ቅልውላው ትግራይ፡ ዝተፈላለያ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ ይምህጸና

ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ እናዓረገ ኣብ ዝመጽአሉ ዘሎ ኩነት ጀርመንን ፈረንሳን'ውን ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ መኺረን።

ኣቐዲመን ኣመሪካን ብሪጣንያን ተመሳሳሊ ሓበሬታ ክዝርግሓ እንከለዋ፡ ሕቡራት ሃገራት ግዚያዊ ብምባል ንገለ ሰራሕተኛታቱ ናብ ካልእ ስፍራ ከግዕዝ ጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ዕጡቓት ትግራይ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግሱሉ ዘለው እዋን እዩ።

እቲ ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከስዕብ እንከሎ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ንጥምየት ተቓሊዖም እዮም።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክቅተሉ እንከለው ሚልዮናት ካብ ቤቶም ተመዛቢሎም እዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጀፍሪ ፌልትማን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ጉዳይ ብዲፕሎማስያዊ ጉዳይ ንምፍታሕ ዘኽእል ምዕባለታት ከም ዘሎ እኳ እንተገለጸ በቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምንህሃር ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት ኣብ ጫፍ ወተሃደራዊ ዓወት ኢና ዘሎና ዝብል እምነት ከም ዘለዎም ድማ ተዛሪቡ።

እቶም ዕጡቓት ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተኣቕኒዖም ሓደገኛ ከም ዝኾነን ተቐባልነት ከም ዘይብሉን ፌልትማን ኣጠንቂቑ።

ህወሓት ካብ ኣዲስ ኣበባ 200 ኪሜ ርሒቓ ንእትርከብ ከተማ ከምእተቖጻጸረ'ኳ እንተገለጸ ነቲ ሓበሬታ ብነጻ ኣካል ምጽራይ ኣይተኻኣለን።

'ኣብ ግንባር ንራኸብ'

ሚኒስትሪ ጉዳያት ጀርመን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዜጋታቱ ብቕልጡፍ ብዝረኸብዎ ናይ ንግዳዊ በረራ ክወጽኡ ኣለዎም ክብል እንከሎ ፈረንሳ ብወገና ዜጋታታ "ከይተደናጎዩ" ክወጽኡ ተማሕጺና።

ውሽጣዊ ሰነድ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከኣ "እቶም ዝምልከቶም ኣባላት ቤተሰብ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝተቖጽሩ ሰራሕተኛታት" ክሳብ 25 ሕዳር 2021 ኣብ ዘሎ ግዜ ክግዕዙ ከም ዘለዎም ይገልጽ።

ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣቐዲመን ነቶም ኣገደስቲ ዘይኮኑ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ክስሕባ እንከለዋ ካልኦት ዜጋታተን'ውን ክወጽኡ ኣተሓሳሲበን እየን።

እቲ ኣብ 2019 ሽልማት ኖቤል ዝተቐበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብሰኑይ ምሸት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ንሰራዊት ምክልኻል ኣብ ግንባር ብኣካል ተረኺቡ ንምምራሕ ናብቲ ዓውደ ኲናት ይኸይድ ምህላው ገሊጹ።

"ታሪኽ ካብ ዘድንቖም ደቂ ኢትዮጵያ ክትኾኑ እትደልዩ ኩላትኩም ንሃገርኩም ክትብሉ ሎሚ ተለዓሉ፤ ኣብ ግንባር ንራኸብ" ብምባል'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ንሱ ነቲ ንከባቢ 20 ዓመታት ምስ ኤርትራ ዝነበረ ኩነተ ኲናት ብሰላም ብምፍትሑ እዩ ሽልማት ኖቤል ተዋሂቡ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንርእይቶ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "[ኣብዪ] ንህዝብና ብጎረርኡ ንምሓዝ ገይርዎ ዘሎ ነገራት መፍትሒ ክሳብ ዝረክብ ሓይልታትና ነቲ ክልወጥ ዘይኽእል ገስጋሶም ኣየቋርጹን" ኢሉ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ነቲ ኲናት መዕለቢ ንምርካብ ንዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ይመርሕ ኣሎ።

ጠንቂ እቲ ኲናት ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ህወሓትን ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ እዩ።

ኣብ 2018 ዝተራእየ ህዝባዊ ተቓውሞ ነቲ ን27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ዝመርሐ ብህወሓት ዝምእዘን ዝነበረ ስርዓት ኢህወደግ ካብ ስልጣን ክኣልይ እንከሎ፡ ኣብዪ መዝነት ተረኪቡ።

ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምድያቡ ፖለቲካዊ ዕረያታት ገይሩን ንነዊሕ ዓመታት ምስ ኤርትራ ዝነበረ ኵነተ ኲናት ብስምምዕ ሰላም ከብቅዕ እኳ እንተገበረ ንህወሓት ግና ንጎኒ ጎሲይዎ።

እቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን ህወሓትን ዝጓሃሃር ዝነበረ ምፍጣጥ ቅድሚ 12 ኣዋርሕ መንግስቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣጽዋር ንምዝማት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከም ዘካየዱ ብምግላጽ ስጉምቲ ክውሰዶም ድሕሪ ምእዛዙ ናብ ኲናት ኣምሪሑ።