እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምጉህሃር ጎንጺ ኢትዮጵያ ንሰላማዊ ዘተ ዕንቅፋት ከይኸውን ኣጠንቂቑ
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት እናተጋደደ ምምጽኡ ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር ክካየድ ንዝድለ ዝርርብ የስግኦ ምህላው ኣጠንቂቑ።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ጄፍሪ ፌልትማን ትማሊ ጸብጻብ ኣቕሪቡ።
ንሱ፡ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ካብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ናብ መስርሕ ዘተን ድርድርን ንኽኣትው ዘኽእል ውልዶ መስርሕ ዘተ'ኳ እንተሃለወ ኣብ ባይታ ግን ንሃገራዊ ርግኣትን ሓድነትን ዘስግኡ ምዕባለታት ምህላዎም ኣዝዩ የተሓሳስበና ኣሎ ኢሉ።
እቲ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ጠጠው ንክብልን ሰላማዊ ፍታሕ ንክመጽእን ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኤውሮጳን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘተ ክግበር ጻዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ይፍለጥ።
እቲ ካብ ትግራይ ተላዒሉ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝልሓመ ኲናት ጠጠው ንክብል ኣመሪካ ምስ ኬንያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባት ትሰርሕ ምህላዋ ይግለጽ።
ብፍላይ ነዚ ኣመልኪቱ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኦሎሶንጎን ኦባሳንጆ ብምዃን እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት: ኲናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ክብሉ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ዘለው ሚልዮናት ህይወቶም ንምድሓን ረድኤት ክበጽሕ ባይታ ክጣጣሕን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ተበጻሕቲ ክኾኑን ክሰርሕ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ኣብ ልዝብ ዝተሞርኮሰ ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበር ዘኽእል ባይታ ምህላው ዝሓበረ ፌልትማን፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝቐርቡ ዘለው ጠለባት ኣመሪካ ቕቡል ከም እትገብሮም ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብሰንበት ንፌልትማን ኣብ ዝሃቦ ቃል "ሓይልታት ትግራይን ህወሓትን ካብ ዝሓዙዎም ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ምውጻእ" ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ከም ዝኾነ ክገልጸሉ እንከሎ፤ ሓይልታት ትግራይን ህወሓትን ብወገኖም "ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘሎ ዘይተኣወጀ ዕጽዋ ምስባር" ከምዝጠልቡን ኣመሪካ ንኽልቲኡ ዕላማ ከም እትቕበሎን ፌልትማን ተዛሪቡ።
ፖለቲካዊ ድልየት እንተሃልዩ፡ ክልቲኡ ሸቶ ተጻባኢ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ፌልትማን፤ "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክልቲኦም ወገናት ድልየታቶም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምፍታሕ እዮም ዝፍትኑ ዘለው፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ጫፍ ዓወት ከም ዘለው ይኣምኑ" ኢሉ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድን መራሕቲ ህወሓትን ክልቲኦም ወተሃደራዊ ዓወት ይረኽቡ ከም ዘለው'ዮም ዝኣምኑ ኢሉ።
ይኹን'ምበር "ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለን ኣማኢት ኣሽሓት ግዳያት ዝገበረን ዘመዛበለን ጎንጺ ወተሃዳራዊ ፍታሕ ከም ዘይብሉ ክፍለጥ ኣለዎ" ክብል ጄፍሪ ፌልትማን ኣገንዚቡ።
ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝግስግሱ እንተኾይኖም ዘይቕቡልን ዝኸፍአን ከም ዝኸውን'ውን ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ዝዓግቱ ዘለው ማሕለኻታት ክኣልዮምን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጠጠው ከብል ኣለዎ ኢሉ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ
እቲ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ትግራይ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ድሕሪ ምልሓኹ ምኽንያት ሞትን ምዝንባልን ኣሽሓት ሰባት ከምዝኾነ ይግለጽ።
ኣብ ሰለስቲአን ክልላት ዝርከቡ ልዕሊ ሽድሽተ ሚሊየን ሰባት ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮም እንትግለጽ፡ ኣብ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ኩሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም፣ ረድኤት ምእታው ከም ዘይጀመረ ይፍለጥ።
ሃገራት ምዕራብን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ጠጠው ብምባል ኣፈላላዮም ብዘተ ንክፈትሑ ብተደጋጋሚ ይሓትቱ ኣለዉ።
ኣመሪካ ተጻብኦታት ጠጠው ክብሉ ኣለዎም ካብ ምባል ሓሊፋ ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ'ዮም ወይ'ውን እቲ ኲናት ንክናዋሕ ምኽንያት ኮይኖም'ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበለቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቦም ትካላትን ላዕለዎት ሰብመዚ ኤርትራን እገዳ ከም ዝገበረት ይዝከር።
ብተወሳኺ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሞም ምኽንያት ብምግባር ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓ ካብ እትረኽበሉ ስምምዕ ንግዲ ኣጎዋ ክትእገድ ወሲና እያ።
እዚ ኲናት ጠጠው ንምባል ኣመሪካ ምስ ኬንያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባት ትሰርሕ ምህላዋ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ምብጻሕ ዝገበረ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሓቢሩ ነይሩ።
ብፍላይ ነዚ ኣመልኪቱ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኦሌሶጎን ኦባሳንጆ ብምዃን፡ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ኲናትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ክብሉ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ዘለው ሚልዮናት ህይወቶም ንምድሓን ረድኤት ክበጽሕ ክመቻቾን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ተበጻሕቲ ክኾኑን ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ እቲ ኲናት ተገዲደ ዝኣተኹዎ'ዩ ክብል ጸኒሑ።
ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተነበረ ዕፅዋ ንምኽፋትን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ ዝርከቡ ግዝኣታት ትግራይ ሓራ ንምውፃዕ ይዋግኡ ከምዘለዉ'ዮም ዝገልፁ።
ሃገራት ምዕራብ ግን እቲ ኲናት ጠጠው ክብል ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ዝኾነ ገደብ ንክበጽሕ ክፍቀድን ጸቕጢ ይገብራ ኣለዋ።
መንግስቲ ብወገኑ እዘን ሃገራት ንህወሓት ድጋፍ ብምግባር ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ክልውጣ ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ ክብል ይኸስስ።
ህወሓት ብመንግስቲ እታ ሃገር ኣብ መዝገብ ሽበራ ዝሰፈረ ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝግበር ኲናት ንክድግፍን ክዘምትን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዝገበረ ይፍለጥ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ ይርከብ። ብሰኑይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ እቲ ኲናት ካብ ግንባር ኮይኑ ንክመርሖ ከም ዝዘምት ገሊጹ ነይሩ።