ቅልውላዉ ትግራይ፡ 'ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ቦታታት ኢትዮጵያ ሒዙ'ሎ' ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ኣመልኪቱ ሎሚ ሰሉስ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከቡ ቦታታት ተቐጻጺሩ ከም ዝርከብ ተኣሚኑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ዛዕባታት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ: ካብ ምጅማር ጎንጺ ትግራይ ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ይልዓል ብዛዕባ ዝነበረ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ብዝምልከት መልሲ ሂቡ።

በዚ መሰረት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዶብ "ስግኣት ጸጥታ ከም ዘለዎ" ብምጥቃስ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ከም ዘሎን፡ ናይዚ ምኽንያት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ምዃኑን ገሊጹ።

"ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ዝርከበሎም ከባቢታት ብዝምልከት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘልዕሎ መጎት፡ 'ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሮም ዕርድታት ለቒቕኩም ከይድኩም ኢኹም'። ናይ ህወሓት ሓይሊ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝፈጸመልና ገበን፡ ሕጂ'ውን ናብ ውግእ ንክንኣቱ ሮኬት እናተኮሰ ዓዲሙና ኣሎ።

'ናይ ሃገራዊ ድሕነት ስግኣት ኣለና። ብሰንኪ'ዚ ኣብ ዶባት ዝርከቡ ከባቢታት ሒዝናዮም ኣለና። ነገር ግን፡ ሰራዊትኩም ስርሑ ገዲፉ ነቲ ዕርድታት ዝቆጻጸሮም እንኾይኑ፡ ንጽባሒቱ ንሕና የለናን፡ ክንጸንሕ ኣይንደልን ኢና' ዝብል መከራኸሪ ኣቕሪቡ'ሎ" ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ።

እንተኾነ ግን፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ መግለጺ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዛጊት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ተሳትፎ ከም ዝገበረን፡ ኣብ ዝምታን ንብረት ምዕናውን ከምኡ'ውን ቅትለት ሰለማውያን ሰባት ከም ዝተሳተፈ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ብምጽንሖም፡ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኤርትራ ብቕልጡፍ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ክጽውዑ ምጽንሖም ይዝከር።

እንተኾነ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ነቲ ዝቐርብ ክስታት ብምንጻግ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ዘይተሳተፈ ክገልጹ'ዮም ጸኒሖም።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቅድሚ ሕጂ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ከሰሓሕብ ዝጸንሐን ንኤርትራ ዝግባእን ከባቢታት ጥራይ ከምዝኣተዉ'ዩ ገሊጹ ነይሩ።

እቶም ብመሰረት ውዕል ሰላም ኣልጀርስ ብኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ዝተዋህቡ ከባቢታት ክሳብ'ቲ ኲናት ዝውላዕ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ኢትዮጵያ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እንታይ ኢሉ?

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ: ኣብ ትግራይ ይካየድ ኣብ ዘሎ 'ወፍሪ ምኽባር ሕጊ' ይሳተፉ ዘለው ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ከምኡ'ውን ሰራዊት ኤርትራ ዝፈጸሙዎ ግህሰት እንተሃልዩ ስጉምቲ ክውሰድ'ዩ ኢሉ።

ኣብቲ ክልል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን በዳላትን ከም ዝተፈጸሙ ዘመላኽቱ መረዳእታታት ይወጽኡ ከም ዘለው ብምግላጽ፡ በደል ኣብ ልዕሊ ዝፈጸሙ ስጉምቲ ክውሰድ ምዃኑ ተዛሪቡ።

"ኣብ ትግራይ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለው። ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኮይኑ ኣብ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓመጸን ንብረት ዝዘመተን ወተሃደር ብሕጊ ክሕተት እዩ" ኢሉ።

ይኹን'ምበር፡ ብዛዕባ እቶም ዝወጽኡ ጸብጻባት ብዝምልከት "ልዑል ፕሮፖጋንዳን ምግናንን" ኣሎ'ዩ ብምባል፡ "ነዚ ገዲፍካ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ'ዩ። ስለዚ ዋላ ሓደ ዝተፈጸመ በደል እንተሃልዩ ናይ መአረምታ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ" ዝብል መብርሂ ሂቡ።

መንግስቲ ፌደራል፡ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር (ሰሜን እዝ) መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ ብ4 ሕዳር 2020 ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ካብ ዝጅምር ንነጀው፡ ኣብቲ ክልል ብዝዋግኡ ዘለው ሓይልታት ሓያሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ዝተፈጸሙ ተሓለቕቲ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቶም ተፈጺሞም ዝብሃሉ ግህሰታት ዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ብወገን እቲ ኮሚሽን ኮነ ብወገን መንግስቲ ዝቐርብ "ናይ ቑጽርን ተግባርን ኣፈላላይ ክህሉ ይኽእል'ዩ። ዋላ ሓደ እንተኾነ'ውን ግን ክፍጸም የብሉን" ክብል ተዛሪቡ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ተፈጺሙ ዝብሃል መጥቃዕቲ ክንድቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ጾታዊ ዓመጽን ካልእን ዘይዝረበሉ ምህላዉ ቅኑዕ ኣይኮነን ብምባል "ናይ ዓይኒ ሓበላ'ዩ" ክብል ገሊጹዎ።

"እቶም ኣብ ትግራይ ብዝበጽሕ ዘሎ ጸገም ዝሳቐዩ ሰባት፡ መጥቃዕቲ ሰሜን እዚ ዝምልከት ዋላ ሓደ ነገር ኣየልዕሉን። ኣብ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ እኮ ብወዲ እየን ተደፊረን (ተዓሚጸን)፤ ናትና ወተሃደራት ግን ብሳንጃ'ዮም ተደፊሮም። ብዛዕብኦም ዘልዕል ሰብ የለን። ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈጸመ ግፍዒ ተረሲዑ'ዩ። እቲ ኣውያት ኣብ ሓደ ቦታ ዝኾነሉ ኩነታት ናይ ዓይኒ ሓበላ እምበር ናይ በደል ማዕርነት ኣየርእን"።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ በጺሑዎ ናብ ኤርትራ ዝሃደመ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምሕብሓብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝገበሩዎ 'ውዕለት' ዳግም ብምምስጋን፡ "ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝርስዖ ኣይኮነን" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ይኹን'ምበር ናይ ኤርትራ ሰራዊት ናይ ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ እናገበረ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብሕማቕ ዝግለጽ ዝገብሮም ዝኾኑ ገበናት ብዝኾነ መንገዲ ኣይንቕበልን ኢና። ኣብቲ ምኽባር ሕጊ ተዓዲሙ ዝኣተወ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ'ውን ዝፈጸሞ በደል እንተሃልዩ'ውን ክሕተት'ዩ" ብምባል ተዛሪቡ።

ነዚ ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ግዜ ካብን ናብን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ብምልኣኽ ከም ዝተዘራረቡ ጠቒሱ።

ብዛዕባ እቲ ተፈጺሙ ዝብሃል በደላት "መንግስቲ ኤርትራ 'ኣብዚ ተግባር ዝሳተፍ ሓደ ናተይ ወተሃደር እንተሃልዩ ስጉምቲ ክወስድ እ'የ ብዝብል ኣትሪሩ ኮኒኑዎ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 27 ሃገራት ዝመጽኡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ስደተኛታት ከም ዘለው ዝጠቐሰ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካብዚኦም ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ዝኾኑ ተዛሪቡ።

እቶም 90 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ዝርከቡ ኮይኖም: ልዕሊ 50 ሚኢታዊት ካብ መዓስከር ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እቲ ክልል ዝነብሩ እዮም ኢሉ።

ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ካልኦት 50 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምህላዎምን፡ ካልኦት ልዕሊ 70 ሽሕ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ኢትዮጵያ ከም ዝርከቡ ጠቒሱ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጥረ ቅልውላው እዞም ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ስደተኛታት ግዳያት ዝምታን መጭወይትን ከም ዝኾኑን: ሰብኣዊ ሓገዛት ከይረኽቡ ከም ዝተጸገሙን ደሃዮም ዘይፍለጥ ዝጠፍኡ ስደተኛታት ከም ዘለውን ብምግላጽ ዓለምለኸ ትካላት ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

"ካብ መዓስከራት ጠፊኦም ናብ ከተማታት ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣለው'ዮም። ሸውዓተ ሽሕ ዝኾኑ ናብቲ ካምፕ መሊስናዮም ኢና። ኣስታት ሓደ ሽሕ ድማ ኣብ ሽረ ረኺብና ንዩኤኤችሲኣር ናይ መጓዓዝያ ሓግዘና ኢልናዮ ባጀት የብለይን ኢሉና። በዚ ክነቕፉና ዝሓስቡ ኣካላት ልቢ ኢሎም ክርእዩ ይግባእ" ብምባል ነቒፉ።

ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።

ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለዘይተቐበሎ ከምዝወጽእ ኣነጺሩ። ኣብ ክፍላ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ። በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።

ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ። ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከምዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።

ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።

ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም። እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።

ብውገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።