ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ህወሓትን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ገስጋስ ደው ከብሉ ኣመሪካ ጸዊዓ

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣመሪካን ኬንያን ብኹነታት ኢትዮጵያ ኣዝየን ተሻቒለን ምህላወን ገሊጹ።

ንሱ፡ ኣብ ጉዳይ ጎንጺ ኢትዮጵያ፣ ቃልሲ ኣንጻር እስላማዊ ግብረ ሽበራ ኣብ ሶማሊያ ከምኡ'ውን ስቪላዊ ምምሕዳር ሱዳን ናብ ቦትኡ ንምምላስ ንምዝርራብ ሎሚ ናብ ኬንያ ድሕሪ ምእታዉ እዩ እቲ መግለጺ ሂቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብሊንከን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ነታ ሃገር ኮነ ነቲ ከባቢ ክባራዕ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣመሪካ ቀንዲ መሓዛ ኬንያ ኮይና ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣገዳሲት ሃገር ገይራ እትርእያ ክትኸውን እንከላ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ቅልውላው ንኽልቲኤን ሃገራት ከም ዘሻቐለን እቲ ጸሓፊ (ሚኒስትር) ብሊንከን ገሊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ነቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ዝቐተለን ኣስታት ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዘመዛበለን ሓደ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ደው ከብሉ ኣመሪካን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።

እቲ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ብዓልስልጣን ሎሚ ኣብ መግለጺኡ "ንክልቲኤና ኣዝዩ ኣሻቂሉና ዘሎ ጉዳይ ኢትዮጵያ'ዩ፤ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዕግርግር ንኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮነን ዘሻቕል፡ ጎረባበታ'ውን ጽልዋ ክፈጥረለን ግድን እዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ጉዳይ ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ዝወሰዶ ተበግሶን ብኣካል ናብ ኢትዮጵያ ምኻዱን ድማ ንኢዱ።

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ልኡኽ ሕቡረት ኣፍሪቃ ዝኾነ ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንኽሰፍን ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣመሪካ ከም እተድንቖን ከም እትድግፎን ብምሕባር፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን'ውን ምስ ኩሎም እቶም ንሰላም ዝጽዕሩ ዘለዉ ወገናት ብምዃን ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን፡ ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ብዘይቅድመ ኩነት ብቅጽበት ተጻብኦታት ደው ንኸብሉ ኣትሪሩ ይሰርሕ ምህላው ብምግላጽ፡ ኩሎም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ንክብሉ፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይገደብ ናብቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሚልዮናት ተጸበይቲ ረዲኤት ንክበጽሕ ይስራሕ ኣሎ ክብል ተዛሪቡ።

ብሊንከን ካልእ እንታይ ኢሉ?

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ካብ ኢትዮጵያ ንኽወጽኡ ኣብ ምሕጋዝ ከም ዘለው ሓቢሩ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ሃንደበት እንተብኢሱ ንዜጋታቱ ከጓዓዕዝ ከም ዘይክእል ብምግላጽ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታቱ ብህጹጽ ክወጹ መጠንቀቕታ ምሃቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ኣዝዮም ከም ዝተሻቐሉ ዝገለጸ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ኵናት ንሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ ኢሉ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታትናን ሰራሕተኛታት ኤምባስን ድሕነቶም ምሕላው ቀንዲ ሓላፍነትና እዩ፤ ካብ ቅድሚ ሰሙናት ጀሚርና ኸኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዜጋታትና ካብ ኢትዮጵያ ክወጽኡ ክንምሕጸን ጸኒሕና ኢና። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲና'ውን ቅድሚ መዓልታት ዓቕሚ ሰቡ ከጉድል ሓቢርናዮ ኢና" ይብል።

ይኹን'ምበር፡ ሕጂ'ውን ኩሎም ተጻባእቲ ወገናት ኲናት ደው ኣቢሎም፡ ኣፈላላዮም ብልዝብ ክፈትሑ ዝኽእልሉን እቶም ህጹጽ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕን ዓበይቲ ዕድላትን ተኽእሎታትን ከም ዘለዎም ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ብሊንክን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ቅድሚ መዓልታት ከም ዝተዘራረበ ብምሕባር፡ ኣብ ዝርርቦም ሰላም ንኽወርድ ኣገደስቲ ውሳኔታት ክወስዱ ከም ዘለዎም ከም ዝሓበሮ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይግስግሱ ከም ዘለው ዝገልጹ ሓይልታት ትግራይን ንርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ሓይልን ናብታ ከተማ ንምእታው ዝገብሩዎ ዘለው ፈተነ ደው ከብልዎን ብዘይቅድመ ኹነት ንዘተ ቅሩባት ክኾኑን እውን ብሊንከን ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ደው ክብልን ሰላም ክወርድን ዝድለ እንተኾይኑ፡ ህወሓት ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ክወጽእ ኣለዎ ምባሉ ይዝከር።

ንሱ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ክወርድ እንተኾይኑ ሰለስተ ነገራት ከማልኡ ኣለዎም ዝበለ ኾይኑ፡ ህወሓት ንመንግስቲ ፌደራል ሕጋዊ ኣፍልጦ ክህቦን ክቕበሎን፣ መጥቃዕቲታት ምፍጻም ደው ከብልን ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ክወጽእን ዝብሉ ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ።

ክሳብ ሕጂ ግን ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተጀመረ ዝርርብ የለን።

ሚኒስረትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እታ ሃገር ኣትያቶ ዘላ ጸገማት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ክፍታሕ ከም ዘይኽእል ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ርግኣት ዘለዋ ኬንያ፡ ኣብዚ እዋን ናይ ቀረባ መሓዛ ኣመሪካን ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋን ሃገር እያ፡፡

ብሊንከን ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ፈላሚ ዑደት ናብ ናይጀርያን ሴነጋልን'ውን ክበጽሕ እዩ።

ሰብመዚ ኣመሪካ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጎንጺ ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ፡ ብዛዕባ ቅልውላው እቲ ከባቢ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ክመኽሩ ከም ዝጸንሑን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኡሁሩ ኬንያታ ናብ ኣመሪካ ተዓዲሙ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ተዘራሪቡ ነይሩ እዩ፡፡

ዑደት እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋ ቻይና ንምብዳህ ዝዓለመ ምዃኑ ተንተንቲ ይዛረቡ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝተዘራረበ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን'ውን ኣብ መንጎ ንኽልተ መዓልቲታት ናብ ናይሮቢ ተጓዒዙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ፡፡