ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ 27 ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከም ዝሰረዘ ኣፍሊጡ

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ዳግማይ ንምምዝጋብ ዘድሊ ረቋሒታት ኣየማልኡን ዝበሎም 27 ፖለቲካዊ ውድባት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

ነቲ ዝጸንሐ ኣካይዳ ምርኩስ ብምግባር ኣብታ ሃገር ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ክሳዕ ወርሒ መጋቢት ኣብቲ ሓድሽ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ፡ መምዘኒታት ከማልኡ ተሓቲቶም ከም ዝነበሩ እቲ ቦርድ ሓቢሩ።

እቲ ሕጊ ዝጠልቦ ሰነዳት ከቕርቡ ዘይከኣሉን፡ ተወሳኺ ግዜ ክወሃቦም ዝሓተቱን ፖለቲካዊ ውድባት'ውን እንተነበሩ ካብዚኦም እቶም 13 እቲ ዘቕረብዎ ምኽንያት ብቁዕ ኮይኑ ስለዘይተረኽበ ክስረዙ ተወሲኑ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ ካልኦት 14 ፖለቲካዊ ውድባት፡ እቲ ቦርድ ዝሓተቶ ሰነዳት ዘይቀረቡ ክኾኑ ከለው፡ ገሊኦም ድማ ምስ ካልእ ውድብ ውህደት ምፍጣሮም ስለዝገለጹ ከም ዝተሰረዙ ተሓቢሩ።

ካብ 106 ፖለቲካዊ ውድባት እቶም 76 ሰነዳት ዘቕረቡ ኮይኖም፡ እቲ ሰነድ ነቲ ረቋሒታት ዘማልእ እንተኾይኑ መርመራ ይግበር ምህላው እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝቐረበ ሰነዳት ዝግበር መርመራታት ምስ ተዛዘመ፡ እቶም ነቲ ዘድልይ ጠለባት ብምምላእ ምንቅስቓሳቶም ክቕጽሉ ዝኽእሉ ውድባት ከፍልጥ ምዃኑ እቲ ቦርድ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ዝካየድ መረጻ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክተካይድ ወጢና እኳ እንተነበረት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዘስዓቦ ስግኣት ናብ ካልእ ግዘ ተሰጋጊሩ ኣሎ።