እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተስፋን ብደሆን ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ 2013 ዓ/ም እንታይ እዩ?
ኢትዮጵያ፡ ካብ ግንቦት 28 ክሳብ 05 ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይድ ቆጸራ ሒዛ ኣላ። ኣብ ከተማታት ኣዲስ አበባ፡ ድሬዳዋ፡ ብሄራዊ ክልላት ቤኒሻንጉል፡ ሃረሪ፡ ጋምቤላን ኦሮምያን ከኣ ካብ ለካቲት 08 ኣትሒዙ ንሰልፍታቶም ወኪሎም ዝዋስኡ ዝተፈላለዩ ሕጹያት ይምዝገቡ ኣለው። እቲ ምዝገባ ሕጹያት፡ ብ21 ለካቲት ከምዝውዳእ ከኣ ምርጫ ቦርድ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስታት ዓፋር፡ ኣምሓራ፡ ሲዳማ፡ ህዝብታት ደቡብን ሶማሌን ከኣ ካብ ለካቲት 15 ክሳብ 26 ለካቲት 2013 ዓመተ ምሕረት ምዝገባ ሕጹያት ከምዝከናወን ምርጫ ቦርድ ኣፍሊጡ ኣሎ። ብመሰረት ሰሌዳ ግዜ ምርጫ ቦርድ፡ ካብ ሰኑይ 22 ለካቲት 2013 ዓመተ ምሕረት ኣትሒዙ ናይ መረጽቲ ምዝገባ ክካየድ እዩ።
እቲ ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር ፓርቲን መራሕቶምን ኣባላቶምን ስለዝተኣስሩዎምን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነበረ ኣብያተ ጽሕፈቶም ስለዝተዓጽዎም ኣብቲ ዝግበር መረጻ ስምብራት ከምዝገድፍ ተዛሪቦም።
ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ማእሰርቲ ንዘለው ኣባላቶም ብዋሕስ ናይ ምፍታሕ መሰሎም ኣኽቢሩሎም ከብቅዕ: ዛጊት ከምዘይተፈትሑ ብምግላጽ ቅሬታኦም ብተደጋጋሚ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣቕሪቦም እዮም።
ግንባር ነጻነት ኦሮሞ (ኦነግ)፡ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ከምኡ እውን ባልደራስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ፓርቲ (ባልደራስ) ኣመራርሓ ነዚ ሕጂ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው “ናብ ምርጫ ከንኣቱ የተሓሳስበና እዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።
ነዚ ብዝምልከት ኮሚሸን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ካብ ቤት ፍርዲ ዝወሃብ ናይ ዋሕስ መሰል ከኽብር ሓቲቱ እኳ እንተነበረ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደጊሙ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቶም እሱራት ናይ ዋሕስ መሰል ኣማሊኦም ክነሶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ስለዘለው ንኽወጽኡ ኣተሓሳሲቡ።
ናይ ኢሰመኮ ዋና ኮሚሽነር ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ “ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ናይ ዘይምኽባር እምቢታ ኣተሓሳሳቢ ብምዃኑ ህጹጽ ኣድህቦ ክግበረሉ የድሊ” ኢሉ።
እዚ ዝቕጽል ሃገራዊ ምርጫ ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተገብሩ ምርጫታት ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል’ዶ?
ኣብ ትካል ማክስ ፕላንክ ናይ ፖስት ዶክቶራል ፌሎ ዶ/ር በሪሁን አዱኛ ገበየ፡ ኣብ ሕገ መንግስታዊ ጉዳይ ሓያሎ መጽናዕቲ ኣካይዱ እዩ።
ሻድሻይ ኣጠቓላሊ ምርጫ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዘካየደቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ መረጻታት ዝተፈልየ ዝገብሮ እታ ሃገር ሕጂ ዘላቶ ኩነታት ምዃኑ ብምግላጽ ይጅምር።
ብዙሓት ወገናት እዚ ሕጂ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ከምቲ ናይ ቀደም ናይ ዲሞክራሲ፡ ናይ ልምዓት ሰናይ ምምሕዳር ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ እታ ሃገር እትርከቦ ፖለቲካውን ማሕበራዊ ግጭት ክፈትሕ’ዩ ዝብል ትጽቢት ከምዘለዎም፡ ብፍላይ ሃገራዊ መሰረታዊ ለውጢ የድሊ እዩ ዝብል ናይ ሓባር መረዳእታ ብምህላው ፍልይ ከምዘብሎ ይዛረብ።
ዶ/ር በሪሁን እዚ ምርጫ’ዚ መሰረታዊ ምርጫ ምዃኑ መንግስቲ ክሓስብ ይግባእ ይብል።
“[መንግስቲ] ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታት ሓቢሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ንበይኑ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይኮነን” ክብል ድማ ይውስኽ።
ዝሓለፈ ሓሙሽተ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ትሕቲ ኢህወደግ እዩ ተገይሩ። እዚ ናይ ሕጂ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ሓዲሽ ሰልፊ ብልጽግና እዩ ዝግበር ዘሎ። ንሱ ንባዕሉ እውን ፍሉይ ከምዝገብሮ የረድእ።
ካልእ ንዶክተር ብርሃኑ እዚ ምርጫ ከም ዝሓለፉ ምርጫታት ኣብ መላእ ሃገር ይካየድ ብዘይምህላው ካልእ ፍልይ ዘብሎ ነገር እዩ። እዚ ምርጫ እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገር ብዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም ተስፋን ስግኣትን ሓቚፉ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ እዩ።
ብተወሳኺ "ፖለቲካዊ ለውጢ ኣብ ዝካየደሉ ናይ መሰጋገሪ እዋን" ይግበር ብምህላው ከኣ ካብቲ ዝሓለፈ ምርጫታት ፍልይ ከምዘብሎ ይዛረብ።
እንተኾነ እዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ካብቲ ዝሓለፈ ምርጫታት ይፍለ እዩ ወይ ኣይኮነን ከብሎ ዝኽእል እቶም ሰልፍታት ዘቕርቡዎ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ እንተልዩዎም እዩ ይብል።
እዞም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት እንታይ ክገብሩ እዮም ዝደልዩ?
እንተደኣ ከም ዝሓለፈ ምርጫታት ብዛዕባ ደሞክራሲ፡ ሰናይ ምሕደራን ልምዓትን ዝኣመሰለ ሕቶታት ሒዙን ንዕኡ ንምፍታሕ ጥራሕን ዝሕሰብ እንተኾይኑ፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ምርጫ ብዙሕ ዝፈልዮ የለን።
ግን ከኣ፡ ነዚ ሕጂ እታ ሃገር እትርከበሉ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሽግራት ንምፍታሕ ዝዓለመ እንተኾይኑ ግን ፍልይ ከብሎ ይኽእል’ዩ ይብል።
እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንመንግስታዊ ስጉምትታት ብተደጋጋሚ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ኣቶ እያስፔድ ተስፋዬ ብወገኑ እዚ ናይ ሕጂ ሃገራዊ ምርጫ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ሓሙሽተ ምርጫታት ዝተፈልየ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት የብሉን።
ከምኡ ዘበሎ ከኣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘበነ ኢህወዴግ ዝግበር ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ተቓወምቲ ሰልፍታት ከምዝደለዩዎ ከይጉስጉሱ ምዕንቃፍ፡ ኣባላቶም ምእሳር ኣብያተ ጽሕፈቶም ምዕጻው ዝኣመሰለ ነገር ይዕዘብ ብምህላው እዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ካብ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኢህወዴግ ዘካየዶ ምርጫ ዝተፈለየ ከምዘይከውን ይዛረብ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ፖለቲካዊ ምህዳር ስለዝሰፍሐ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ብምፍተሖምን፡ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝደለዩዎ ቦታ ተንቀሳቒሶም፡ ብዘይ ተጽዕኖ ከም ልቦም ክጽብጽቡ ጀሚሮም ብምንባሮም፡ ከምኡ እውን ምስ ምርጫን ደሞክራሲን ብዝተሓሓዝ ነተን ዝርካበን ትካላት ዝመርሑ ብህዝብን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን እምነት ዝንበረሎም ግለ ሰባት ናብ ስልጣን ብምምጽኦም እዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ዝተፈለየ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ከምዝነበረ፡ እንተኾነ እቲ ተስፋ ኣብ መስርሕ ከምዝቐሃመ አቶ እያስፔድ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“እንተኾነ ኩሉ እቲ ዝተነብረ ተስፋ ተኣልዩ ናብቲ ዝነበርናዮ ተመሊስና ኣለና” ዝበለ ኣቶ እያስፔድ፡ ፖለቲካዊ ባይታ ምጽባቡ ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ጠቒሱ።
ሎሚ እውን ኣብያተ ፍርዲ ንጹሃት እዮም ዝበሎም ሰባት ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝርከቡ ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት ሪፖርት ይግለጽ ከምዘሎ ዝጠቅስ አቶ እያስፔድ፣ ቤት ፍርዲ ብተደጋጋሚ ክፍትሑ ወሲኑሎም ከብቅዕ፡ ፖሊስ በቲ ዝተባህሎ ክንዲ ዝፈትሖም ከተማን ቤት ፍርድን እንዳቐያየረ ዝተፈላለየ ክሲ ዝምስርተሎም ሰባት ከምዘለው ይገልጽ።
ኣባላት ሰልፊ ባልደራስን ዝተፈላለዩ ናይ ኦሮሞ ተቓወምቲ ፓርቲታትን ምእሳሮም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ናይ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሓለፍቲ ኣብ ናይ ምርጫ ቦርድ ቀጽሪ ንኸይንቀሳቐሱ ምእጋዶም ባዕሉ እቲ ምርጫ ቦርድ ከምዝገለጸ ብምጥቃስ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኩነታት እቲ ናይ ፖለቲካ ባይታ እናጸበበ “ፍትሓውን ዝተፈለየን ምርጫ ክግበር እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን” ይብል።
ዶ/ር አብይ ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ ወቕቲ ሓደ ጋዜጠኞ እሱር ዘይነበራ ሃገር፡ ጋዜጠኛታት ብምእሳር እትጽራሕ ሃገር ኮይና ኣላ ክብል ይዛረብ።
ዶ/ር በሪሁን ብወገኑ፡ ፖለቲከኛታት ተኣሲሮም እናሃለው ዝካየድ ምርጫ፡ ኣብ ቀረባ እቲ ምርጫ ብሰላማዊ መገዲ ክካየድ ዘይምኽኣሉ፡ ንመጻኢ ከኣ ድሕሪ ምርጫ ንዝመጽእ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣዎንታውን ኣሉታውን ተጽዕኖ ክህልዎ ከምዝኽእል ስግኣቱ ይገልጽ።
እቶም ሰልፍታት የጋጥመና ኣሎ ዝብልዎ ሽግር ሕጂ እንተዘይተፈቲሑሎም ዳሕራይ ሰላማዊ ምርጫ ኣብ ምክያድ ጸገም ክፈጠር ይኽእል እዩ ክብሉ የረድኡ።
እቲ ምርጫ ምስ ሓለፈ እቲ ዝዕወት ፓርቲ ዝተፈላለዩ ሕግታትን ፖሊሲታትን ኣብ ሕገ መንግስቲ ምምሕያሽ እንተገበረ፡ ነቶም ካልኦት ሰልፍታት ስለዘየሳትፍ ትርጉም ኣልባ እዩ ክኸውን ክብል ካብ ሕጂ ስግኣቱ ይሕብር።
ምርጫ ቦርድኢትዮጵያ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ከካይድ ይኽእል ድዩ?
ዶ/ር በሪሁን ኣብ ቦርድ ምርጫ ዘይከሓድ ናይ ሕግን ምሕደራን ለውጢ ከምዝተገብረ ይገልጽ። "ከም ውልቀ ሰብ እቶም ኣባላት ቦርድ ንዝመጽእ ምርጫ ነጻን ፍትሓውን ክገብሩዎ ድሌትን ተወፋይነትን ከምዘለዎም ይኣምን እየ። ግን እቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ክረአ እንከሎ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ እዩ" ክብል የረድእ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣብያተ ፍርዲ፡ ኣካላት ጸጥታን ድሕነትን እንተዘይኮይኑ ንበይኑ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የሎን። ነብሲ ወከፍ ትካል ነናይ ገዛእ ርእሱ ተራ ከምዘለዎም ዝሕብር እቲ ዶክተር፡ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ነጻን ፍትሓውን ንምግባሩ ንቦርድ ምርጫ ጥራሕ ዝግደፍ ኣይኮነን ይብል።
መንግስቲ፡ ተቓወምቲ፡ ህዝቢ፡ ኣካላት ፍትሒ ኩሉ ተሓባቢሩ እንተዘይሰሪሑ ሓደ ትካል ንበይኑ ዝገብሮ ነገር የለን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ ቦርድ ምርጫ፡ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ከካይድ ይኽእል’ዶ ንዝብል “ መልሰይ ኣይከኣልን እዩ” ኢሉ።
አቶ እያስፔድ ብወገኑ፡ ኣብያተ ጽሕፈት ኦነግን ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተዓጽዮም ክነሶም ከመይ ገይሮም እዮም ሰልፍታት ኣብ ምርጫ ክሳተፉ ዝኽእሉ? ቦርድ ምርጫ ነዚ ሽግር እኳ ንምፍታሕ ቆራጽነት ከምዘይወሰደ የረድእ።
ንሱ ባዕሉን ካልኦት ውልቀ ሰባትን ብሓባር ኮይኖም፡ ብኣካል ብምኻድ ኣብያተ ጽሕፈት ኦነግን ኦፌኮን ኣበይ ኣበይ ከምዝተዓጽወ ሓበሬታ ብምእካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ትዊተርን ፈይስ ቡክን ከምዘቕረቡዎ ይዝክር።
እቶም ሰልፍታት እውን እንተኾኑ እቲ ጉዳይ ንቦርድ ምርጫ ብደብዳበ ብተደጋጋሚ ከምዝሓበሩ አቶ እያስፔድ የረድእ።
እንተኾነ ምርጫ ቦርድ “ኦነግ ኮነ ኦፌኮ ኣብያተ ጽሕፈቶም ኣበይ ኣበይ ከምዝተዓጽዉዎም ንጹር ሓበሬታ ብዘይምርካቦም ከምዝተሸገሩ” ክዛረቡ ከምዝሰምዑ ይጠቅስ።
ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታት ምርጫ ዝርከቡ ኣፈጸምቲ ምርጫ በዓል መን ምዃኖም ንህዝቢ ስለዘይተነግረን፡ ኣየናይ ኣፈጻሚ እንታይ ታሪኽን ድሕረ ባይታን ኣለዎ ምስ'ቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነትነትከ ብኸመይ ይሳነ? መንከ ብዘይ ሻርነት ነቲ ምርጫ የፈጽም ዝብል ካብ ሕጂ ንምግማቱ ኣሸጋሪ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣቶ እያስፔድ፡ ቦርድ ምርጫ ኣብ ኣዲስ አበባን ድሬዳዋን ምርጫ ዝካየደሉ መዓልታት ካብ ካልኦት ከባብታት ዝተፈልየ ምዃኑ ዝወሰነሉ ምኽንያት ብዝርዝር ንህዝቢ ከረድእ ዘይምስምዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ቦርድ ጥርጣረ ከምዘሕደረሉ ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ምርጫ ዝስዕር ሰልፊ፡ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ከምጽእ ድላይ እንተደኣ ሃልዩ፡ ሕጂ ምርጫ ቅድሚ ምጅማሩ “ብፍላይ ኣብ ኦሮምያን ካልእ ቦታታትን ምስ ዘለው ተቓወምቲ ሰልፍታት ምዝርራብ፡ ካብቶም ተቓወምቲ ንላዕሊ ነቲ መንግስቲ ዘመሓድር ፖርቲ ዝያዳ ረብሓ ኣለዎ ኢለ ይሓስብ” ኢሉ።
ስግኣትን ተስፋን ምርጫ
ኢትዮጵያ ንሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ተኣፋፊ እዋን እያ ተካይዶ ዘላ። ጉዳይ ዘተ ህዳሰ ግድብ፡ ምስ ሱዳን ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ፡ እታ ሃገር ጸጥታዊ ወጥሪ እኳ እንተለዋ፡ ጸገማታ ንምፍታሕ “ዋላ እውን እንተደንጎየ ምርጫ ምክያድ ኣገዳሲ እዩ” ይብሉ።
መንግስቲ ንዘውጽኦ ፖሊሲን መምርሕን ተቐባልነትን ሕጋውነትን ንኽረክብ፡ ምርጫ ምክያድ ኣድላይ እዩ ይብል።
ዶ/ር በሪሁን ይኹን ኣቶ እያስፔድ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ከይፈታሕካ ምርጫ ምክያድ “እቲ ዝሓለፈ ጸገም ምድጋም እዩ” ይብሉ።
ስለዝኾነ፡ ዘተን ልዝብን ክካየድን እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑን ከኣ የዘኻኽሩ። ኣብ ሓምሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢህወዴግ ሚእቲ ብሚእቲ ምስዓሩ ዝዝከር ኣቶ እያስፔድ ሕጂ ንዝተፈልዩ ተቓወምቲ ምድባት ብሰላማዊ መገዲ ንኸይንቀሳቐሱ ምኽልካል ናብ ካልእ ኣማራጺ ከየምርሕ ዘተን ልዝብን ከምዘድሊ ይሕብር።
ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይዓዝዝ ዝበለ ኣቶ እያስፔድ፡ ህዝቢ ወከልቱ ኣብ ዘይተሳተፉዎ ጉባኤን ቤት ምኽርን ንዝወጽኡ ሕግታትን ፖሊሲታትን ክእዘዙ እዮም ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ ምዃኑ ቅድሚ ሕጂ ንዝተኻየደ ተቓውሞታት ኣብነት ብምቕራብ የረድእ።
ዶ/ር በሪሁን ምርጫ ማለት ነታ ሃገር ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመታት መን የመሓድራ ዝብል ምዃኑ ብምጥቃስ ሕጂ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካን ሕግን ካልእ ብዙሕ ፍልልይን ስለዘሎ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ቁሩብ ፍልይ ከምዝብል ተዛሪቡ።
እዚ ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፍን እቲ ዝምረጽን እታ ሃገር ንዘለዋ ሽግር ንበይኑ ክፈትሖ ስለዘይክእል፡ ቅድምን ድሕርን ምርጫ፡ ዘተን ልዝብን ምምኽኻርን ኣገዳሲ ምዃኑ የረድእ።
ዶ/ር በሪሁ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ተቓወምቲ ፓርቲታት ንዘረራብ ክብሉ ምጽንሖም ብምግላጽ ሕጂ እውን ግዜ ከምዘሎን፡ ቅድምን ድሕርን ምርጫ ዘተ ከምዘድልን መንግስቲ ዝከኣሎ ክገብርን ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቡ።
ቅድሚ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ መንግስቲ ነቲ ሽግር እንተዘይፈቲሑዎ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ምርጫ ዕግርግር ከምዘይስዕብ መረጋገጺ የሎን ክብል የጠንቅቕ።