ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ እትኽተሎ ሓድሽ ፖሊሲ ዘነጽር መግለጺ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣፍሪቃ ፈላማይ ምብጻሕ ዝገበረ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝተዛረቦ ቃል ዝሰምዐ፡ ኣመሪካ፡ ንኣፍሪቃ እትርእየሉን ብዛዕባ ኣፍሪቃ እትዛረበሉን መገዲ ዓብዪ ለውጢ ከም ዘለዎ ክግንዘብ ይከኣል'ዩ።

ብሊንከን፡ 'ኣፍሪቃ ስሕበት መጻኢ'ያ' ዝብል ዘረብኡ ድሕሪ ሕጂ ኣፍሪቃ ዕሽሽ ክትብሃል ከም ዘይትኽእል የመልክት።

እዚ ኣህጉር፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቑጽሪ መንእሰያት ዘለዎ ኮይኑ ኣብ 2050 ኣብ ዓለም ካብ ኣርባዕተ ሰባት እቲ ሓደ ኣፍሪቃዊ ክኸውን እዩ።

እዚ ብዝሒ ህዝቢ ንዝመጹ ዓሰርተታት ዓመታት ዓለምለኻዊ ጉዳያት ክጸሉ'ዩ፤ እንተኾነ፡ ብዙሓት ፈተናታት ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሮም ኣለው።

ብሊንከን፡ መንግስቱ ካብቲ ኣፍሪቃ ብምንእኣስ ዝፍለጥ ዶናልድ ትራምፕ ብዝተፈልየ መገዲ ከም ዝጥምታ ኣረዲኡ።

ቅድሚ ሕጂ ኣፍሪቃ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ንምርኣይ ልዕልነታ ተንጸባርቕ ዝነበረት ኣመሪካ ሕጂ ብሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢኣ ኣቢላ ምሕዝነትን ንግዳዊ ርክባትን ከም እትጠልብ ኣብሪሃ።

ምምሕዳር ባይደን ዝኽተሎ ፖሊሲ ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ዝተዛረበ ብሊንከን፡ ሃገሩ ኣብ ሓሙሽተ ኣገደስቲ ዓውድታት ኣተኹራ ከምእትሰርሕ ተዛሪቡ።

1. ንግዲ

ኣመሪካ ምስ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ንግዳዊ ልውውጥ ኣለዋ፤ እንተኾነ ካብቲ ሓፈሻዊ ንግዳዊ ልውውጥ ብኽልተ ሚእታዊት ዝንኣሰ'ዩ።

እዚ ብቐንዱ ኣብ ናይጄሪያ ጀሚሩ ኣብ ንግዲ ወጻኢ ነዳዲ ትኹረት ዝገበረ'ዩ።

ኣብዚ እዋን ሃገሩ ንኣፍሪቃ ዘለዋ ፖሊሲ ኣመልኪቱ ዝተዛረበ ብሊንከን፡ ኣብ ግዜ እቲ ሕሉፍ ምምሕዳር ዝተጀመረ "ክልትኣዊ ምሕዝነት ንግድን ኢንቨስትመንትን ንምዕባይ ዕላማ ዝገበረ" ፕሮግራም ብልጽግና ኣፍሪቃ [ፕሮስፐር ኣፍሪካ ፕሮግራም] ጠቒሱ።

ኣብ እዋን መሪሕነት ክሊንተን'ውን እዚ ንክዕወት ካብ ቐረጽ ናጻ ዝኾነ ዕድል ተጠቃምነት ንግዲ 'ኣጎዋ' ተጀሚሩ።

ኣጎዋ፡ ንብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝክረከባ ሃገራት ዕዳጋ ኣመሪካ ክፉት ንክኸውን ዕድል ይህበን።

ዓብዪ ቑጠባ ዘለወን ሃገራት ኣብ ንግዳዊ ጉዳያት ዘትርፋላ ኣመሪካ እዚ ዕድል ዘይረኸባ ሃገራት ቑጠብአን ምዕባይ ንክኽእላ እዩ እዚ ዕድል ተዋሂቡወን።

እንተኾነ መብዛሕትኡ ዝሓሰቦ ትልሚ ከዐውት ከም ዘይኽኣለ ይግለጽ።

ኣብ ኢንዳስትሪ ዓለባ ከም ኢትዮጵያን ኬንያን ዝበላ ሃገራት ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ሰፈይቲ ክዳን ኮይኖም ተቖጺሮም ዝሰርሑሎም ኢንዳስትሪታት እንተተኸፈቱ'ውን መብዛሕትኡ ዓለባ ብሕሱር ዋጋ ኣብ ቻይና ፈርዩ ዝመጽእ'ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ኢንዳስትሪ ወይ'ውን ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ጥረ ኣቑሑ ክፈርዩ እንከለው ብውሑድ ወይ'ውን ካብ ጽልዋ ናጻ ዝኾነ ዕድል ምምጻእ ኣይተኽኣለን።

ዕዳጋ ኣፍሪቃ ዓብዪ እንተኾነ'ውን ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ዘሎ ሰንሰለት ሓደ ዓይነት ቅጥዒ የብሉን።

ከምኡ'ውን ሰፋሕቲ ጸገማት ትሕተ ቕርጺ፣ ሎጀስቲክስን ቀረጽን ኣለዎ።

እዚኦም ንምፍታሕ ብዝብል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊ ናጻ ቐጠና ንግዲ ክጣየሽ ገይሩ'ዩ።

ብሊንከን ሃገሩ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ንግዳዊ ምሕዝነት ብጸጋ ከም እትቕበሎን ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ካብቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ተጠቀምቲ ንክኾናን ትሰርሕ ምህላዋ ሓቢሩ።

"ኣብ ዓለም ቑጠባ ኣፍሪቃ ሓያል ዕብየት ከርኢ ኢና ንደሊ" ኢሉ።

ቻይና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርግሐ ትሕተ ቕርጺ ቐንዲ ተዋሳኢት ኮይና፡ ምምሕዳር ትራምፕ ዝኽተሎ ዝነበረ ፖሊሲ ኣፍሪቃ ጽልዋ ቻይና ኣብ ምቅዋም ትኹረት ዝገበረ'ዩ ነይሩ።

ብሊንከን ግን ሕጂ ካብ ምምሕዳር ትራምፕ ዝተፈለየ ኣጠማምታ'ዩ ዘለዎ።

"ናትና ፖሊሲ ኣፍሪቃ ንኣፍሪቃ ማእከል ዝገበረ እምበር ብዛዕባ ቻይና ኣይኮነን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብዚ "መብዛሕትኡ ግዜ ዓለምለኻዊ ስምምዓት ትሕተ ቕርጺ ግልጺ ዘይኮኑ፣ ዘገድዱ፣ ሃገራት ክጻወርኦ ዘይኽእላ ዕዳ ዘሸክሙ፣ ንኸባቢ ዘዕንው'ዮም። ስለ ዝኾነ ኩል ግዜ ኣብዘን ሃገራት ዝነብሩ ሰባት ተጠቀምቲ'ዮም ምባል ኣይክኣልን" ብምባል ሃገሩ ካብዚ ዝተፈልየ ስምምዓት ከም እትፍጽም ኣረዲኡ።

2. ኮቪድ-19

ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ብሊንከን ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝግበር ቓልሲ ብኻልኣይ ደረጃ ቐዳምነት ዝወሃቦ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ።

ዘ-ግሎባል ኮቪድ ኮርፕስ ዝተባህለ ሓድሽ ህዝባዊ ናይ ውልቂ ተበግሶ "ትካላት ንግዲ ኣመሪካ 'ናይ መወዳእታ ማይል' ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ረድኤት ሎጀስቲክስ ምስ ዘድልየን ሃገራት ከራኽባ እዩ" ኢሉ።

ኬንያ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብዚ ተበግሶ ዝተጸምበረት ፈላመይቲ ሃገር ኮይና'ላ። እቲ ተበግሶ ግን ተሓለቕቲ ጥዕና ኣፍሪቃ ካብ ዝጽበዩዎ ዝነኣሰ'ዩ።

ኣብ ምዕባይ ዘለዋ ሃገራት ህዝበን ዘድልዮ ክታበት ብጅምላ ምፍራይ ንክኽእላ መሰላት ፕሮፐርቲ ራይት ክዋሃበን ክሓታ ጸኒሐን።

ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ሃገራት "ምውዳእን ምምላእን" ዝብሉ መሰላት ዘረጋገጻ ኮይነን እዚ ናይ መወዳእታ መስርሓትን ክታበታት ምዕሻግን የካትት።

ኣፍሪቃ ካብ ዝኾነ ኣህጉር ዝተሓተ መጠን ክታበት ዘለዋ ኮይና ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለደ ወርሒ ምሉእ ንሙሉእ ዝተኸትቡ ኣፍሪቃውያን ብዝሒ ሽዱሽተ ሚኢታዊት ጥራሕ ከም ዝኾነ ትካል ጥዕና ዓለም ገሊጹ።

ብኣንጻሩ ኣብ ኣመሪካ ልዕሊ 58 ሚኢታዊት ህዝቢ ምሉእ ንምሉእ ከም ዝተኸትበ ሰብ መዚ እታ ሃገር ወግዓዊ ገይሮም'ዮም።

3. ክሊማዊ ለውጢ

ኣፍሪቃ ንክሊማዊ ለውጢ ዘለዋ ኣበርክቶ ትሑት'ኳ እንተኾነ ንጽልዋ ክሊማዊ ለውጢ ኣዐርያ ዝተቓልዐት እያ።

ኣመሪካ፡ ኣብ ፕሮጀክት ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ ካብ 2024 ጀሚራ ዓመታዊ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ክትስልዕ መደብ ሒዛ ትርከብ።

ሰባት ምስ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ምዝማድ ትኹረት ዝገበረ ፖሊሲ ባራክ ኦባማ 'ፓወር ኣፍሪቃ' ኣብ ተሓዳሲ ጽዓት ትኹረት ገይሩ ቐጺሉ ኣሎ።

"ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 25 ሚልዮን ኣባይትን ትካላት ንግድን ምስ ኤሌክትሪክ ክራኸቡ ገይርና ኢና። 80 ሚኢታዊት ኣብ ተሓዳሲ ጽዓት ዝተደረኸ'ዩ" ኢሉ።

ኣመሪካ ኣብዚ ኣህጉር ዓብዪ ብጽሒት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ሞንጎ ቦትስዋናን ናሚቢያን ዘሎ ምትሕብባር ልምዓት ትሳተፍ ከም ዘላ'ውን ሓቢሩ።

4. ዴሞክራሲ

ብሊንከን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበሮ ምብጻሕ "ዓለምለኻዊ ዝሕታለ ዴሞክራሲ" ዘትይሉ።

ካብ ሰብ መዚ ኣመሪካ ብዝተፈለየ መልክዑ ግልጽነት ዝነበሮ ብሊንከን ኣብ ግዜ ምምሕዳር ትራምፕ ዝተላዕለ ናዕብን ዕግርግርን ከምኡ'ውን ማሕለኻታት ዴሞክራሲ ብምልዓል ኣመሪካ ንርእሳ ተቓላዒት ምዃና ተዛሪቡ

ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመት ካብ ቀረባ ዓሰርተ ዓመታት ንነጀው ብዙሕ ዕልዋ መንግስቲ ክተአንግድ ጸኒሓ።

ኣብ ማሊ፣ ጊኒን ሱዳንን ሰራዊት ብሓይሊ ስልጣን ተቖጻጺሩ'ዩ።

እንተኾነ ኣብ ዛምቢያ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነ ከምኡ'ውን ኣብ ኒጀር ሰላማውን ዴሞክራሲያውን ስግግር ስልጣን ተኻይዱ እዩ።

ብሊንከን ምልካዊ መራሕቲ ብብዝሒ ቴክኖሎጂ ይጥቀሙ ከም ዘለው ሓቢሩ።

5. ሰላምን ድሕነትን

ብሊንከን፡ ካብ ዘልዓሎም ሓሙሽተ ነጥብታት እዚ እቲ ሓደን ኣዝዩ ኣገዳስን እዩ።

እዚ ምስ ፖለቲካዊ ርግኣትን ክሊማዊ ለውጥን ተኣሳሲሩ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ፈተና ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ጥራይ ስግኣት እታ ሃገርን ሃገራት ኣፍሪቃን ከም ዝኾነ ብሊንከን ተዛሪቡ።

ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሩ ዘሎ እዚ ኲናት ካብ ትግራይ ተላዒሉ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክልሕም እንከሎ፡ ኲናት ጠጠው ንክብል ኣመሪካ ምስ ኬንያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆን ካልኦት ሃገራትን ብቐረባት ትሰርሕ ምህላዋ ኣረዲኡ።

ብፍላይ ነዚ ኣመልኪቱ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ኦሎሶንጎን ኦባሳንጆ ብምዃን እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኹነት ኲናት ጠጠው ከብሉ፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ክብሉ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንሓደጋ ጥምየት ተቓሊዖም ዘለው ሚልዮናት ህይወቶም ንምድሓን ረድኤት ክበጽሕ ክመቻቾን ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ተበጻሕቲ ክኾኑን ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝሓለፉ ምምሕዳራት ዝቐጸለ'ኳ እንተኾነ ንማዕረ ምሕዝነት ፍሉይ ትኹረት ዝሃበ ኮይኑ ኣሎ።

"መብዛሕትኡ ግዜ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ክንዲ ማዕረ ከም ካልኣይ ወይ ካብዙ ዝኸፍአ ይርኣያ" ምንባረን ብምግላጽ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣፍሪቃ ንጎኒ እትገድፋ ኣህጉር ከም ዘይኮነት ገሊጹ።

ኩሎም ትንበያታት ድማ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ ቑጠባ፣ ድሕነትን ፖለቲካን ጸላዊ እጃም ከም ዝህልዋ ዘርእዩ ምዃኖም ሓቢሩ።