እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ 2013፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ፍርቂ ነቑጣታት መረጻ ኣይተኸፍቱን ኢሉ
ክልተ ወርሒ ኣብ ዝተረፎ ሻድሻይ ሃገራውን ክልላውን መረጻ፡ ምዝገባ መረጽቲ ክካየደሎም'ዮም ካብ ሞንጎ ዝተባህሉ ነቑጣታት መረጻ ፍርቂ ዝኾኑ ከም ዘይተኸፍቱ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ምዝገባ መረጽቲ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ገይሩ ኣሎ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ተኸፊቶም መረጽቲ ክምዝገቡሎም ካብ ዝተዳለው ኣስታት 50 ሽሕ ነቑጣታት መረጻ እቶም 25 ሽሕን 151 ጥራሕ'ዮም ምዝገባ ዘካይዱ ዘለው።
እቶም ልዕሊ 24 ሽሕ ክሳብ ሕጂ ስራሕ ከም ዘይጀመሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ክልላት ዓፋርን ሶማልን ዝኾነ ዓይነት ምዝገባ ኣይተጀመረን ተባሂሉ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት፡ ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዘለዋ ኣስታት 674 ክልላት መረጻ 50 ሽሕ ዝኾኑ ነቑጣታት መረጻ ተዳልዮም ምዝገባ መረጽቲ ንክካየድ መደብ ወጺኡ'ኳ እንተነበረ፡ እቲ ምዝገባ ኣብ ዝካየደሎም ዘሎ ከባቢታት'ውን በቲ ዝድለ መልክዑ ይፍጸም ከም ዘየሎ ኣካቢት ቦርድ መረጻ ብርቱኳን ሚደቅሳ ተዛሪባ።
ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ነበርቲ ኣብ ዘለውዋ ኣዲስ ኣበባ፡ ምዝገባ ካብ ዝጅመር ሰለስተ ሰሙን እኳ እንተኾኖ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገበረ ግን ኣስታት 201 ሽሕ ጥራሕ እዩ።
ኣብታ ከተማ ሓደ ሽሕን 848 ነቑጣታት መረጻ ተኸፊቶም ምዝገባ ክካየድ'ዩ ዝብል መደብ እንተነበረ'ውን፡ እቶም 186 ከም ዘይተኸፍቱ እቲ ቦርድ ኣመልኪቱ።
16 መጋቢት 2013 ዝጀመረ ምዝገባ መረጽቲ ክዛዘም ዓሰርተ መዓልታት ክተርፎ እንከሎ፡ ኣብቶም ዝተረፉ መዓልታት ትጽቢት ዝግበረሉ ሰብ እንተዘይተመዝጊቡ እንታይ'ዩ ክኸውን ዝብል ዝተነጸረ ነገር የለን።
መረጻን ኩነታት ጸጥታን
ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱኳን ሚደቅሳ፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ምዝገባ መረጽቲ ክካየድ ከም ዘይክኣለ ብምግላጽ ካብዚኦም ኣብ 4,126 ነቑጣታት መረጻ ብምኽንያት ጸገም ጸጥታ ምዝገባ መረጽቲ ኣይተኻየደን ኢላ።
ብተወሳኺ በቲ ዘሎ ጸገም ጸጥታን መጓዓዝያን ንምዝገባ ዘድልዩ ናውታት ክበጽሑ ብዘይምኽኣሎም እቶም ናይ መመዝገቢ ቦታታት ክኽፈቱ ኣይክኣሉን ኢላ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባታት ምዕራብ ወለጋ፣ ምብራቕ ወለጋ፣ ጎሩጉድሩን ቄሌም ወለጋን፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ሸዋ፣ ፍሉይ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞ፣ ኣርጎባን ዋግ ኽምራን፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዞባታት መተከልን ካማሺን ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ደቡብ ዞባታት ጉራፈርዳ፣ ሱርማን ዘልማን ምዝገባ ክካየድ ኣይተኻእለን።
ካብዚኦም ምዝገባ ተጀሚሩ ዝተቛረጸሎም ከባቢታት ዘለው ኮይኖም፡ ኣብ ገሊኦም ዳግም ንክጅመር ከም ዝተገብረ ሓበሬታ እቲ ቦርድ የመልክት።
ይኹን'ምበር ኣብ ቀጻሊ ብዝግበሩ ምይይጣት መዓልታት ምዝገባ መረጽትን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ምስ ብጽሒት ዘለዎም ኣካላት ከም ዝዝትየሉን ኣብ ዝቕጽሉ ሸውዓተ መዓልታት ዝህሉ ኩነታትን ከም ዘፍልጥ እቲ ቦርድ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ህዝቢ ወከልቱ ንክመርጽ ክምዝገብ ከም ዘለዎ ብማሕበራዊ ሚዲያ መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
"ዜጋታት ናይ ምምራጽ መሰሎም ተጠቒሞም ተሳትፎ ክገብሩ ትጽቢት ይግበር። ዴሞክራሲ ሃገርና ንምውሳን፡ ሎሚ መለለዪ ምዝገባ መረጸዕቲ ነውጽእ፤ ካርድ ንምውጻእ ንጽባሕ ኣይትበሎ፤ ሎሚ ጀምሩ" ኢሉ።
ኣብቲ መረጻ ልዕሊ 50 ሚሊየን ሰባት ድምጾም ክህቡ'ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
መረጻ 2013
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ መደብ ወጺእሉ ዝነበረ ሃገራውን ክልላውን መረጻ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክናዋሕ እንከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦትን መጀመርታ ወርሒ ሰነን ንክካየድ ምድላው ክግበር ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
እዚ መረጻ ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዘለው ከባቢታት'ዩ ዝካየድ።
ኣብቲ መረጻ ካብ ሞንጎ ዝሳተፉ 47 ውድባት ፖለቲካ፡ ብዙሕ ቑጽሪ ዘለዎም ሕጹያት ብምቕራብ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና መሪሕ ኮይኑ ይርከብ።
እቲ ሰልፊ፡ 2,432 ሕጹያት ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] 1,385 ሕጹያት፣ ከምኡ'ውን እናት ፓርቲ 573 ሕጹያት ኣመዝጊቦም።
ሰለስቲኦም ውድባት ሓዊሱ ኣብቲ መረጻ ብሰልፍን ውልቀን ንምውድዳር ልዕሊ 8,200 ሕጹያት ከም ዝተመዝገቡ ሓበሬታ ቦርድ መረጻ የረድእ።