ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት ካብ 85 ናብ 59 ጎዲሉ

ኣብ ኢትዮጵያ ክንቀሳቐሳ ካብ ዝጸንሓ 85 ፖሊታካውያን ሰልፍታት፡ ኮምሽን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነተን 26 ፖሊቲካውያን ሰልፍታት ኣፍልጦ ስለዘይሃበን፡ ብዝሒ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ናብ 59 ጎዲሉ።

እቲ ቦርድ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ብሕጋዊ መንገዲ ተመስሪተን ክሰርሓ ካብ ዝጸንሓ እተን 26 ከም ሰልፊ ንክቅጽላ ከማልእኦ ዝግበአን ስለዘየማለኣ ከምዝተሰረዛ ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ብምስዓብ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ቦርድ ዝተመዝገባን ከማልእኦ ዝግበአን ቅጥዕታት ዘማልኣ 59 ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ከምዘለዋ ኣብሪሁ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝነበር ግዜ 85 ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ምጽራይ ክግበረለን ምጽንሑን ካብአን እተን 26 ቅጥዕታት ብዘይምምልአን ከምዝተሰረዛ ኣብሪሁ።

ካብተን ቅጥዕታት ‘ኣየማልኣን’ ተባሂለን ዝተሰረዛ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት፡ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያውይን (ኢዴፓ)፡ ሃገራዊ ምንቅስቓስ መላእ ኢትዮጵያ (መኢብን)፣ ብሔራዊ ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦብኮ)፣ ኣንድነት ንዲሞክራሲን ፍትሕን ፓርቲ (ኣንድነት) ይርከብአን።

ብዘይካ እዘን ሕጂ ተሰሪዘን ዘለዋ ፖሎቲካዊ ሰልፍታት፡ እዝን እዝን ኣማልኣ ዝተባሃላ ከምኡ’ውን እቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ገና ዘይተዛዘመለን 12 ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ብምህላወን ቁጽሪ ናይተን ዝስረዛ ሰልፍታት ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት።

ካብተን ተወሳኺ ሰነዳት ኣማልኣ ተባሂለን ዘለዋ 12 ፖሎቲካውያን ሰልፍታት፡ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያዊያን (መኢአድ) ከምኡ’ውን ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ከምዝርከበአን’ውን እቲ ቦርድ ገሊጹ።

እቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ዛዚመን ቴክኒካዊ መምዘኒታት ዝተረፈን ከም ብዓል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፣ ራያ ራዩማ ዴሞክራሲዊ ፓርቲ፣ ዓሲምባ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፡ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይን ዝርከብኣን ሸውዓት ፖሎቲካዊ ሰልፍታት ከምዝለዋ’ውን እቲ ቦርድ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ዘድሊ ቅጥዕታት ኣማሊአን እቲ ናይ ምጽራይ መስርሕ ዝዛዘማ 40 ፖሎቲካዊ ሰልፊ ክህልዋ እንከለዋ፡ ካብዚአን ብልጽግና፡ ኢዜማ፡ ኦፌኮ፡ ኦነግ፡ ባልደራስ ከምኡ’ውን ዓረና ከምዝርከብአን ተገሊጹ።

እቲ ቦርድ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ግንቦት’ውን፡ ከማልአኦ ዝግብአን ኣየማልኣን ዝበለን 27 ፖለቲካውያን ሰልፍታት ምስራዙ ዝዝከር እዩ።

ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብያ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ካብ ዝገበሮ ለውጥታት፡ ኮምሽን ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ብዘይተማእዛንነት ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ከምዝሰርሕ ምግባሩ እዩ ተባሂሉ ይንገር እዩ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ቦርድ ከም ብሓድሽ ከምዝጣየስ ብምግባር፡ ኣብቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ሕጊ ምምሕያሽ ብምግባር፡ በቲ ቀዳማይ ዝነበረ ሕጊ ተመስሪተን ክንቀሳቀሳ ዝጸንሓ ሰልፍታት በዚ ሓዲሽ ሕጊ ተማእዚዘን ከምብሓድሽ ከምዝምዝገባ ክግብር ጸኒሑ’ዩ።

ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ 106 ምዝጉባት ሰልፍታተ ነይረን፡ ነዚ ሓዲሽ ዝወጽአ ሕጊ ዘየማለኣ ብሓፈሻ 53 ፖሎቲካዊ ሰልፈታት ስለዝጎደላ ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 59 ፖሎቲካዊ ሰልፍታት ጥራይ እየን ተሪፈን ዘለዋ።