እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ 'ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዘለዉ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ካብ ትካላት ረዲኤት ሓገዝ ኣይረኸቡን'
ኣብ ትሕቲ ህወሓት ዘለዉ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ካብ ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ናይቲ ክልል ኮሚሽን ውሕስነት መግብን ምክልኻል ሓደጋን ገሊጹ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ናይቲ ኮሚሽን ኣቶ እያሱ መስፍን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ሰሜን ወሎ፡ ዋግ ኽምራን ካልኦት ቦታታትን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን መግብን ሂወት ሰብ ይሓልፍ ኣሎ ኢሉ።
"ብዝኣተውዎ ቃል መሰረት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ይኹን ክልላዊ መንግስቲ፡ ኣብቶም ብህወሓት ዝተታሕዙ ቦታታት ዘለዉ ዜጋታት ረዲኤት ክወሃብ ምስ ዓለምለኻውያን መንግስታዊ ዘይኮኑ ውድባት'ኳ እንተ ተዘራረቡ፡ ጥብ ዝበለ ነገር የለን" ክብል ገሊጹ።
ትካላት ረዲኤት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ሰፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ተፈጢሩ ምህላዉን፡ ናብቶም በቲ ኲናት ዝያዳ ዝተጸልዉ ከባቢታት ብሰንኪ ዝገጥሞም ዕንቅፋታትን ገደባትን ሰብኣዊ ረዲኤት ከብጽሑ ከምዘይክኣሉ ክዛረቡ ጸኒሖም'ዮም።
ትካል ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል 40 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከምዝመደበ ብሰኑይ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ካብቲ ከባቢታት ናብ ርእሰከተማ ክልል ኣምሓራ ዝኾነት ባህር ዳር ዝኣተዉ ሓለፍቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ዋግ ኽምራ፡ ሓያሎ ሰባት ብጥምየት ከምዝሞቱን፡ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ረዲኤት ዝበሃል ናብቲ ከባቢ ከምዘይበጽሐን ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ትካላት ረዲኤት "ብዘይኣድልዎ" ህጹጽ ሓገዝ ነቶም ተጸበይቲ ክህቡ ኣቶ እያሱ ጸዊዑ'ሎ።
ዛጊት ኣስታት 2.1 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ምህላዎም እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።
እቶም ተፈናቐልቲ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ 32 ግዝያዊ መጽለሊ ተዓቚቦም ምህላዎም ብምግላጽ፡ ብዙሓት ድማ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ኣትዮም ከምዝርከቡ ጠቒሱ።
"ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ተፈናቐልቲ ኣለዉ። 98 ሚእታዊት ዝኾኑ ኣብቲ ሕብረተሰብ ምስ ቤተሰብ ተጸጊዖም ዝርከቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ 2 ሚእታዊት ድማ ኣብ ግዝያዊ ማዓስከራት ኣለዉ" ይብል።
እቶም ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ዝርከቡ ቦታታት ዘለዉ ተፈናቐልቲ፡ ካብ መንግስቲ፡ ትካላትን ውልቀሰባትን ዝተፈላለየ ሓገዛት ይረኽቡ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህወሓት ዘሎ ከባቢታት ዝርከብ 5 ሚልዮን ህዝቢ ረዲኤት ከምዘድልዮ ዝገለጸ ኣቶ እያሱ፡ ኣብቲ ክልል "ናይ ድኻታት ድኻታት" ተባሂሎም ዝፍለጡ ዕለታዊ ናይ መግቢ ደገፍ ዝግበረሎም 1.89 ሚልዮን ተጸበይቲ ከምዘለዉ'ውን ሓቢሩ።
ኣብ ክልል ትግራይ'ውን ብሰንኪ እቲ ኲናት ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲኤት ከምዝኾኑን፡ ኣስታት 400 ሽሕ ካብኦም ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝበጽሑ ምንባሮምን ትካላት ረዲኤት ክገልጹ ምጽንሖም ይዝከር።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ትካላት ረዲኤት ኩሎም ወገናት ናይቲ ኲናት ነቲ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕን ህጹጽ ረዲኤት ንምብጻሕን ተጻብኦታት ከቋርጹ ክጽውዑ ምጽንሐም ይፍለጥ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ይቕጽል ምህላዉን፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድዶ ምህላዉን ይግለጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣብታ ሃገር ን6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ምህላዉ ይፍለጥ።