ቅትለት ጀማል ካሾጊ፡ ቱርኪ ን20 ስዑዳውያን ኣብ ፍርዲ ኣቕሪባ

ብቕትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ፡ ጀማል ካሾጊ ዝተጠርጠሩ 20 ስዑዳውያን ኣብ ዘየለውሉ ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም።

እቲ ኣብ 2018 ኣብ ኤምባሲ ስዑዲ ኣብ ቱርኪ ብኣባላት ጸጥታ ስዑዲ ዝተቐትለ ጋዜጠኛ፡ ቀንዲ ነቓፊ ቀዳማይ ልኡል ንግስነት ስዑዲ መሓመድ ቢን ሳልማን’ዩ ነይሩ።

እቶም ተኸሲሶም ቀሪቦም ዘለው ክልተ ኣማኸርቲ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ኮይኖም፡ ኣብቲ ጉዳይ ዝኾነ ኢድ ከምዘይብሎም እዮም ዝገልጹ።

ስዑዲ ዓረብ፡ ነቶም ኣብ ቅትልት ካሾጊ ኢድ ዝነበሮም ከተረክብ ካብ ቱርኪ ንዝቐረበላ ሕቶ ብምንጻግ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንሾመንተ ጥርጡራት ንቤት-ፍርዲ ኣቕሪባቶም ነይራ’ያ።

እቶም ሓሙሽተ ካብኣቶም ንሞት ክትፈርዶም እንከላ፡ ነቶም ዝተረፉ ሰለስተ ከኣ ንሕልፈት ክእሰሩ ከምዝፈረደቶም ይፍለጥ።

ፍልይቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ፡ ቅትለት "ካሾጊ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈጸመን ኣቐዲሙ ዝተሓሰበሉን መቕተልቲ እዩ፤ ነዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ’ያ ሓላፍነት ትወስደሉ" ኢላ።

ቀንዲ ተቓዋሚ ወራሲ ዘውዲ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝኾነ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቕመጥ ዝነበረ ጀማል ካሾጊ፡ ብ2 ጥቅምቲ 2018 እዩ ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ክኣቱ ንመወዳእታ ግዜ ተራእዩ።

ብድሕሪኡ ግን ካብቲ ህንጻ ክወጽእ ከም ዘይተራእየን ብኡ ኣቢሉ ሃለዋቱ ከም ዝጠፍአን ይግለጽ።

ካሾጊ ምስ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ናይ ፍትሕ ጉዳይ ክፍጽምን፡ ነታ ሓዳስ ሕጽይቱ፡ ሃቲች ቼንጊዝ ክምርዓውን እዩ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ዝኸደ።

መስርሕ ፍርዲ

ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ሕጽይቲ ካሾጊ ሃቲች ቼንጊዝ ክትሳተፍ ተፈቒድላ’ሎ።

ንሳ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ነቲ መስርሕ ስምዒታውን መንፈስካ ዘማስንን ክትብል ገሊጻቶ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቱርኪ እምነት ከምዘለዋን፡ ፍትሒ ካብ ምድላይ ከምዘይትሕለልን ገሊጻ።

ጀማል ኮሺጊ መን'ዩ?

እቲ ኣብ ስደት ዝነብርን ኣንጻር ልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማን ዝኾነን ካሾጊ፡ ቅድሚ ምጥፍኡ ንጋዜጣ ዋሽንግቶን ፖስት ዓንቀጻት ዝጽሕፍ ዝነበረ’ዩ።

እቲ ኣሰናዳዊ ጋዜጣ ኣል-ወጠን ዝነበረን ንዓመታት ምስቲ ንጉሳዊ ቤተ ሰብ ጥቡቕ ዝምድና ዝነበሮን ካሾጊ፡ ንገለ ሰበ ስልጣናት ስዑዲ ዓረብ ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ ኢዩ።

ጸኒሑ ግን፡ ብዙሓት የዕሩኽቱ ከም ዝተኣስሩን፡ ኣብ ጋዜጣ ኣል-ሓያት ዘቕርቦ ዝነበረ ዓምዲ ምስተሰረዘን ኣብ ትዊተር ከይጽሕፍ መጠንቀቕታ ምስተዋህቦን ሃገሩ ገዲፉ ናብ ኣሜሪካ ክስደድ ተገዲዱ’ዩ።