እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣህጕራዊ መዓልቲ ናጻ ፕሬስ፡ ዝሓለፈ ዓመት ክንደይ ጋዜጠኛታት ሞይቶም?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣስታት 95 ጋዜጠኛታት ኣብ ስርሕም ተዋፊሮም እንከለው ከም ዝሞቱ ዓለምለኻዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
እዚ ቀጽሪ ጋዜጠኛታት፡ ካብ ናይ 2017 ዝለዓለ እኳ እንተኾነ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ኩናት ዒራቕን ሶርያን ዘጋጠመ መጠን ሞት ጋዜጠኛታት ግን ዝዛየደ ኣይኮንን።
ብዙሓት ጋዜጠኛታት ዝሞትሉ ዓመት 2006 ኮይኑ፡ ከባቢ 155 ጋዜጠኛታት እዮም ሞይቶም።
ኣብ 2018 ኣቓልቦ ማሕበረ ሰብ ዝሰሓበ ሞት ውሩይ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ እዩ ነይሩ። ንሱ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣተወ እዩ ተቐቲሉ ዝበሃል።
ሞት ካሾጊ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ሓይል ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ከም ዝፈጠረን፡ ሓያሎ ሃገራውን ነቲ ተግባር ከምዝኾነነኦን ይፍለጥ።
ዝሓለፈ ወርሒ፡ ጓል ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾነት ለይራ ማኪ ዝተባሀለት ጋዜጠኛ'ውን ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ናዕቢ ብዕጡቓት ተቐቲላ እያ።
ሓደገኛ ዓዲ ንጋዜጠኛታት
ኣፍጋኒስታን ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ንጋዜጠኛታት ሓደገኛ ዝኾና ሀገራት እያ። ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ኣፍጋኒስታን ተቐቲሎም።
ትሽዓተ ጋዜጠኛታት ኣፍጋን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ንዘጋጠመ መጥቃዕቲ ቦምባ ክጽብጽቡ ምስ ከዱ ኢዮም ብሓንቲ ግዜ ተቐቲሎም።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣሕመድ ሳሓ'ውን ኣብ ምብራቕ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዞባ ኮስት ተቐቲሉ እዩ።
ኣብ ኣመሪካ'ውን 5ተ ጋዜጠኛታት ኣብ ሜሪላንድ ኣብ ዝርከብ ቤት-ጽሕፈቶም እንከለው ብሓደ ሰብኣይ ተቐቲሎም።
ብመሰረት ዓለምለኻዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት፡ ዝበዝሑ ዝተቐትሉ ጋዜጠኛታት ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ጸገማትን ከምኡ'ውን ኣብ ሃገራት ንዝፍጠር ሽግራት ከሽፍኑ ክብሉ ኢዮም ሞይቶም ይብል።
ኣብ 2018፡ ዝለዓለ ቁጽሪ ጋዜጠኛታት ኣሲረን ዝርከባ ሃገራት
- ቱርኪ 68
- ቻይና 47
- ግብጺ 25
- ስዑዲ ዓረብያ 16
- ኤርትራ 16
ነጻ ፕረስን ዲሞክራስን
ኣብዚ ዓመት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግደ ነጻ ፕሬስ ኣብ ዲሞክራሲ ብዝያዳ ኸኣ ኣብ እዋን ምርጫ ኣበርክትኡ ጎሊሑ ክርአ ከሰርሓሉ ምዃኑ ሓቢሩ።
ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጎተረስ፡ ዝኾነ ዲሞክራሲ ብዘይግሉጽነትን ዘተኣማምን ሓበሬታን ምሉእ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ።
ብደረጃ ዓለም ኣንጻር ነጻ ፕረስ ዝዝርጋሕን ዝዝረብን ካብ ሃገር ሃገር እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎን፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ፊሊፒኒስን ኣመሪካን ጎሊሑ ከም ዝርኤን ዓለምለኻዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት ይገልጽ።
ኣብ ኣመሪካ ኩነታት ጋዜጠኛታት ናብ ዝኸፍኣ ኣንፈቱ ከየምርሕ'ውን እቲ ትካል ስግኣቱ ይገልጽ።
ኣብ ዓለም ግን እተን ንነጻ ፕሬስ ዝኸፈኣ ቦታ ሒዘን ዝርከባ ሃገራት ቨኔዝወላ፤ ሩስያን ቻይናን ኢየን።