ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድን ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ይመጽእ ኣሎ

ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ ቅልውላው ኣጋጢሙ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብዚ ቅልውላው ኸኣ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝነበረ ምትፍናን እናገደደ ይመጽእ ኣሎ።

መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ኣብዚ ቅልውላዋት ኢድ ኣለዎ እናበለ ይኸስስ። ህወሓት ብወገኑ፡ ነዚ ኹሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ዘሎ ቅልውላዋት፡ ኣብዪ ኣሕመድ እዩ ዝሕተተሉ ዝብል ቅዋም ሒዙ'ሎ።

ንትግራይ ዘመሓድር ውድብ ህወሓት፡ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንምምሕዳር ኣብዪ ኣሕመድ ብትሪ ነቒፉ።

እቲ ብፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ዘሎ ወጥሪ ኣብ ዝለዓለ ጫፍ በጺሑ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ።

መግለጺ ህወሓት እንታይ ይብል?

እቲ ብሮቡዕ ምሸት ዝወጸ መግለጺ "ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ንዝበጽሕ ዘሎ ጥፍኣት ብሕታዊ ተሓታቲ ኣብ ኣራት ኪሎ [ቤተ መንግስቲ ኢትዮጵያ] ዘሎ ውልቀመላኺ ኣሃዳዊ ጉጅለ እዩ" ይብል።

ነቲ "ጉጅለ" እናበለ ዝጽወዖ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ድማ "ዝጀመሮ ሃገር ናይ ምፍራስን ህዝብታት ናይ ምግጫውን ፖለቲካዊ ድራማ፡ ኣጠናኺሩ ቀጺልሉ ኣሎ" ይብል።

ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣንጻር እዚ ምምሕዳር ተቓውሞታቶም ይገልጹ ምህላዎም'ውን ይጠቅስ።

"ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ቅትለት ቁጠዐኡ ዝያዳ ብምሕያል ነዚ ጽግዕተኛ ዝበስበሰ ጉጅለ ተኣለየልና እናበለ ይርከብ" ኢሉ።

ህወሓት ኣብ መግለጺኡ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሚድያታት ምዕጻዉ ከምዘቖጠዖ'ውን ኣንጸባሪቑ።

"ብኢደወነኑ ድምጺ ህዝቢ ትግራይ ኮይነን ከገልግላ ንዝጸንሓ ልሳናት ህዝቢ ትግራይ ንዝኾና፡ ድምጺ ወያነ ትግራይን ቴሌቪዥን ትግራይ ከምኡ'ውን ቻነል 29 ብምዕጻው፡ ንህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘለዎ ንዕቀትን ጽልኣትን ደጊሙ ኣንጸባሪቑ'ሎ" ኢሉ።

ኣብዪ ኣሕመድ "ብፍላይ ድማ ካብ ህዝቢ ኦሮሞ ንዘጓነፎ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ፡ ናይቲ ቃልሲ ቅድመ ግንባር ንዝኾኑ ኣካላት ምጥፋእን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርቲ ምድጓንን ዕለታዊ ተግባሩ ኾይኑ'ሎ" ይብል እቲ መግለጺ።

ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ፡ "ውልቀ መላኺ" ዝበሎ ኣብዪ ኣሕመድ "ዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ጥፍኣት ካብ ምውሳድ ጋእ ናብ ዘይብለሉ ብርኪ ስለዝበጽሐ፡ ንወሳናይ ግጥም ተዳሎ" ዝብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብዪ ኣሕመድ "ነዛ ሃገር ናብ ዓዲ ዴሞክራሲ ከሰጋግራ እየ" ብምባል ንማሕበረሰብ ዓለም ሸፊጡ እዩ ድማ ይብል።

"ዝሓዞ ስልጣን ንምድልዳል፡ ዝተፈለየ ሓሳብ ንዘለዎም ኣካላት ኩሎም ምቕታል፡ ምእሳርን ምፍርራሕን ካብ ዝጅምር ጸኒሑ'ሎ" ክብል ህወሓት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ነቒፉ።

ኣብ ልዕሊ ህወት ዝቐርብ ክስታት

ቅድም ክብል ኣባል ህወሓት ዝነበረን፡ ሕዚ ብኣብዪ ኣሕመድ ሚኒስተር ህንጸት ዲሞክራሲ ኮይኑ ዝተሸመን፡ ንህወሓት ክነቅፍ ዝጸንሐ ኣይተ ዛዲግ ኣብርሃ፡ ኣብ'ቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ 'ህወሓት ኢድ ኣለዎ' ክብል ከሲሱ።

ንቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ንዝተልዓለ ናዕቢ "ገለ ዝተወደቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክብለጽሉን ከጋድድዎን ፈቲኖም" ክብል ድማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ "ህወሓትን ሸኔ ዝበሃል ዕጡቕ ጉጅለ ኦነግን ኢድ ኣለዎም" ክብል ድማ ከሲሱ። እንተኾነ፡ እቲ ጉዳይ ገና ይጻረይ ምህላዉ እዩ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ፡ ውሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣይተ ንጉሱ ጥላሁን'ውን ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተርኣየ ቅልውላው፡ ን 'ኦነግ ሸኔ' ከምኡ ድማ "ኣብ ስልጣን ነይሩ" ንዝበሎ ሓይሊ ከሲሱ። እዚ ኣገላልጻ፡ ሰብ መዚ ፌደራል መንግስቲ፡ ንህወሓት ንምምልኻት ክጥቀምሉ ዝጸንሑ እዩ።

"ቅድም ክብል ኣብ መዝነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሃብቲ ሃገርን ህዝብን ዝዘመተ ጉጅለን ጉጅለ ኦነግ ሸኔን ብጥምረት ኮይኖም፡ ሕዚ'ውን ኣብ'ቲ ሕብረተሰብ ሽብር ብምንዛሕ፣ ብምድንጋርን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምሃብን፤ እቲ ሕብረተሰብ ናብ ዕግርግር ኣትዩ ሃገር ናብ ጸገም ክትኣቱ ንምግባር ይሰርሕ ኣለዉ" ኢሉ።

ቅድሚ ምጽራይ ዝቐርብ ክስታት

ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ፡ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳን ስዒቡ ዝተፈጠረ ናዕብታትን ኣመልኪቱ፡ ሎም ቅነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብግልጺን ብዘይ ሻራውን መገዲ ክጻረ ሓቲቱ እዩ።

ቅድሚ ምጽራይ ዝቐርብ ክስታት ድማ፡ ነቲ ኩነታት ከምዘጋድድ ኣጠንቂቑ እዩ።

ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝምልከት፡ መርመራ ፖሊስ ገና ዘይተዛዘመ እንተኾነ'ኳ፡ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ተግባር መን ከምዝፈጸሞ ዘመላኽቱ መግለጺታት ከምዝሃቡ ክራይስስ ግሩፕ ይጠቅስ።

ኣብታ ሃገር ንዘጋጥም ሕድሕድ ቅልውላዋት፡ 'ኣብ ዘይወዓልናዮ ተሓተትቲ ንግበር ኣለና' ዝብል ቅርታ ዘለዎም መራሕቲ ህወሓት፡ እቲ ሕዚ ዝቐርበሎም ዘሎ ክሲታት'ውን፡ ተመሳሳሊ ቁጥዐ ከምዝፈጥረሎም እቲ ትካል ኣሚቱ ነይሩ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ፡ እቶም ቅትለታት ብዝምልከት ምሉእ ምጽራይ ከይተገብረ ምእንፋት ደው ከብሉ ኣለዎም ክብል'ውን ኣጠንቂቑ ነይሩ።