እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ኣባላት ህወሓት' ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም
ኣመሓዳሪት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ፡ ኣብ’ታ ከተማ ብሓላፍነት ክሰርሑ ዝጸንሑ ‘10 ኣባላት ህወሓት’ ከምዝተኣሰሩ ተዛሪባ።
ኣዳነች፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ‘ኣባላት ህወሓት’ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ‘ግብረ-ራዕዲ ንምፍጻም ይንቀሳቐሱ ነይሮም’ ክትብል ከሲሳቶም።
እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ዛጊድ ብዛዕባ እዚ ክሲ መልሲ ኣይሃቡሉን።
እታ ኣመሓዳሪት’ውን ናይ’ቲ ክፍጽሙዎ ሓሲቦምዎ ነይሮም ዝበለቶ ‘ግበረ ራዕዳዊ ምንቅስቓስ’ ዝርዝር ኮነ መረዳእታ ኣይሃበትን።
ኣብ መንጎ ሰልፍታት ብልጽግናን ህወሓትን ምስሕሓብ ምስተፈጠረ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓላፍነት ክሰርሑ ዝጸንሑ ኣባላት ህወሓት በብእዋኑ ካብ መዝነቶም ከምዝተኣለዩ ዝዝከር እዩ።
ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድማ ተጠርጢሮም ምስተኣስሩ፡ ቤት ፍርዲ ብነጻ ክፍትሑ ምእዛዙ ዝዝከር እዩ።
ይኹን’ምበር፡ ገለ ኣባላት ሰልፊ ህወሓት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይሰርሑ ምህላዎም እያ እታ ኣመሓዳሪት ተዛሪባ።
“ዋላኳ ኣባላት ህወሓት እንተኾኑ፡ ብዝተውሃቦም ሓላፍነት ከገልግሉ እዮም ኢልና ዝኣመንናዮም ኣስታት 240 ዝኾኑ ናይ ህወሓት ኣመራርሓ ኣብ መሓውር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣለዉ” ኢላ ብቀዳም ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ።
ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ክትዛረብ እንከላ ድማ “ክጠልሙና እዮም ኢልና ኣይሓሰብናዮን ነይርና” ክትብል ተዛሪባ።
ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ መንግስቲ ብዝቐረበሉ ጻውዒት፡ ብዓርቢ ጥራይ ክልተ ሽሕ “ጥቆማ” ሂቡ ድማ ኢላ።
ኣብ’ታ ከተማ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ “ሰላማዊ ምንቅስቓስ ይገብሩ እዮም ዘለዉ” ዝበለት እታ ኣመሓዳሪት፤ እንተኾነ “ታሪኻዊ ጌጋ ከይትፍጽሙ” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፋ።
ቅድም ክብል፤ ካብ ትግራይ ወጻኢ፡ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ሃገርን ኮምሽን ፌደራል ፖሊስን ዝሰርሑ ተወለድቲ ትግራይ ዕጥቆም ፈቲሖም ተወሳኺ መምርሕታት ክሳብ ዝወሃቦም ክጽበዩ ከምዝተገበረ ቢቢሲ ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ።