እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓንቲ ሱዕዳዊት ኣብ ባንኮክ ተዓጊታ ድሕሪ ምጽናሕ ክትኣቱ ተፈቒዱላ
ስዑዳዊትዊት መንእሰይ ካብ ስድራኣ ክትሃድም ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ባንግኮክ ታይላድ ተዓጊታ፡ ሰበስልጣን ስዑዲ ፓስፖርታ ከም ዘሕደግዋ ድሕሪ ምሕባራ፡ ናብ ታይላንድ ክትኣቱ ተፈቒዱላ።
እዚ ክኸውን ዝኻኣለ ብምትሕብባር ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ጓል 18 ዓመት ራሓፍ ሞሓመድ ኣል ቁኑን ከም ዝሓበረቶ፡ ምስ ስድራኣ ንኩየት ገይሻ ከም ዝነበረትን ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ከም ዝሃደመትን ሓቢራ። ደጊማ ካብ ባንኮክ ንኣውስትራልያ ተምርሕ ከም ዝነበረት'ውን ኣፍሊጣ።
ንሳ ንምስልምና ከም ዝገደፈቶን፡ ብሓይሊ ንስዑድ ዓረብ እንተተጠሪዛ ብቤተሰባ ክትቅተል ተኽእሎ ከም ዘሎን ንቢቢሲ ሓቢራ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ባንኮክ ከም ዝሓበሮ፡ እታ ስዑድያዊት ጓል ኣንስተይቲ ፈሪሓን እትገብሮ ጠፊእዋ ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።
ንሳ ናይ ኣውስራልያ ቪዛ ከም ዘለዋ፡ ፓስፖርታ ግን በቲ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሱቫርናቡሚ ክትወርድ ከላ ብዝረኸበቶ ዲፕሎማት ስዑዲ ከም ዝተወስደ ሓቢራ።
እንተኮነ ግን፡ ሰበ-ስልጣን ስዑድያ፡ እቲ ፓስፖርታ ከም ዘይኣሕደጉዋን፡ መምለሲ ትኬት ሲኢና ኣብ ባንኮክ መዕረፎ ነፈርቲ ተታሒዛ ከም ዘለን ኣመልኪቶም።
ወሲኹ ናይ ስዑዲ ልእኽ ኣብ ባንኮክ፡ ኣብቲ ናይ ሞሓመድ ኣል-ቁኑን ምእሳር ስዑዲ ዓረብ ኢድ ኣለዋ ንዝብል ነጺግዎ።
ኣብደላህ ኣል ሻኣቪቢ " ኤምባሲ፡ ንዝኾነ ሰብ ኣብ መዕርፎ ነፈርትን ካልእ ቦታታትን ክቅይድ ስልጣን የብሉን። ንናይ ታይላንድ ሕጊ ስለዝጠሓሰት ብሰበስልጣን መዕርሮ ነፈርቲ ተኸልኪላ" ብምባል ነጺግዎ።
ናይ ታይላንዲ ፖሊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሞሓመድ ኣል-ቁኑን ካብ መርዓ ትሃድም ከም ዝነበረት ኣመልኪቱ።
ሞሓመድ ኣል-ቁኑን፡ ንኣውስትራልያ ትሓልፍ እንተነይራ ንምንታይ ናይ ታይላንድ ቪዛ ከም ዘድለያ ግን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን።
ንታይላንድ ምብጻሕ ዝፍጽሙ ስዑድያውያን፡ ኣብ ታይላንድ ድሕሪ ምብጻሕ ቪዛ ምሕታት ይኽእሉ ኢዮም።
ሞሓመድ ኣል-ቁኑን ንቢቢሲ ኒውስኣዋር ኣብቲ ሆቴል ናይ መስገሪ ወይ ትራንዚት ትኬት ከም ዝነበራ ሓቢራ። ደጊማ፡ "ንታሪኸይን ስእልታተይን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘርጊሐዮ፡ ነዚ ስለዝገበርኩ ከኣ ኣቦይ ብጣዕሚ ተቆጢዑ ኣሎ፡ ኣብ ዓደይ ክመሃርን ክሰርሕን ስለዘይክእል፡ ነጻ ክኸውንን ከጽንዕን ክሰርሕን ይደሊ" ኢላ።
ሞሓመድ ኣል-ቁኑን ንስማን ዝርዝራታን ኣብ ትዊተር ክትጽሕፎ ዝተገደደት ምኽንያት "ንሕጂ ዝኸስሮ ነገር" የብለይን ስለዝበለት ኢዩ።
ንሳ ነቲ ስድራይ ክቀትሉኑ ኢዮም ዝብል ሓበሬታ ኣብ ትዊተር ዝውረደቶ ቪድዮን መልእኽትታን ብናይ ካናዳ ቱሪስት ገይራ ከም ዝለኣኸቶ ሓቢራ።
ኣብ ስዑድ ዓረብ ምስ ተመልሰት ዘሎ መጻኢኣ እንታይ ከም ዝኸውን ንጹር ኣይኮነን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፤ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንሰበ-ስልጣን ታይላንድ ምጥራዝ እታ ስዑድያዊት መንእሰይ ደው ከብሎ ይሓቱ'ለዉ።