"ካብ ዋሕዚ ሓበሬታ፡ ህይወት ህዝብና ንምድሓን መሪጽና ኣሎና" ዛዲግ ኣብርሃ

ኣብ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብማዕርግ ሚኒስተር፡ ሚኒስተር ህንጸት ዴሞክራሲ ዝኾነ ኣቶ ዛዲግ ኣብርሃ ኣብ እዋናዊ ዛዕባታት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ መንግስቲ ንዝቃወምዎ ይኣስር ከም ዘየሎ ተዛሪቡ።

ኣቶ ዛዲግ፡ ድሕሪ ቅትለት ሃጫሉ ኣብ ኦሮምያን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋዕ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት፡ ጋዜጠኛታትን መንእሰያትን ብምጥቃስ፤ መንግስቲ ምስ ፖሊሲኡ ዘይሰማምዑ ይኣስር እንተሎ ቢቢሲ ንዘቕረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እዩ ነዚ ዝበለ።

ኣቶ ዛዲግ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተራእየ ለውጢ ብምጥቃስ ኣብ መንጎ መንግስተን እቲ ሕብረተሰብን ዘሎ ርክብ ንምቅያር ክስራሕ ከም ዝጸንሐ ተዛሪቡ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸስተ ዕግርግር ብዝምልከት ሕጂ ዝግበር ዘሎ፡ ሕሉፍ ዝኾን ምጥሓስ ሕጊ እዩ ብምባል፡ በዚ ድማ ህይወት ብዙሓት ከም ዝጠፍአ ሓቢሩ።

"መንግስቲ ነቲ ኩነታት ክቆጻጸሮ ይግባእ እዩ. . . መንግስቲ ሕጊ ከኽብር ካብ ህዝቢ ልዑል ድልየት ነይሩ፤ ንሕናውን ኣብ ልዕሊ እቶም ሕጊ ዝጠሓሱ ኢና ስጉምቲ ዝወሰድና. . . እዚ ድማ መሰረታዊ ዕላማ መንግስቲ እዩ" ድሕሪ ምባል እቲ ብመንግስቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ግቡእ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ድሕሪ ቅትለት ስነጥበበኛ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝሰዓበ ዘይምርግጋዕ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው። እዞም ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ብዝተወስደ ስጉምቲ ዝተቐትሉ እንተኾይኖም ዝተሓተተ ኣቶ ዛዲግ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብቲ ጎንጺ ዘጋጠመሉ ቦታታት ክዋፈር ከሎ፡ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተዓቂቡ ምንባሩ ብምግላጽ፡ በዚ ኣባላት ጸጥታ'ውን ግዳይ ከም ዝኾኑ ሓቢሩ።

ኣቶ ዛዲግ ኣብቲ ዕግርግር ዝነበረሉ ስፍራታት፡ ሓድሕዳዊ ጎንጽታት ምንባሩ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ዝተዓጸዋ መራኸቢ ብዙሓን

መንግስቲ ነቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝቐጸለ ኩነታት ከም ዝተቆጻጸሮ ብምሕባር፤ ብመቕተልቲ እቲ ስነጥበበኛ ሓዘኖም ዝገልጹ መንእሰያት ከም ዝነበሩን በንጻር እዚ፡ ኣብ መንጎ ብሄራትን ሃይማኖታትን ጎንጺ ንምልዓል ዝፈተኑ፡ መራኸቢ ብዙሓን ብምንባረን ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ገሊጹ።

መንግስቲ መራኸቢ ብዙሓን ምዕጻው፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ምዕፋን ዶ ኣይኮነን ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣቶ ዛዲግ፡ ሕጂ'ውን ንሕጊ እታ ሃገር ኣኽቢሮም ዝሰርሑ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ስራሕ ምሕላወን ይሕብር።

"ናይ ምዝራብ ነጻነት ፍጹም መሰል ኣይኮነን" ብምባል ድማ እተን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ መንጎ ብሄራት ጎንጺ ንምልዓል ከም ዝፈተና ሓቢሩ።

"እዚ ክኸውን ድማ ኣይነፍቅድን . . . ቀዳምነት ንህይወት ሰባት ክንህብ ኣሎና" ኢሉ።

ኣቶ ዛዲግ ሕጂ'ውን ምስ መንግስቲ ዘይሰማምዑ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ንሕጊ እታ ሃገር ኣኽቢረን ይሰርሓ ኣለዋ ብምባል እተን ፈነወታተን ዝተቋረጸን ሓደ ወይ ክልተ እየን ኢሉ።

ምዕጻው ኢንተርነት

ምዕጻው ኢንተርነት፡ ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሎም ምክልኻል ምዃኑ ብምጥቃስ ዝተሓተተ ኣቶ ዛዲግ፡ ኢንተርነት ንናይ ጽልኢ ዘረባ መሳርሒ ኮይኑ ምህላው ሐቢሩ።

ኢንተርነት ኣብ መንጎ ብሄራትን ሃይማኖታትን ጎንጺ ንምልዕዓል፡ መሳርሒ ኮይኑ የገልግል ምህላው ዝሓበረ እቲ ሚኒስተር ህንጸት ደሞክራሲ፡ ካብ መንጎ ነጻ ዋሕዚ ሓበሬታን ህይወት ህዝብናን ክንመርጽ ነይሩና ብምባል ንህይወት ሰብ ቀዳምነት ሂብና ኣሎና ኢሉ።

ኣብ ኢንተርነት ዝዝርጋሕ ዘረባታት ጽልኢ፡ ህዝብታት ብሓባር ናይ ምንባር ባህሊ ንሓደጋ ኣቃሊዕዎ ምህላው ብምግላጽ፡ "ንኹሉ ምስ ተቖጻጸርናዮ ክምለስ እዩ" ኢሉ።

ኣብቲ ዝተኸስተ ዘይምርግጋዕ፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ከም ዝተሳተፉ መንግስቲ ርግጸኛ ምዃኑ ዝሓበረ ኣቶ ዛዲግ፤ መን እዩ ኣብ ዝብል ግን እቲ መርመራ ክሳብ ዝዛዘም ምዝራብ ግዚኡ ከም ዘይኖኮነ ተዛሪቡ።