እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ህወሓት ንሰባት ብምቕንጻል ፖለቲካዊ ነጥቢ ንምርካብ ዝኣምን ውድብ ኣይኮነን" ጌታቸው ረዳ
ገለ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ቅትለት ኣርቲስት ሃጫሉ፡ ናይ ኦነግ ሸኔን ህወሓትን ኢድ ከምዘሎ ይገልጹ።
ቢቢሲ ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ ዝበሃል ፕሮግራም፡ ኣብታ ሃገር ምስ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ንዝቐርቡ ሕቶታት ከምኡ'ውን 'ህወሓት ኣብ ቅትለት ሃጫሉ ኢድ ኣለዎ" ዝብል ከቢድ ክስታት ብዝምልክት ንኣባል ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት አይተ ጌታቸው ረዳ ኣዘራሪብዎ ኣሎ።
"ህወሓት ፖለቲካዊ ረብሓታት ንምርካብ ብዝብል ንሰባት ምቕታል ከም ኣማራጺ ዝጥቀም ውድብ ኣይኮነ" ዝብል መልሲ ሂቡ።
አይተ ጌታቸው፡ ኣስዒቡ ድማ "ህወሓት ንሰባት ብምቕንጻል ፖለቲካዊ ነጥቢ ኣብ ምርካብ ዝኣምን ውድብ ኣይኮነን። ነዚ ዝገብረሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት የለን። ስለዚ ብቕትለት ሃጫሉ ንህወሓት ምኽሳስ ውጹእ ሓሶት እዩ" ኢሉ።
ኣንፈት ክሲታት ቅትለት ሃጫሉ ብምቕያር ድማ፡ "ንምንቅስቓስ ሃጫሉ ዝቃወሙ ሰባት ነይሮም። እዚ ከኣ ኣብ ዙርያ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር ናብ ዘለዉ ሰባት'ዩ ዘመልክት" ክብል ኣብሪሁ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝፍጸሙ ሕመቓት ንህወሓት ተሓታቲ ምግባር እናተለመደ ከምዝመጽአ ዝሓበረ ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብታ ሃገር ንዝፍጠሩ ጸገማት ኩሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ተሓታቲ ይገብር።
ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ አብ ሞንጎ ብልጽግናን ህወሓትን ጥራይ ዘይኮነስ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባትን ጉጅለታትን ዘሳተፈ ዘተ ኣገዳሲ ከምዝኸውን ኣዘኻኺሩ።
ምጥቕቓናት
ብቕትለት ፍሉጥ ስነጥበባዊ ኦሮሞ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተጠርጠሩ ዓሰርተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ'ዩ።
ብመንን ንምንታይን ከምዝተቐተለ ግን ዛጊድ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም ኣብ ዝወጽኡ ዘለዉ መግለጽታት፡ ኣብ ፈጻምነት እቲ ቕትለት ምጥቕቓናት ይረኣዩ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ ስርዓተ ቀብሪ እቲ ስነጥበባዊ ኣብ ዝተፈጸመሉ መዓልቲ ኣብ ክልላዊ ቴሌቪዥን ኦሮሞ ብሮስዳስቲንግ ኔትዎርክ ቀሪቡ ንኽልቲኦም ኣካላት ንሸኔን ህወሓትን ተሓተትቲ ገይሩ ነይሩ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረስ ሴክረታርያት ቀዳማይ ሚንስትር ዝኾነ ኣቶ ንጉሱ ጥላሁን'ውን ብድሕሪ ቕትለት ሃጫሉ ዝተወለዐ ዕግርግርን ዘኸተሎ ጉድኣትን ብዝምልከት መግለጺ ሂቡ ነይሩ።
ንሱ ብማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ብዝርዝርን ብቐጥታን እንተዘይገለጸ'ኳ ኣብቲ ዝተፈጠረ ቅልውላው ናይ ህወሓት ኢድ ኣእታውነት ከምዘሎ ኣመልኪቱ'ዩ።
ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእ ንምፍጣር ይጽዕሩ ካብ ዘለዉ ጉጅለታት እቲ ሓደ "ኦነግ ሸኔ" ከምዝኾነ ብስም ዝጠቐሰ ኣቶ ንጉሱ፡ ነቲ ካልእ ኣካል ከኣ "ቅድም ክብል ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ጉጅለ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ኣስዒቡ ንመንእሰይን ህዝብን ትግራይ ኢሉ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ "መዕነዋይ ልእኽቶ ዘለዎ እዚ ጉጅለ ነቲ ዝተፈጠረ ህውከትን ጎንጽን ብዋናነት፣ ብምትላምን ብመራሕነትን ይሳተፍ ስለዘሎ፤ ነቲ ጉጅለ ይኣከል ክብሎ ይግባእ" ኢሉ።
ክራይስስ ግሩፕ፡ ቅድሚ ናይቲ መርመራ ምጽራይ ዕላዊ ምዃኑ ዝቐርቡ ዘለዉ ክስታት ነቲ ኩነታት ዘጋድዱ ምዃኖም ገሊጹ፡ እቲ ቅትለት ብዘይሻራዊ ኣካል ክጻረ ሓቲቱ እዩ።
ፈጻሚት ስራሕ ህወሓት ብወገኑ፡ ንዝቐርብዎ ዘለዉ ክስታት ምላሽ ንምሃብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንመንግስቲ ፌደራል ምንቃፉ ዝዝከር እዩ።
"ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ንዘጋጥም ዘሎ ዕንወት እንኮ ተሓታቲ ኣብ ኣራት ኪሎ [ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤተመንግስቲ] ዘሎ ውልቀ-መላኽን ኣሃዳውን ጉጅለ እዩ" ክብል ድማ ከሲሱ።
"ንይምሰል ፍቕርን ይቅርታን እናሰበኸ ናብ ስልጣን ዝደየበ" ክብል ነቲ ሕዚ ዘሎ መንግስቲ ዝነቐፈ መግለጺ ህወሓት "ካብ ውሽጢ ዓድን ካብ ደገን ደገፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ሕብረ-ብሄራውነት ብምፍራስ ኣሃዳዊ ስርዓት ንምምስራትን ተጠቒሙሉ" ኢሉ።