እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦትን ዝካየድ ዘሎ ማእሰርቲ ከምዘሻቐሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ
ካብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ጎንደርን ባህርዳርን ካልኦት ከባብታትን ዝፍጸም ማእሰርቲ ምቕጻሉ ከምዘሻቐሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ገሊጹ።
ነቲ ኣብታ ሃገር ካብ 2 ሕዳር 2021 ጀሚሩ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ስዒቡ ፖሊስ ሰፊሕ ማእሰርቲ፣ ፈተሻን ማእሰርትን የካይድ ምህላዉ ብወሃቢት ቃል እቲ ኮሚሽን ዝወጸ መግለጺ ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ምስ ህወሓት ይሰርሑ'ዮም ብዝበል ጥርጠራ ዝተኣስሩ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ዘተሓስስብ ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ጠቒሱ'ሎ።
ኣካላት ጸጥታ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓድሽ ስጉምቲ ጃምላዊ ማእሰርትን ተፍትሽ ገዛ ንገዛን የካይድ ብምህላዉ ግዳያት ጃምላዊ ማእሰርትን ምፍርራሕን ንኸውን ኣለና ክብሉ ተጋሩ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊጾም ነይሮም።
እቶም 'ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለና' ብምባል ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ውልቀሰባት፡ ድሮ ኣባላት ስድራቤቶም፣ መሓዙቶምን መቕርባቶምን ካብ ዝነበሩሉ ናይ ስራሕ ቦታ፣ ቤት ብልዒ፣ መዘናግዒ ቦታን መጓዓዝያን ተገፊፎም ተወሲዶም ይብሉ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮማንደር ፋሲካ ፈንታ፡ "ኣብቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ዝተኣሰሩ ተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ኣይኮኑን፤ ግን ከኣ ብቐንዱ ንሳቶም'ዮም" ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ ነይሩ።
ኲናት ትግራይ ካብ ዝጅመር ንድሓር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ማሕበራዊ መነባብሮ ዝርከቡ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ተወለድቲ ትግራይ 'ብሰንኪ መንነት' ግዳያት ማእሰርቲ ከም ዝኾኑን ትካላት ንግዶም ከም ዝተዓጽወን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
እዚ ሓድሽ ዙርያ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ድሕሪ እቲ ሓይልታት ትግራይ ንዓበይቲ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝኾና ደሴን ኮምቦልቻን ምቁጽጻሮምን፡ መንግስቲ "ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ዝተሓብኡ ዕሱባት ህወሓት ኣለው'ዮም" ምባሉን ስዒቡ ዘጋጥም ዘሎ እዩ።
ብዝሒ እሱራት?
እቶም ዝበዝሑ እሱራት ተወለድቲ ትግራይ ከምዝኾኑ ዘመልክቱ ጸብጻባት ምህላዎም ዘመልከተ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፤ ምስ ህወሓት ርክብ ኣለኩም ብዝብል ተጠርጢሮም ብቐጻሊ ከምዝእሰሩ ሓቢሩ።
”ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ብውሕድ 1 ሽሕ ውልቀሰባት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሲሮም ኣለዉ። ገለ ምንጪታት ድማ እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእል የመልክቱ” ይብል ኣብ መግለጺኡ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቅድሚ ዝተወሰኑ መዓልታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፤ “ንዓሌት መሰረት ዝገበረ ዝመስል” ማእሰርቲ ይፍጸም ምህላዉ ብምሕባር፤ እዚ ደው ክብል ሓቲቱ ምንባሩ ይዝከር። ኣየናይ ብሄር ወይ ዓሌት ዒላማ እቲ ማእሰርቲ ከምዝኾነ ግን ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ’ሎ።
ንተወለድቲ ትግራይ ጥራሕ ዘነጻጸረ ማእሰርቲ ይፍጸም የለን ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ምስ ምውሓስ ጸጥታ እታ ሃገር ብዝተሓሓዝ ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ብሄሮም ብዘየገድስ ይተሓዙ ምህላዎም ይምጉት።
“እቶም እሱራት ዝተትሓዙሉ ኩነታት ምዕሩይ ከምዘይኮነ ይግለጽ። ቁጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ ዝኾነ እሱራት ኣብ ጸበብቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ይርከቡ” ዝበለ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፤ ደረጃታት ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ይጠሓሱን ድኹም ኣተሓሕዛ እሱራት ከምዘሎን ኣፍሊጡ።
መስርሕ ፍርዲ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንላዕለዎት ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልእ ከባብን ኮይኖም ኣፍ ጸላኢ ብምዃን ንህዝብና ዕጥቂ ዘፍትሑ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰዶም ይግባእ" ብምባል ፈጸምቲ ኣካላት ከተግብሩዎ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ካብ ትግራይ ወጻእ ዘለው ተወለድቲ ትግራይ ሓያል ስነ ልቦናዊ ጸቕጢ ክፈጥሩ እንከለው፡ ናይ ድሕነት ስግኣት ክዓስሎም ከም ዝገበሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም ነይሮም።
መብዛሕቲኦም እሱራት ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉሉ ምኽንያት እውን ከምዘይፈልጡ ዝሓበረ መግለጺ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፤ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን መንቀሊ መእሰሪኦም ናብ ዝንገሩሉ ካልእ መድረኽ ከምዘይተወሰዱን ገሊጹ።
ወግዓዊ ክሲ ከምዘይተመስረተ ብምግላጽ ድማ “በቶም ዝበጽሑና ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝፍጸሙ ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛ እሱራት ከምዘሎ ዝገልጹ ጽብጻባት ተሻቒልና ኣለና” ኢሉ።
“ውሕስነት እቶም እሱራት ዝተሓለ ክኸውን፤ ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕለወሎም፤ ፍትሓዊ መስርሕ ፍርዲ ክህሉ ንጽውዕ” ክብል ድማ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብዚ እዋን 10 ኣባላቱን 34 ዘወርቲ መኻይንን ሕዚ’ውን ኣብ ማእርቲ ከምዝርከቡ ብምግላጽ ኩሎም ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዑ’ሎ።
እንተይኮይኑ “ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ይኹን ካልእ ዘይሻራዊ ኣካል ምጽራይ ክግበረሉ ወይ ብወግዒ ክሲ ክቐርበሎም ኣለዎ” ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምህላዉ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ይቕጽል ምህላዉን፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድዶ ምህላዉን ይግለጽ።