ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም

ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባን ኣቶ ተወልደ ገብረፃድቃ ሓደ ካብቶም ኣብታ ከተማ ዝተኣሰሩ ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ኣይተ ተወልደ ትማሊ ከምዝተኣሰረ ካብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሰሊ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ነበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣባል ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ዝኾነ ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ።

ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሕጊ ፌደራል ኮይኑ እናሰርሐ ዝርከብ'ዩ።

ብዘይካ እቶም ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ፡ ዘዋሪ መኪና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህወሓት ኣይተ ኣለም ገብረዋህድ ዝኾነ ኣይተ ስምዖን እውን ከምዝተኣሰረ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ዘዋሪ መኪና ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባን ኣቶ ተወልደ ገብረፃድቃን'ውን ተኣሲሩ'ሎ።

ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉሉ ምኽንያትን ኣበይ ከምዝተኣሰሩን ግን ዛጊድ ዝተፈለጠ ነገር የለን።