እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኬንያ ዝተጨውየ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ሕጂ'ውን ድሃዩ ኣይተረኽበን -በዓልቲ ቤቱ
ኣብ ናይሮቢ ዝቕመጥ ኢትዮጵያዊ ነጋዳይ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ዝሓለፈ ዓርቢ ኣጋምሸት ብዘይተፈልጡ ሰባት ተጨውዩ ድሕሪ ምውሳዱ ክሳብ ሕጂ ደሃዩ ከም ዘይተረኽበ ኣባላት ስድራ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እቲ ውልቀሰብ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ክሌሌሸዋ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ኣብ ማእኸል ትራፊክ ጠጠው ኢላ ካብ ዝነበረት መኪንኡ ስቪል ብዝተኸድኑ ሰባት ብሓይሊ ተደፊኡ ክወጽእን ክዳን ትራፊክ ፖሊስ ዝተኸድነ ሰብ ክተሓባበሮምን ዘርኢ ምስሊ ተዘርጊሑ ቀንዩ ኣሎ።
ኣብዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክዘውር ዝቐነየ ምስሊ፡ ኣቶ ሳምሶን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት እቲ ኩነታት ብቪድዮ ክቐድሕዎ ክምሕጸን ይስማዕ።
ካብ ሽዑ መዓልቲ ጀሚሩ ድሃዩ ከም ዘይተፈልጠን ኣብ ኢድ መን ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ከም ዘይብላን በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሚሊየን ሓለፎም ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ናብ ገዛ ዝምለሰሉ ሰዓት እዩ ነይሩ፤ ቴሌፎን ደዊሉ ዘይፈልጦም ሰባት ከም ዝጨወዩዎን ናብ የዕርኽቱ ደዊለ ክነግሮምን ምስ ሓበረኒ ቴሌፎን ተዓጽያ። ድሕሪኡ ክረኽቦ ኣይክኣልኩን። ፖሊስ ንክፈልጥ ኩሉ ነገር ገይርና ክሳብ ሕጂ ግን ዋላ ሓደ ኣንፈት የብሉን" ትብል።
እቲ ጉዳይ ናብ መደብር ፖሊስ ኪሊማኒ ሪፖርት ዝተገብረ ኮይኑ፡ ሓላፊ እቲ መደብር ፖሊስ ኮማንደር ኣንድሪው ሙቱሪ ክኢላታት ዳይሬክተር መርመራታት ገበን [ዲሲኣይ] ይምርምሩዎ ከም ዘለው ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።
ክሳብ ሕጂ ዝተጠርጠረሉ ጉዳይ ከም ዘየሎን መስርሕ ፍርዲ ከም ዘይጀመሩን ድማ ሚለን ገሊጻ።
'ዘፍርሖ ነገር ኣይነበረን'
ሳምሶን ተኽለሚካኤል ኣብ ኬንያ ንዝሓለፉ 16 ዓመታት ከም ዝተቐመጠን ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ኣጓኒፉዎ ከም ዘይፈልጥን በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሚለን ትዛረብ።
እቲ ኽስተት ብዝኾነ መዐቀኒ "ብስራሕ ዝኾነ ነገር ኣይኮነን" ክትብል እንከላ ኣብዛ ሃገር ናይ ስሊንደር ጋዝ ካብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምክፍፋል ስራሓት ጥራሕ ከም ዝሰርሕ ገሊጻ።
"ንሕና ኤልፒጂ ጋዝ ኢና ንሰርሕ፤ ካብ ሞምባሳ ብባንክ ንገዝእ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ክኣ ንዓበይቲ ሆቴላትን ፋብሪካታትን ነከፋፍል" ኢላ።
ኣቶ ሳምሶን፡ ክሳብ ሕጂ መን ንምንታይ ዕላማ ወይ ብምንታይ ምኽንያት'ዮም ጨውዮም ወሲዶምዎ? ዝብል ብወግዒ ዝቐረበሉ ክሲ የለን።
ንሱ፡ ኣብ ሕጋዊ ስራሕቲ ንግዲ ጥራይ ተዋፊሩ ዝሰርሕን ንሰባት ብምሕጋዝ ዝፍለጥን እምበር ኣብ ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባር ወይ'ውን ፖለቲካን ካልእን ኢዱ ዝሓውስ ሰብ ኣይኮነን ብምባል ወይዘሮ ሚሊን ትገልጽ።
"ዘፍርሐና የለን፤ ዘፈራርሕ ነገር'ውን በጺሑዎ ኣይፈልጥን። ሳሚ ንዝተሸገረ ሰብ ዝረድእ፣ ከም ሓው ዝመስሎ ሰብ እዩ። ኣብ ናይሮቢ፣ ኣዲስ ኣበባ ሓቲትካ ሽግር ዘለዎ ኩሉ ጎዩ ናብዚ ገዛ እዩ ዝመጽእ፤ ሳሚ ናቱ ገዲፉ ዝህብ ብተንኮልን ካልእን ዘይሕመ'ዩ" ኢላ።
ክሳብ ሕጂ ምኽንያት መጭወይኡ ኣይተፈልጠን። እንተኾነ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ክኸውን ከም ዝኽእል ክግመት ጸኒሑ።
እንተኾነ ንኣባላት ስድራ እቲ ግዳይ ዘዘራረበ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይሮቢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ከም ዘይኮነ ኣረጋጊጹሎም።
"ኣብ እንዳ ፖሊስ ክንሓትት እንከለና ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸገም ዝተሓሓዝ እዩ ይብሉ ነይሮም ግን ክኣ ኤምባሲ ንሳቶም ከም ዘይኮኑ ኣረጋጊጹለይ፤ ይሕግዙኒ ክኣ ኣለው። ዝኾነ ኣካል ግን ጸገም እንተሃልዩ ሕጊ ስለ ዘሎ ብዝደለዩዎ ክሕዙዎ ምኽኣሉ። ሕጂ ናተይ ዓብዪ ፍርሒ ሞይቱ ድዩ ኣሎ ዝብል ዘይምፍላጥና እዩ" ኢላ።