡ እቲ ብመንግስቲ ናብቲ ክልል ዝተላእከ ውሱን ሓገዝ ናብቶም በቲ ኲናት ኣዝዩም ዘይተጸልዉ ከባቢታት ጥራይ ዝብጽሐ ምዃኑ'ውን እቶም ትካላት ይገልጹ።
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስመጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።