እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዉሕሃ፡ ልኡል ስዑድያ 'ብጉዳይ ሞት ጀማል ካሾጊ ተሓታቲ'ዩ'
ኣብ ጉዳይ ሞት ውሩይ ጋዜጤኛ ጅማል ካሾጊ ልኡል ሱዑድያ መሓመድ ቢን ሳልማንን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ስዑድያን ተሓተትቲ ከም ዝኾኑ ዘረጋግጽ ዘተኣማምን መርትዖ ከም ዘሎ ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም።
እዚ ብወሃቢት ጸብጻብ ኣግነስ ካላማድ ዝተወሃበ መግለጺ፡ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ጭብጢ ብናጻን ዘይሻራዊት ዓለምለኻዊ ኣካል ተወሳኺ መርመራ ንኽግበረሉ ጸዊዓ ኣላ።
ጀማል ካሾጊ ኣብ ኢስታምቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ናይ ስዑድያ እዩ ብልዑኻት ሰዑድያ ተቐቲሉ።
ሰብ መዚ ስዑድያ እዞም ንጀማል ካሾጊ ዝቐተሉ ሰባት ብትእዛዝ ናይ ልዑል ሞሓመድ ቢን ሳልማን ከም ዘይፈጸምዎ'ዮም ዝማጎቱ።
ስዑድያ ካብዞም ነዚ ቅትለት ፈጺሞሞ ዝበለቶም 11 ሰባት ብምእሳር ነቶም 5 ድሮ ናይ ሞት ፍርዲ በይናትሎም ኣላ።
ኣግነስ ካላማድ ግን መስርሕ ፍርዲ ናይዞም ሰባት ዓለምለኻዊ ኣገባብ ዘይተኸተለ እዩ ነይሩ ብምባል እቲ ፍርዲ ክውንዘፍ ጸዊዓ ኣላ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ ዓደል ኣል ጁቤር ነዚ ዝወጸ ጸብጻብ ብምንጻግ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ "ሓዲሽ ነገርን ዘይብሉ መሰረት ኣልቦ ዝኾነ ክሲ" ክብል መልሲ ሂብሉ።
ዓደል ኣል ጁቤር ብምስዓብ "ቤት ፍርዲ ስዑድያ እቲ እንኮ ንጉዳይ ቕትለት ካሾጊ ሒዝዎ ዘሎ እዩ፡ ብምሉእ ናጽነትን ክሰርሕ ኢና ከኣ ንደልዪ" ኢሉ።