እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑድ ዓረብ ደቀንስትዮ ተጣበቕቲ መሰላት ብምእሳራ ኣብ መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ተገሲጻ
ሰላሳን ሽዱሽተን ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ንትሽዓተ ተጣበቕቲ መሰላት ደቂንስትዮ ብምእሳሩ ነቒፎምን ክፍትሓ ድማ ጠሊቦምን።
ብፍላይ ሎሚ፡ ሸሞንተ መጋቢት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓፈሻ ደቀንስትዮ ዓለም ድማ ብፍላይ ነቲ ደቀንስትዮ ዓለም መሰለን ንምርግጋጽ ዘካየዳኦ ተጋድሎ ንምዝካር ዝብዓል ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ እዘን ኣብ ማሕዩር ዝርከባ ትሽዓተ ደቀንስትዮ ክፍትሓ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ክቕጽል ጸዊዖም።
እዚ ባይቶ ኣብ 2006 ካብዝምስረት ንድሓር ንፈለማ እዋን ብሓባር ንንግስነት ስዑድ ዓረብ ዝገንሕ መግለጺ ክውጽእ።
እዚ ድማ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣስራ ተጣበቕቲ መሰላት ደቂኣንሰትዮን፡ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾግን [ኣብ ቱርኪ] ስጋብ ክንደይ ተገዲሶም ከምዘለው የርኢ።
ሓደ ናይ ስዑዲ ዲፕሎማት ግና ነቲ በቲ ባይቶ ዝተዋህበ መግለጺ ``ንፖለቲካዊ ረብሓ`` ዝዓለመ ኢዩ ብምባል ወጊዝዎ።
``ብጉልባብ ምሕላቕ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዜቤታዊ ጉዳያትና ዝግበር ኢድ ምትእትታው ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትና ዝግበር መጥቃዕቲ ኢዩ`` ኢሉ ዓብዱልዓዚዝ ኣልዋሲል፡ ናይ ስዑድ ዓረብ ቀንዲ ተወካሊ ኣብ ጄኔቫ።
ንዓመታት እቲ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንስዑድ ዓረብ ኣብ ኣደባባይ ካብ ምንቃፍ ክቑጠብ ጸኒሑ ኢሉ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ኣብ ጂኔቫ፡ ኢሞጂን ፎልክስ።
ብሓሙስ፡ ኩለን 28 ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሸሞንተ ሃገራት - ኣውስትራልያ ካናዳ ኣይስላንድ ሌቼስታይን ሞኖኮን ሞንቴኔግሮ ኒውዝላንድን ኖርወይን - ብሰንክ`ቲ ቀጻሊ ማእሰርቲ ሰብኣዊ መሰላት ተጣበቕትን ተሓለቕቲ መሰላት ደቀንስትዮን ዘለዎም ስግኣትን ሻቕሎትን ገሊጾም።
``ንሕና [ኣባላት ባይቶ ሰብእዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት] ብፍላይ ስዑድ ዓረብ ነቲ ጸረ-ግብረ ሽበራ ሕግን ካልእ ሕጋጋት ሃገራዊ ጸጥታን ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ`ቶም ብሰላማዊ መንገዲ መሰላቶምን ናጽነቶምን ዝገለጹ ሰባት ትወስዶ ዘላ ስጉምታት ዘለዎም ሻቕሎትን ስግእትን ኣብቲ ብወካሊ ኣይስላንድ፡ ሃራልድ ኣስፔሉንድ፡ ዝተነበ ናይ ሓባር መግለጺ ተገሊጹ።
``ተጣበቕቲ ሰብእዊ መሰላትን ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ኣብቲ ስዑድ ዓረብ ለውጢ ንምምጻእ ተካይዶ ንጥፈታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኪገብሩ ይኽእሉ`` ኢሉ እቲ ናይቲ ባይቶ መግለጺ።
ኩለን እተን ኣባል ሃገራት ኣቲ ባይቶ፡ ምምሕዳር ስዑድ ዓረብ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ዝኾኑ ትሽዓተ ደቀንስትዮን ሓደ ሰብኣይን ክትፈትሕ ጠሊቦም።
ስዑድ ዓረብ ኣብ ወርሒ ግንቦት [2018] ሒደት ሳምንታት ደቀንስትዮ ስዑድ ዓረብ መኪና ክዝውራ ቅድሚ ምፍቃዳ ኢያ ነተን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እንተላ ነትን ደቀንስትዮ እቲ ሃገር መኪና ክዝውራ ዝጉስጉሳ ዝነበራ ምእሳር ዝጀመረት።
ዓሚ ሕዳር ገለ ጉጅለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብዝዘርግሕዎ ሪፖርት፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ካብተን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከባ ደቀንስትዮ ምርመራ ከምዝተገብረለንን ከምዝተገርፋን ብሓይሊ ኤሌትሪክ ከምዝተቐጥቀጣን ሕሉፍ ሓሊፎም ኣብ ልዕሊኤን ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸሙ ገሊጸ
እንተኾነ ምክትል ዓቅብ ሕጊ ስዑድ ዓረብ ነቲ ዝቐረበ ጠቐነ ``ሓሶት`` ኢዩ ኢልዎ።
እተን ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከባ ብጉዳይ ሃገራዊ ጸጥታ እምበር ኣካል ናይቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ`ቶም ኣብያ ዘስምዕ ዜጋታት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኣይኮነን ኢሉ ወራስ ዓራት ልኡል ሙሓመድ ቢን ሳልማን።
እቶም 36 ሃገራት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ነቲ ናይ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ቅትለት ኣብ ቦተ ጽሕፈት ቆንስላ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኢስታንቡል`ውን ኮኒኖም። ነቶም ኣብቲ ቅተለይ ኢድ ዝነበሮም ሰባት ድማ ኣቲ መንግስቲ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም ጠሊቦም። ን።