እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኢሰመኮ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝእሰሩ ዘለው ሰባት ትኹረት ከም ዘድልዮ ገሊጹ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ምስቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝተሓሓዝ ሰባት ኣብ ቀይዲ ዝውዕልሉ ኩነታትን ኣተሓሕዛ እሱራትን ቅልጡፍ ትኹረት ከም ዘድልዮ ገሊጹ።
ኢሰመኮ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ መደብራት ፖሊስን መጽንሒ ቦታታትን ምብጻሕ ብምግባር፣ እሱራትን ኣባላት ስድራ ቤቶምን ብምዝርራብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ካብ ዘለው ኣባላት ፖሊስን ኣመራርሓን ብምዝርራብ ሓበሬታ ከም ዝኣከበ ኣስፊሩ።
ይኹን'ምበር፡ ኣተሓሕዛን ኩነታት ማእሰርትን ዝምልከት ሓበሬታ ንምእካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ማሕለኻታት ከም ዘጋጠሞ ሓቢሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ: ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ ከተማታት ሰብ መዚ 'ካብ ላዕሊ ትእዛዝ እንተዘይመጺኡ ሓበሬታ ኣይንህብን' ስለ ዝበሉ እቲ ኮሚሽን ዝተዋህቦ ሓላፍነት ክፍጽም ኣይኽኣለን ይብል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ2 ሕዳር 2021 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ካብ ዝእውጅ ንነጀው መብዛሕትኦም ተጋሩ ዝኾኑ ሓደ ሽሕ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ትሕቲ እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ፡ ሰብ መዚ ሰባት ንምእሳር፣ ብዘይፍርዲ ጥርጡራት ንምእሳርን ብዘይ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ገዛ ምፍታሽን ስልጣን ረኺቦም'ዮም ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኸስስ።
እቲ ኮሚሽን "ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓደ ሽሕ ውልቀሰባት ተኣሲሮም'ዮም ተባሂሉ ይእመን። ገለ ጸብጻባት ግን እቲ ቑጽሪ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእምቱ" ይብል።
ኢሰመኮ ብወገኑ፡ ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብዝሒ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ምፍላጥ እኳ እንተዘይተኽኣለ፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ጥራይ 714 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው ክብል ጠቒሱ።
ኣብ ካልኦት ክፍለ ከተማታት'ውን ብተመሳሳሊ ኩነታት ማእሰርቲ ስለ ዝነበረን ሰባት ኣብ ቀይዲ ናይ ምውዓል ተግባር ስለ ዝቐጸለን: ኣብ ኢዲስ ኣበባ ጥራይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከይተኣሰሩ ኣይተርፉን ይብል።
ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣስታት 300 ሰባት ከም ዝተኣሰሩ መግለጺ እቲ ኮሚሽን ይሕብር።
ኣተሓሕዛ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ኣዝዩ ድኹምን መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ኣዝዮም ዝተጨናነቑ መደበራት ፖሊስ ተኣሲሮም ከም ዘለውን ክልቲኦም ትካላት ኣብ መግለጺኦም ሓቢሮም።
ብትሸዓተ ሕዳር ዝተኣሰሩ ዓሰርተ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጂ'ውን ኣብ ቀይዲ ይርከቡ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣሰሮም ሰራሕተኛታቱ ክፈትሖም ሓቲቱ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ ክሲ ከምዘየለን ስለምንታይ ከምዝተኣስሩን መግለጺ ሓቲቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ካብ 72 መራሕቲ መኪና ፍርቆም ከምዝተፈትሑ ትማሊ እቲ ውድብ ሓቢሩ ነይሩ።
ማእሰርቲ ተወለድቲ ትግራይ
እቲ ኮሚሽን ከምዝበሎ: "መብዛሕትኦም እቶም እሱራት ተጋሩ'ዮም። እዚኦም ንህወሓት ብምሕጋዝ ወይ'ውን ብምድጋፍ ብዝብል ጥርጣረ ዝተኣሰሩ'ዮም"።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ፖሊስ እቲ ማእሰርቲ ብሄር ተኮር ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ ጥራይ ዒላማ ዝገበረ ከም ዝኾነ ምግላጹ ይፍለጥ።
ሰባት ብጥቆማ ኣብ ቀይዲ ይውዕሉ ኣለው ዝብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ "መብዛሕትኦም ካብ ሕብረተሰብ ብዝርከብ ጥቆማ መሰረት ኣብ ቀይዲ ከም ዝውዕሉን ካብ ሞንግኦም ተወለድቲ ትግራይ ዝኾነ ሰባት ብዝሖም ዝለዓለ ከም ዝኾነን ምፍላጥ ተኻኢሉ'ዩ" ኢሉ።
ኣብታ ከተማ ብሄር ተኮር ማእሰርቲ ይፍጸም ኣሎ ድዩ ክብል ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ሕቶ ከም ዘቕረበ ድማ ኣመልኪቱ።
"ሰባት ብብሄሮም ምኽንያት ዘይኮነ ዝእሰሩ ዘለዉ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተጠርጢሮም ከም ዝኾነን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ዝሰፈሩ ክልተ ብሄር ተኮር ውድባት ምስ ምዃኖም እቶም ዝትሓዙ ሰባት ተወለድቲ ሓደ ብሄር ክመስሉ ይኽእሉ'ዮም" ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህቦ ድማ ገሊጹ።
ኣብዚ፡ ዕድሚኦም ክሳብ 80 ዓመት ዝበጽሕ ኣረጋውያን ሓዊሱ፡ ዘጥቡዋ ኣደታት፣ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሕሙማት፣ ተኸታታሊ ሕክምና ዘድልዮም'ዮም ዝብሃሉ ሰባት ሓዊሱ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ሓቢሩ።
"ገሊኦም መደበራት ፖሊስን መጽንሒ ቦታታትን ኣዝዮ ጸበብቲ፣ እኹል መናጽሂ ቦታ ዘይብሎምን እኹል ብርሃን ዘይረኽቡን'ዮም። ንኣብነት ኣብ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣረጋውያንን ሕሙማት ኣእምሮን ዝኾኑ ሰባት ሓዊሱ 241 ሰባት 20 ሜትሮ ብ10 ሜትሮ ኣብ ዝግመት ኣዳራሽ መናእሰይ ተታሒዞም ኣለው" ኢሉ።
ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ዝተኣሰርሉ ምኽንያት ከም ዘይፈልጡ ብምግላጽ "ብብሄር ምኽንያት ኢና ተኣሲርና" ኢሎም ከም ዝኣምኑን እቶም ዘዘራረቦም ሰባት ገሊጾም።
ካብዚ ብዝብገስ፡ እቲ ኮሚሽን ኣኽበርቲ ሕጊ "ምኽንያታዊ ጥርጣረ ምህላው ዘረጋግጽ መረዳእታ ክሳብ ዘይተረኽበ ሰባት . . . ኣረጋውያን፣ ዘጥብዋ ኣደታትን ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎም ሰባትን ብቕልጡፍ ክፍትሑ" ኣለዎም ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ዝኾነ ዓይነት ማእሰርቲ ድማ መንፈስ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተረዲኡ ብተመጣጣኒ ከምኡ'ውን ካብ ኣድልዎ ናጻ ብዝኾነ መልክዑ ክፍጸም ኣለው ክብል ሓቢሩ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣተሓሕዛ እሱራት ክመሓየሽ ከም ዘለዎ'ውን ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ካብ 23 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ተግባራዊ ዝኸውን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።
ድሕሪ'ዚ ብዘጋጥም ዘሎ ማእሰርቲ ብዝተሓሓዝ ድማ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ ትካላትን እቲ ኩነታት ከም ዘተሓሳሰቦም ይገልጹ።