እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዘይተመልአ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን፡ ውሽጣዊ ወጥሪ ኢትዮጵያን
ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብ9 ሓምለ 2018 ስምምዕ 'ሰላምን ምሕዝነትን" ፈሪመን ኣብ መንጎአን ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኩነተ-ኲናት ኣብቂዑ ኢለን ካብ ዝእውጃን፡ እቲ 'ኣይ-ሰላም-ኣይ-ኲናት' እናተባህለ ዝግለጽ ዝነበረ ምትፍናን ኣኽቲሙ ካብ ዝበሃልን ሎሚ ክልተ ዓመት ኮይኑ'ሎ።
እቲ "ተባዕ" ስጉምቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን፡ ዓጸፋ ግብረመልሲ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ሃንደበት ዝተኸስተ ሰላም ዝፈጠሮ ሩፍታ፡ ሓጎስን ተስፋን ካብ ኣደራሻትን ቅርዓትን ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘቃልሐን'ዩ ነይሩ።
ኣብ ጥቅምቲ 2019፡ ኖበል ኮሚቲ፡ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምሃቡ፡ ዓለም ንሰላም ክልቲአን ሃገራት ዝሃበቶ ሚዛን ዘርኢ'ዩ።
ኣብታ ክረምቲ እቲኣ፡ ነጎዳ ሰላም፡ ምጅማር በረራታትን፡ ምኽፋት መስመር ቴለፎንን ኣበሲሩ። ብፍላይ ኣብ መስከረም፡ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ፡ ዶባት ብወግዒ ተኸፊቶም፡ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ባይታ ክተሓቛቖፉ በቒዖም።
እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣድህቦ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝሰሓበን፡ ኣብቲ ዞባ ሓድሽ ናይ ምርግጋእ ሃዋሁ ከስፍን'ዩ ዝተባህለሉ፡ ኣብ ውሽጢ ናይ ኣዋርሕ እዋን፡ ነቲ ዝተፈጥረ ፈንጠዝያ ዝዘርግ ምዕባለታት ክረአ ጀሚሩ።
ትሕዝቶ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነት" 9 ሓምለ 2018፡
- ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሃዋህዉ ኵናት ምብቃዕን ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን ምምስራትን
- ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ፖለቲካ፣ ማሕበረ-ቑጠባዊ ርክባት፣ ባህልን ጸጥታን ሓቢርካ ምስራሕ
- ምንቅስቓሳት ንግዲ፣ መጓዓዝያን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ናብ ንቡር ምምላስን ዲፕሎማሲያዊ ርክባትን ንጥፈታትን ምሕዳስዉሳነ ኮሚሽን ዶብ ምትግባር
- ዞባዊ ሰላም፣ ልምዓትን ዉህደትን ከረጋግጻ ብሓባር ምስራሕ ዝብሉ ሓሙሽተ መትከላት ስምምዕ ይርከቡዎም።
ዶባት ስለምንታይ ዘይተሓንጸጸ?
እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ነቲ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኩነተ-ኲናት ዘኽተመ "ሓድሽ ምዕራፍ ሰላምን ምሕዝነትን" ዝኣወጀ'ዩ ነይሩ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ ድማ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን ናብ ንቡር ብምምላስ ኣብ ርእሰከተማታተን ኤምባሲ ከፊተን፡ ኣምባሳደራተን መዚዘን።
ይኹን እምበር፡ እቲ ቀንዲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ነጥቢ ናይቲ ስምምዕ፡ እቲ ጠንቂ ናይ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ሂወት ኣስታት 100 000 መንእሰያት ዝቐዘፈ ግጭትን ምትፍናን ዝኾነ ጉዳይ ዶብ ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ኣይረኸበን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት "ናይ ዶብ ሽግር ካብቲ [ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ] ዝተዛረበሉ እዋን ክሳብ ሎሚን፡ ናይ ባድመን ከባቢኡን እንተሪኢና ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ'ዩ ዘሎ" ኢሉ ነይሩ።
"ስለምንታይ ክምለስ ኣይካኣለን እንድሕር ኢልና፡ እቲ ዝጠፈሸ ጃንዳ [ህወሓት] ነዚ ናይ ዶብ ኩነታት ከም መሀደዲ በቲ ሓደ ወገን፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ መጣልዒ ንምሓዙ ምእንቲ፡ ኣብ ውሽጢ እዘን ዓመትን ፈረቓን ኣብ ባድመን ከባቢኡን እንታይ ምዕባለታት መጺኡ እንተ ኢልና፡ ኣብ ዝርዝር ከይኣተና፡ መመሊሱ ከፊኡ" ብምባል ኣብታ ዶባዊ ኲናት ዝተወላዓላ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዘላ ንእሽቶ ከተማ ገዛውቲ ይስራሕ ምህላዉ ከሲሱ።
ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ 2000 ዝቖመ ኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት፡ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ወሲኑ'ዩ።
መራሕቲ ህወሓት፡ ንክሲ ፕረዚደንት ግብረመልሲ ክህብሉ ድሌት ከምዘይብሎም ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ብ20 ሰነ 2018፡ እቲ ፕረዚደንት ቀዳማይ ስጉምቲ ሰላም ኣብ ዝወሰደሉ እዋን፡ ንህወሓት ብምኹናንን፡ "ገይም ኦቨር" (ጸወታ ኣብቂዑ) ብምባል'ዩ ንመስርሕ ሰላም ፈሊምዎ።
ኩነተ-ኲናት ኣብ ባይታ ኣይተቐየረን
ክልቲአን ሃገራት፡ ዋላ'ኳ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናአን እንተ ሓደሳ፡ ናብ ንቡር ሰናይ ጉርብትና ኣይተመለሳን።
ኣብ ክረምቲ 2018 ዝተኸፍቱ ዶባት፡ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ምስ ተዓጽዉ ክሳብ ሕጂ ዘይምኽፋቶም፡ ነቲ ዝተፈረመ ሰላም ዘይምሉእ ጌርዎ ይርከብ።
ብመሰረት መራሕተን ዝኣተውዎ መብጽዓ፡ ኣፍደገታተን ከፊተን "ማሕበረ-ቁጠባዊ" ርክባት ከካይዳ'ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ መስመራት ንግዲ፡ ንሒደት ኣዋርሕ ምስ ተራሕወ፡ መሊሱ ተረጊጡ ንብዙሓት ኣደዳ ህርፋን ገይሩ ገዲፍዎም።
እቲ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝተወስደ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ። ደሓር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ጸጥታ ብዝተሓሓዝ ምዕጻዉ በጨቕ ኣቢሉ ነይሩ። ግና፡ ንሱ'ውን ንጹር መግለጺ ኣይነበረን።
ካብ ኩሉ ስክፍታታት ፈጢሩ ዝርከብ ድማ፡ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ን20 ዓመታት ዝተፋጠጥሉ ግንባራት ዘይምስሓቦም'ዩ።
እዚ ድማ ኩነተ-ኲናት ጠቕሊሉ ከምዘይተቐንጠጠ ዘርኢን፡ ኲኖኡ'ውን ሻቕሎት ደግሲ ግጭት ፈጢሩ ይርከብ። ሓቂ'ዩ፡ እቲ ወጥሪ ካብቲ ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ዝነበሮ ወሪዱ ከም ዘሎ'ዮም ጸብጻባት ካብቲ ዶባት ዝሕብሩ።
ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃም፡ ኣብ ካናዳ ዝነብር ኤርትራዊ ተጣባቒ ሰባዊ መሰላት ኮይኑ፡ እቲ ክፍጠር ዝኽእል ግጭት ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን (ህወሓት) ክኸውን ከም ዝኽእል'ዩ ዝዛረብ።
"እቲ ክትፈልጦ ዘይትኽእል፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣብ ዶባት ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እንታይ ክገብር ይኽእል'ዩ?"
እዚ ድማ፡ ኲኖቲ ዘስዕቦ ናይ ሰብን ንብረትን ክሳራ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ'ውን እንተኾነ፡ ካብዚ ዘለዎ ዝኸፍአ ሕንፍሽፍሽ ክፈጥር ይኽእል'ዩ ይብል ኣቶ ኩሉብርሃን።
"ነቲ ዞባ'ውን፡ ናብ ካልእ ዘይምርግጋእን፡ ኲናት ሓድሕድን ከምርሕ ይኽእል'ዩ" ብምባል'ውን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ይገልጽ።
ተስፋ ፖለቲካዊ ለውጥታት ኣብ ኤርትራ
እቲ ስምምዕ ሰላም ብፍላይ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣሕዲርዎ ዝነበረ ተስፋ፡ፖለቲካዊ ለውጥታት ኣብ ሃገሮም ክርእዩ ዝነበሮም ሃንቀውታ'ዩ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ኣብዚ መዳይ ዘርኣዮ ዝኾነ ተበግሶ የለን። እታ ሃገር ሕጂ'ውን ብዘይ ቅዋምን ሓጋጊ ኣካልን (ሃገራዊ ባይቶ) ብመሪሕነት ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ያ ትኸይድ ዘላ።
ናጻ ፕረስ ተኣጊዱ፡ ፖለቲካውያን ውድባት ይኹና ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብታ ሃገር ክንቀሳቐሳ ይፍቀደለንን።
እቲ ብዙሓት ትጽቢት ዝገበርሉ ምፍታሕ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት'ውን ማህሚኑ ተሪፉ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብዘይፍርዲ ኣብ ምስጢራዊን፡ ወግዓውን ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰባዊ መሰላት ይኸሱ።
ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ፡ ኮሚተ ሽልማት ኖበል ሰላም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምጉሳይ፡ ነቲ ብሰንኪ'ቲ ስምምዕ ሰላም ዝተረኽበ ሽልማት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ጥራይ ሂቡ።
ንመንሰያት ኤርትራ'ውን፡ ደረት-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣየኽተመን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሕጂ'ውን ሃገሮም ገዲፎም ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ይውሕዙ ኣለዉ።
ቀንዲ ዕለታት መስርሕ ሰላም ኤርትራን-ኢትዮጵያን
- 28 መጋቢት 2018 - ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦመንበር ኢህወዴግ ኮይኑ ተመሪጹ
- 2 ሚያዝያ 2018 - ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመሪጹ
- 05 ሰነ 2018 - ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንስምምዕ ኣልጀርስን ውሳነ ኮሚሽንን ብዘይቅድመ-ኩነት ክቕበሎ ውሳነ ኣሕሊፉ
- 20 ሰነ 2018 - ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓደ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ
- 26 ሰነ 2018 - ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም
- 8 ሓምለ 2018 - ኣብዪ ኣሕመድ ኣስመራ ኣትዩ
- 9 ሓምለ 2018 - ስምም "ሰላምን ምሕዝነትን" ተፈሪሙ
- 14 ሓምለ - ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ
- 17 መስከረም 2018 - እቲ ስምምዕ ጂዳ ተፈሪሙ