ሕፅይቲ መዋቲ ጀማል ካሾጊ፡ ጀስቲን ቢበር ናይ ስዑዲ ዓረብ ምርኢቱ ክስርዝ ፀዊዓ

ሕፅይቲ እቲ ኣብ ቱርኪ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝተቐተለ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ስሙይ ድምፃዊ ጀስቲን ቢበር ኣብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ኣብ ጅዳ ዝህልዎ ምድላው ክስርዝ ተማሕፂና።

ስሙይ ካናዳዊ ድምፃዊ ጀስቲን ቢበር ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብ ጅዳ ኣብ ዝካየድ 'ፎርሙላ ዋን ውድድር መካይን' ስራሕቱ ንምቕራብ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን እዩ፡ ሕፅይቲ እቲ መዋቲ ሃቲች ቼንጊዝ፡ ናብ ጀስቲን ቢበር ወግዓዊ ደብዳበ ብምፅሓፍ ነዚ ፃውዒት ኣቕሪባ።

እቲ ደብዳበ፡ ጀስቲን ቢበር ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዘቕርቦ ምርኢት ሙዚቃ ክስርዝ ዝምሕፀን እዩ።

ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾግጂ ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኣብ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ጉዳይ ከፈፅም ኣብ ዝኸደሉ እዋን እዩ ብዘስካሕክሕ መገዲ ተቐቲሉ።

ቱርካዊት ሕፅይቲ እቲ ጋዜጠኛ ሃቲች ቼንጊዝ፡ ኣብቲ ዝፀሓፈቶ ወግዓዊ ደብዳበ፡ “ነቲ ምድላው ብምስራዝ ነቲ ቀታሊ ነብሲ መንግስቲ እታ ሃገር ግልፂ መልእኽቲ ክተሕልፍ እደሊ እየ” ብምባል ተማሕፂና።

እቲ ኣብ ስደት ዝነብርን ንልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማን ዝነቅፍ ዝነበረን ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ቅድሚ ምቕታሉ ንጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ዝፅሕፍ ዝነበረ እዩ።

ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣል-ወጠን ዝነበረን፡ ንዓመታት ምስ'ቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮን ካሾጊ፡ ንገለ ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።

ፀኒሑ ግና፡ ብዙሓት ኣዕሩኽቱ ምስ ተኣስሩን፣ ኣብ ጋዜጣ ኣል-ሓያት ዘቕርቦ ዝነበረ ዓምዲ ምስ ተሰረዘን ኣብ ትዊተር ከይፅሕፍ መጠንቀቕታ ምስተዋህቦን፡ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ኣሜሪካ ክስደድ ተገዲዱ።

ጀማል ናይ መርዓ ሰነድ ንምሕዳስ ኣብ ቱርኪ ኢስታንቡል ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑድ ዓረብ ምስ ከደ፡ ብዘስካሕክሕ መገዲ ተቐቲሉ ኣሰሩ ክጠፍእ እዩ ተገይሩ።

እዚ ኣብ ዝኾነሉ ሕፅይቱ ሃቲች ቼንጊዝ፡ ኣብ በሪ እቲ ኤምባሲ ኮይና ትፅበዮ ኔራ።

ሃቲች ቼንጊዝ ኣብቲ ንጀስቲን ቢበር ዝፀሓፈቶ ደብዳበ፡ “ንጨካንን ቀታልን መንግስቲ ኬድካ እንተዘይትደርፍ ደስ ይብለኒ” ኢላ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ብወገኑ፡ እቲ ምድላው ነቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝፍፀም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ትኹረት ንምቕያር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፡ ጀስቲን ቢበርን ካልኦት ምርኢት ኣቕረብትን ካብቲ ምድላው ንርእሶም ከግልሉ ፀዊዑ።

ቤት-ፅሕፈት ስለያ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ዘስካሕክሕ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ኻጆግጂ ንክፍፀም፡ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ከም ዝኣዘዘ ኣረጋጊፆም እዮም።

እንተኾነ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ፡ ኣብዚ ቅትለት ከም ዘይተሳተፈ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልፅ።

ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ አውሮጳውያን’ውን ድምፃዊት ኒኪ ሚናዥ፡ ንመሰላት ደቂኣንስትዮን ሕደ-ፆታውያንን ብምድጋፍ፡ ኣብ ጅዳ ክተካይድ ወጢናቶ ዝነበረት ምርኢት ምስራዛ ይዝከር።