እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ጎነጻት ብምግዳድ ተሓታቲ ድዩ?
ፌስቡክ ምስ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ካብ ዝወሰዶም ስጉምቲታት እቲ ቀንዲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝለጠፎ ጽሑፍ ምእላዩ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡
ፌስቡክ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ እቲ ህዝቢ ‘‘መቕበሪ ሓይልታት ህወሓት ዝኾን ዕጥቂ ከልዕል’’ ዝሓተተሉ ጽሑፍ፡ መምርሒ እቲ ትካል ጥሒሱ ብምባል እዩ ኣልይዎ፡፡
ኣብ ቀረባ እዋን ሽሙ ናብ ሜታ ዝቐየረ እቲ ትካል ብዛዕባ እቲ ውሳነ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ጎንጺ ዘለዓዕሉ ወይ ዓመጽ ዝድግፉ ጽሑፋት ‘‘ ማንም ይጽሓፎም ካብ ገጽና ነውርዶም ኢና’’ ኢሉ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፌስቡክ ዝወሰዶ ስጉምቲ ተቓዊምዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ፡ ኤጀንሲ መረብ ድሕነት ኢትዮጵያ (INSA) ፡ ፌስቡክ ናይ ኢትዮጵያ ገጻትን ትሕዝቶታትን እናሰረዘ ‘‘ ናይ ኢትዮጵያ ሓቅታት ኣዛቢዑ እዩ’’ ብምባል ምንቃፉ ዝዝከር እዩ፡፡
ብተወሳኺ ናይ ውሽጢ ዓዲ ፌስቡክ፣ ትዊተር፣ ዋትስኣፕን ዙምን መተግበሪታት ከምዝሰርሕ እውን ገሊጹ ነይሩ፡፡
ፌስቡክ ብወገኑ ምስ ኢንሳ ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ናይ ሕሶት ሓበሬታ ዘመሓላልፉ ገጻት ዓጽዩ እዩ፡፡ ብቐንዱ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዝጸሓፈሎም 65 ገጻትን 72 ጉጅለታትን (ግሩፕ) ካብቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም እዮም፡፡
ኣብታ ሃገር ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ተጋዲዱ ምቕጻሉ ስዒቡ ድማ ፌስቡክ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ዓይነታት ማህበራዊ ሚድያ እውን ምስ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዙ ስጉምቲታት ይወስዱ ኣለዉ፡፡
ትዊተር ኣዘራረብቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ዝሕብረሉ ኣሰራርሓ (Trends) ኣብ ኢትዮጵያ ብግዝያዊነት ከይሰርሕ ገይሩዎ ኣሎ፡፡
"ሰባት ንእዋናዊ ሓደጋ ተቓሊዖም እዮም፡፡ ሰብኣዊ ክብሪ ምትንካፍን ጎንጺ ምልዕዓልን ንቃወም፡"’ ክብል ነቲ ውሳነ ኣረዲኡ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት 'ኣደባባይ' ዝተባህለ ድህረ ገጽ ሓዊሱ ብዙሓት ገጻት ካብ ዩትዩብ ተኣጊዶም እዮም።
ኣደባባይ ሚድያ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ዩትብ ገጽ ከምዝተዓጸወን ብኻልእ ገጽ ይጥቀም ከምዘሎን ብትዊተሩ ኣፍሊጡ፡፡
ናይ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ናይ ፌስቡክ ገጽ ከምዝተኣገደ እውን ዝዝከር እዩ፡፡
ፌስቡክ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 92 ሽሕ ንላዕሊ ልጣፋት ካብ ፌስቡክን ኢንስታግራምን ከምዝኣለየ ኣፍሊጡ እዩ፡፡
እቶም ልጣፋት ናይ ጽልኣት ዘረባ ንምክልኻል ዝወጸ መምርሒ ከምዝጠሓሱን እቶም 98 ምኢታዊት ቅድሚ ጥቆማታት ምቕራቦም ባዕሉ ዝረኸቦም ከምዝኾኑን ገሊጹ፡፡
እቲ ትካል ኢትዮጵያ ብግዝያዊነት ‘‘ንከቢድ ሓደጋ ዝተቓልዑ’’ ሃገራት ናብ ዝብል ዝርዝር ኣእትዩዋ ኣሎ፡፡
'ኣጽዋር ሒዝኩም ኪዱ'፣ ‘ስጉምቲ ምፍዳይ ሕነ ውሰዱ’፣ ‘ነዚ ዓሌት/ጉጅለ ኣጥቅዑ’ ዝብሉ ጽሑፋትን ‘ሰላሊ’ ወይ ‘ከሓዲ’ ዝብሉ ቃላትን የጥፍእ ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡
እዚ እዋን ዓመጽ ዘለዓዕሉ፣ ኲናት ዘጋድዱ፣ ብሄር ምስ ብሄር ዘጓንጹ ወይ ሓደ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ካልእ ማሕበረሰብ ክለዓል ዝገብሩ ናይ ፌስቡክ፣ ትዊተርን ዩትዩብ ገጻትን ወፍርታት ካብ ካልእ ግዘ ዝበዝሑሉ እዋን እዩ፡፡
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጽሑፋት፣ ምስልታት ወይ ቪድዮ ብውልቀ ሰባት ጥራሕ ኣይኮኑን ዝዘዋወሩ ዘለዉ፡፡ ሰብስልጣን መንግስቲ፣ ተቓወምቲ፣ ጎስጎስቲ ማሕበራዊ ሚድያ፣ ወከልቲ ሲቪል ማሕበራትን ካልኦትን እውን ኣብዚ ተግባር ተጸሚዶም እዮም፡፡
ኣብዞም ጽሑፋት ጥቆማታት ክቐርብ እንከሎ ‘ናይዚ ጉጅለ ደጋፊ’ ወይ እውን ‘ናይቲ ጉጅለ ተቓዋሚ’ ዝብሉ ክርክራት ይለዓሉ እዮም።
እቲ ኲናት ካብ ዝለዓል ናብዚ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ይኹን ህወሓት ዘለዉ ሰባት ማሕራዊ ሚድያ ከምሓደ ናይ ኲናት ግንባር ክወስድዎ ተራእዮም እዮም፡፡ እቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዓውደ ግንባር እውን ፌስቡክ እዩ ዝበሃል፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ በዝሒ ተጠቀምቲ ዘለዎ ፌስቡክ ስለዝኾነ፡ ናይዚ ጸብጻብ ቀንዲ ትኹረት ፌስቡክ እዩ ክኸውን ክኢሉ፡፡
ፌስቡክ ነቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ማዕረ ክንደይ ተሓታቲ እዩ? ጎንጺ ዘለዓዕሉ ትሕዝቶታትን ናይ ጽልኣት ዘረባታትን ካብ ገጽ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ማዕረ ክንደይ ተዋጺኡ? ዝብሉ ሕቶታት ክንድህስስ ኢና፡፡
ፌስቡክ ነቲ ኣብ ኢትጵያ ንዘሎ ቅልውላው ተሓታቲ ድዩ?
መርበብ ሓበሬታ ናፖልዮንካት ከምዝሕብሮ ፡ ክሳብ ጥሪ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ 6,808,000 ተጠቀምቲ ፌስቡክ ኣለዉ፤ ነቲ ቑጽሪ ናብ 8 ሚልዮን ዘጸግዕዎ እውን ኣለዉ፡፡
ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ 5.8 ምኢታዊት ናይ ፌስቡክ ገጽ አለዎ፡፡ 33 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና 67 ምኢታዊት ደቂ ተባዕትዮ እዮም፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ቅልውላው ፌስቡክ ማዕረ ክንደይ ተሓታቲ እዩ? ክንብል ንኽልተ ሰብ ሞያ ኣዘራሪብና ኣለና፡፡
ንፍትሓውነት ቴክኖሎጂ እትቃለስ ትምኒት ገብሩ (ዶ/ር) ን በዓልቲ ሞያ ቴክኖሎጅን ማሕበራዊ ጉዳያትን ብርሃን ታዬን ፡ እቲ ኲናት ኣብ ባይታ እናተጋደደ እንትቕጽል ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ዝመሓላለፉ መልእኽቲታት እውን ከምዝበላሸዉ ይገልጻ፡፡
ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣምሓራ ክልል ዞባ ደቡብ ወሎ ንዝርከቡ ከባቢታት ደሴን ኮምቦልቻን ካብ ዝቆጻጸሩ ናብዚ ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ጽሑፋት ከም ኣብነት ዝጥቀሱ እዮም፡፡
እቲ ማሕበረሰብ ኣንጻር እቲ ሓቢርዎ ዝነበረ ጎረቤት፣ ማሕበራዊ ምትእሳሳር ዘለዎም ፈተውቱን ክለዓል ዝደፋፍኡ ጽሑፋት ተዘርጊሖም እዮም፡፡
"እቲ ኲናት ኣብ ባይታ እንትቀጻጸል ወይ ሓደ ማሕበረሰብ ነቲ ካልእ እንተጥቅዕ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እውን ይንጸባረቕ እዩ" ትብል ብርሃን፡፡
ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ስኑዓት ዜናታት፣ ናይ ጽልኣት ዘረባን ናዕቢ ዘለዓዕሉ ቪድዮታትን ከምዝዝርግሑ እውን ትዛረብ፡፡
እዚ ኣብ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት እናተጋደደ ከምዝመጸ እያ ትሕብር፡፡
ትምኒት፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ናዕቢ ተሓታቲ ምዃኑ ‘‘ኣየተሓትትን’’ ትብል፡፡
መብዛሕተኦም ተጠቀምቲ ፌስቡክ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ዝነብሩ እኳ እንተኾኑ፡ እቲ ትካል ካብ 70 ምኢታዊት ንላዕሊ ዝኾነ ናይ ፍተሻ ስራሕቲ (Content Moderation) ኣብ ኣመሪካ ኮይኑ እዩ ዝቆጻጸር፡፡
እዚ ማለት ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ኣብ ኲናት ዝርከባ ሃገራት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝርግሑ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ከይተርኣዩ ናይ ምግፋሕ ዕድሎም ዝለዓለ እዩ፡፡
‘‘ፌስቡክ ዝበዝሕ ኣታዊኡ ዝረኽቦ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ እኳ እንተኾነ ቀንዲ ትኹረቱ ግን ኣብ ኣመሪካ እዩ ገይሩ፡፡ ኣስታት 115 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብረላ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቅድሚ ምጅማሮም ብዛዕባ ምርመራ ትሕዝቶ ክሓስቡ ነይሩዎም’’ ትብል፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጎንጺ ዘለዓዕሉ ጽሑፋት ናብ ፌስቡክ ካብ ዝጠቆሙ ሰባት ሓንቲ ትምኒት እያ፡፡
ናይ ቀረባ ፈተውቶም እንተይተረፈ ንምጥቃዕ ኣድራሸኦም ክሳብ ምልጣፍ ዝበጸሐ ጻውዒት ጃምላዊ ጨፍጫፍ ንልዕሊ 18 ሰዓታት ኣብ ፌስቡክ ጸኒሑ እዩ ትብል፡፡
ኣብቶም ጽሑፋት ጥቆማ ምስቀረበ መጀመርታ ናይ ፌስቡክ መልሲ ‘‘ምስ ፖሊሲና ኣይጋጮን’’ ዝብል እዩ ነይሩ ፡፡ ጸኒሑ ግን እቶም ጽሑፋት ክጠፍኡ ተገይሩ፡፡
ትምኒት ከምእትብሎ፡ ኣብቶም ጽሑፋት ብብዙሓት ሰባት ጥቆማ ምስቀረበ፡ ድሕሪኡ ድማ እቲ ትካል ኣብ ኣመሪካ ብዝነብሩ ጋዜጠኛታት ምስሓተተ እዩ እቲ ጽሑፍ ተኣልዩ።
‘‘እቲ ጽሑፍ ምስተኣለየ እውን ኣብቶም ዝጸሓፍዎ ሰባት ስጉምቲ ኣይተወሰደን፤ እቶም ሰባት እንተደልዮም ካልእ ግዘ እውን ከምኡ ክብሉ ይኽእሉ እዮም’’ ብምባል ስግኣታ ትገልጽ፡፡
ወሃቢት ቃል ፌስቡክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥዕና ዘለዎ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፌስቡክ ቁጽሪ ትሕዝቶ ፈተሸቲ ሰራሕተኛታቱ ወሲኹ እዩ ኢላ፡፡
ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛን ትግርኛን ዝዛረቡ ሰራሕተኛታቱ መምርሒ እቲ ትካል ዝጥሕስ ትሕዝቶ ዘለዎም ‘‘ቀልጢፎም ብምርካብ ሓቢሮምልና እዮም’’ ትብል፡፡
ኣብ ምርመራ ትሕዝቶታት ምስ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ሓገዝቲ ሓቢሮም ከምዝሰርሑ እውን ትገልጽ፡፡
ብተወሳኺ እቶም ሰራሕተኛታት ፖለቲካ እቲ ዞባን ኩነታት ኢትዮጵያ ዝርድኡን ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ዝነበሩን ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑን ተዛሪባ፡፡
‘‘ኣብ ኢትዮጵያ ምስዘለዉ ሲቪል ማሕበራት ብምዝርራብ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳይ ግንዛበ ንምርካብ ንፍትን ኢና፡፡ ፖሊሲና ዝጥሕስ ትሕዝቶ እውን ንስርዝ ኢና፡፡’’
ፌስቡክ ጎንጺ የለዓዕል ድዩ?
ኣብ ፌስቡክ ዝጥቃዕ ናይ ጽላኣት ዘረባ ወይ ጎንጺ ዘለዓዕል ትሕዝቶ ስነልቦናዊ ጸቕጢ ብምፍጣር ንእኩይ ተግባር የለዓዕልዶ? ምናልባት እቲ ዝበሃል ነገር ‘ተቐባልነት’ ከምዝረኸበ የምስሎዶ? ብፍላይ ብሰበስልጣን መንግስቲ፣ ብፍሉጣት ሰባትን ናይ ማሕራዊ ሚድያ ጎስጎስትን ዝኾነ ነገር እንትበሃል ‘ሓቂ እዩ’ ዝብል ኣመለኻኽታ ንምንታይ ይጎልህ?
እዞም ሕቶታት ናይ ስነ ልቦና፣ ማሕበረሰብን ቴክኖሎጅን ተመራመርቲ መዘራረቢ ዛዕባታት ካብ ዝኾኑ ጸኒሖም እዮም፡፡
ኤምኣይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ጠቒሱ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ፌስቡክ ዝልጠፉ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ብዕጽፊ ክውስኽ ገይሩ እዩ፡፡
ኣብ ክልተ ዓመት ኣብ ዝተፈጸሙ ኣስታት 3 ሽሕ መጥቃዕቲታት ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ ጽሑፋት ፌስቡክን መጥቃዕቲታትን ተዛምዶ ከምዘሎ ረኺቡ እዩ፡፡
እቲ መጽናዕቲ ኣብ ጀርመን እንትካየድ ኲናት ወይ ጎንጺ ኣይነበረን፤ ኲናት ኣብ ዘለዎ ሃገር ነገራት ኣዝዮም ዝኸፍኡ እዮም ዝኾኑ፡፡
ኒው ዮርክ ታይምስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ኣብ ፊሊፒንስ፣ ሊብያ፣ ህንዲ፣ ሚያንማርን ጀርመንን ምስ ፌስቡክ ከምዝተሓሓዙ ሓቢሩ እዩ፡፡
ኣብ ሚያንማር ንዝበጸሐን ንናይ ብዙሓት ሙስሊም ሮሂንጋውያን ሞትን ምፍንቓልን ምኽንያት ዝኾነ መጥቃዕቲ ፌስቡክ ተሓታቲ ይግበር እዩ፡፡
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝጀመረሉ ወርሒ ጥራሕ 730 ህጻናት ሓዊሱ 6 ሽሕን 700 ሙስሊማት እንትቕተሉ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ናብ ጎረቤት ሃገር ባንግላድሽ ተሰዲዶም፡፡
ፌስቡክ ኣብ ሚያንማር ናይ ጽልኣት ዘረባን ጎንጺ ዘለዓዕል ጽሑፋትን እኹል ብዝኾነ ኣገባብ ብዘይምክልኻሉ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዘበኣኣሶ ኣሚኑ እዩ፡፡ መስራቲ እቲ ትካል ማርክ ዙከርበርግ እውን ብዕሊ ይቕረታ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ፡፡
ብርሃን ከምእትገልጾ፡ ኢትዮጵያ ሰላማዊት ሃገር ነይራ እንተትኾን ሓደ ሰብ ተላዒሉ ‘‘ተወልድቲ ትግራዋይ፣ ኣምሓራይ፣ ኦሮሞ፣ ሶማል ወይ እውን ካልእ ብሄር ቅተሉ’’ እንተዝብል እቲ ማሕበረሰብ ክስዕቦ ዘይኮነስ ክነቕፎ ይኽእል እዩ፡፡
ኮይኑ ግና እታ ሃገር ብጎንጺ ትሕቆን ሰለዘላ ኣብ ስልክን ኮምፒተርን ዘሎ ናዕቢ ዘልዕል ጽሑፍ ብቐሊሉ ክፉእ ተግባር እዩ ዘስዕብ፡፡
‘‘ደሓን ሰብ እዩ፤ ከምዚ ኣይሓስብን ዝበሃል ኩሉ ናይ ጽላኣት ዘረባ እንትጽሕፍ፡ ብሱሩ ጎረቤተይ መን እዩ? ክትብል ይገብረካ’’ ትብል፡፡
ብተወሳኺ ‘‘ ቅተሉዎም፣ እሰሩዎም’’ ዝብሉ ጽሑፋት መጥቃዕቲ ክጋደድ እዮም ዝገብሩ፡፡ ጽባሕ ጽቡቕ ከምዘይኸውን ክስመዐና ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎም ትብል፡፡
ትምኒት ብወገና ዕላዊ ናይ ጽላኣት ዘረባታት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክዋዳእ ከምዝገብሩ ነቲ ኣብ 1994 ኣኣ ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ከም ኣብነት ትጠቅስ፡፡
እቲ ክስተት ኣብ ውሽጢ 100 መዓልቲታት ኣስታት 800 ሽሕ ቱትሲ ብሕሉፋት ሁቱ ዝተጨፍጨፉሉ ዘሕዝን ክስተት እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ካብ ዓሌት ሁቱ ዝውለድ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ጁቬናል ሀቢያሪማና ዝተሳፈረላ ኣውሮፕላን ተወቒዓ ምስወደቐት ‘‘ቱትሲ ነጥፍእ’’ ዝብል ምንቅስቓስ ብሬድዮን ኣደባባይን ተጀሚሩ፡፡ ብዙሕ እንተይጸነሐ እቲ ጎንጺ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ፡፡
‘‘ሰባት ኣብ ፌስቡክ ዝርእይዎ ነገር ዕላዊ (Official) እዩ ዝመስሎም፡፡ ብተደጋጋሚ እንትርእይዎ ጽላኣት የሕድሩ፡፡ ሰብኣውነት ይጠፍእ፡፡ ካልእ ሰብ እንታይ ዓይነት ጸገም የጋጥሞ ከምዘሎ ምርኣይ ደው የብሉ’’ ትብል ትምኒት፡፡
ንሓደ ብሄር ወይ ጉጅለ ዘጽላእልኡ ዘረባታት፣ ጽሑፋት ወይ ምስልታት ብበዝሒ ምስተዘርግሑ፡ ‘‘ሐዚ ኣጥቅዕዎም’’ እንተተባሂሉ ሰብኣውነት ዘረስዕን ብስምዒት ዝዝውርን ኩነታት እዩ ዝፍጠር፡፡
ናይ ጽላኣት ዘረባታት እንትደጋገም ናይ ዕስለነት ስምዒት ናይ ምፍጣር ሓይሊ ከምዘለዎም ትምኒት ትገልጽ፡፡
ፌስቡክ ካብ ዘረባ ፅልኣት እንታይ ይኸስብ?
ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ቀሪባ ምስክርነት ዝሃበት ነባር ሰራሕተኛ ፌስቡክ፡ ፍራንሲስ ሃውገን ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቡክ ልዑል ትኹረት ካብ ዘድልየን ዝርዝር ሃገራት ሓንቲ እንተኾነት’ኳ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ቁጽጽር ምስቲ ዝጥቃዕ ዘሎ ጎንጺ ዘለዓዕል ጽሑፍ እኹል ኣይኮነን በሃሊት እያ።
ሰራሕተኛታት ፌስቡክ፡ ‘መንግስቲን ካልኦት ውድባትን ንመረባ ፌስቡክ ብዘይኣግባብ እናተበለጽሉ ከምዝኾኑ ዝገልጽ መጠንቀቕታ” ከምዝሃቡ ልሒኹ ዝወጽአ ሰነድ ይሕብር።
እቲ ሰነድ፡ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ነቲ ቋንቋ ዝዛረቡ ሰባት ኣይቆጸረን ኢሉ’ውን ዝነቅፍ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መጋቢት ዝወጽአ ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ገለ ብቑጽሮም ‘ንኡስ’ ብሄራት መጥቃዕቲ ንምልዕዓል ፌስቡክ ኣብ ረብሓ ከምዘውዐልዎ ይገልጽ።
ካብቶም ከምዚ ዓይነት ጉጅለታት ሓደ ቀዲሙ ስሙ ዝጥቀስ፡ ‘ፋኖ’ ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ካብ መንጎኦም በቲ ጉጅለ ዝንቀሳቐሱ ገጻት፡ መሰረቶም ኣብ ሱዳን ከምዝገበሩ እዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት።
ሰራሕተኛታት ፌሰቡክ፡ “ምስ ፋኖ ርክብ ዘለዎም ገጻት ጎንጺ ዘላዕሉ እዮም። ካብ ፌሰቡክ ይተኣለዩ” ብዝብል ንላዕለዎት መራሕቲ ፌሰብክ ኣመልኪቶም ነይሮም።
ምስ ናይ ኦሮሞ ዲያስፖራ ርክብ ዘለዎም ምቕማጦም ኣብ ግብጺ ዝኾነ ገለ ገጻት ድማ፡ ብተመሳሳሊ ብኸምኡ ስሞም ተልዒሉ ነይሩ።
እዞም ገጻት “ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዓሌታትን ሰበስልጣናትን መጥቃዕቲ ክፍነዉ ብቕሉዕ የለዓዕሉ ነይሮም” ብዝብል ክእለዩ ተወሲኑ እዩ።
ፍራንሲስ ሃውገን ከመ እትብሎ፡ ፌስቡክ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ዝሰርሐሉ መገዲ ኣዝዩ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ።
ንብዙሓት ዘዘራርቡ ትሕዝቶታት ናብ ቅድሚት ገጽ ምምጽኡ (Engagement Based Ranking) ዓሌታዊ ጎንጽታት የለዓዕል እዩ ዘሎ።
“ምናልባሽ እውን ኣብ ዝቕጽሉ 10ን 20ን ዓመታት ብዙሕ ሰብ ክመውት ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ድማ ናይ ትሕዝቶ ምጽራይ ዘይምክያዱ እዩ። ኢትዮጵያን ሚያንማርን ገና መበገሲታት እየን። ንቕድሚት ብዙሕ ጥፍኣት ከይፍጸም የስግእ እዩ” ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ገለ ፖለቲከኛታትን፡ ፌስቡክ ንጎንጺ ምብእኣስ ምኽንያት ከይኸውን እናጠንቀቑ ጸኒሖም እዮም።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ሚያንማር ዝተፈጸመ ኣብ ኢትዮጵያ ከይድገም፡ ልኡኻን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፉ፡ ፌስቡክ ንኢትዮጵያ ዓቢ ትኹረት ክህብ ሕቶ ክቐርበሉ ጸኒሑ እዩ።
ብርሃን፡ ፌስቡክ ኣብ ክንዲ ውሕስነት ተጠቀምቲ፡ ኣታዊኡ ኣቐዲሙ ከምዝርኢ እያ ተረድእ።
“ፌስቡክ ብነጻ እንተተጠቐምና’ኳ፡ ዕዳጋ ንሕና ኢና፤ ፌሰቡክ ገንዘብ ዝረክብ ካብ መላለይቲ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ተጠቀምቲ እንትህልዉ ብዙሓት ዘላልዩ ትካላት ገንዘብ ይኸፍልዎ። ፌስቡክ እዚ ሚዛን ምትእስሳር ንግዲ ክዛባዖ ኣይደልን”።
ምስ ኣብ ኤስያን ኣውሮጳን ዘሎ በዝሒ እንትነጻጸር ግን ተጠቃሚ ውሑድ ስለዝኾነ፡ ንኢትዮጵያ ክንድ’ቲ ዝድለ ቆላሕታ ኣይህብን።
ትሕዝቶ ንምፍታሽ፡ ሰብ-ሰራሕ ብልሓት [Artificial Intelligence] ይጥቀም። እንተኾነ እቲ ማሽን ብኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛ፣ ትግርኛን ካልኦት ቋንቋታትን እንተዘይሰልጢኑ ነቲ ትሕዝቶ ብዝግባእ ኣይምርምርን።
ብርሃን፡ ርክብ ፌስቡክን ኢትዮጵያን ዕንክሊል (Vicious Circle) እያ ትብሎ።
ብኸምዚ ድማ ትገልጾ፤
“ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ተጠቃሚ የብሉን>>ብዙሕ ገንዘብ ድማ ኣይረክብን፤ ስለዝኾነ፡ ንምርመራ ትሕዝቶ ቆላሕታ ኣይህብን>> ትሕዝቶ እንተዘይመርሚሩ ጎንጺ ዘላዕሉ ጽሑፋት ይበዝሑ' ፌሰቡክ ንኢትዮጵያ ቆላሕታ ንክህብ፣ ብዝሒ ይውስኽ' ብዝሒ ተጠቃሚ ብዝወሰኸ ቁጽሪ እቲ ጎንጺ ይበኣኣስ”።
ትምኒት ብወገና ብቀንዱ እትነቅፍ፡ ንቅደም ሰዓብ ሓበሬታ ንምሃብ ዝኽተሎ ኣስራርሓ (Ranking Algorithm) እዩ።
ኩሉ ተጠቃሚ ኣብ ፌስቡክ ዝልጥፎ፡ ብማዕረ ኣይኮነን ዝረአ። ብምዘና ፌስቡክ እዩ ኣብቲ ገጽ ዝዛወር። “እዚ ሚዛን ግን፡ ዘይምዕሩይ” እያ ትብሎ።
እዚ ማለት ንሰባት ዘቖጥዕ፡ ናብ ቅድሚት ንክመጽእ ቀዳምነት እዩ ዝህብ።
ምኽንያቱ እቲ ንሰባት ዘናድድ ትሕዝቶ፡ ኣብ ገጽ ተጠቀምቲ ናይ ሰባት ተሳትፎ(Engagement) ይውስኽ እዩ። ማለት ሰባት ነቲ ትሕዝቶ ከባጽሑ፣ ክፈትዉዎን ርእይቶ ክህብሉን ይዕድም።
እዚ ብዝገበሩ ቑጽሪ፡ ኣብ ፌስቡክ ጻንሒቶም ስለዝውስኽ ብዙሕ ገንዘብ ይኸስብ።
“ፌስቡክ ቀዳምነት ዝህብ ንኣታዊኡ ስለዝኾነ ንትሕዝቶ መርመራ ወጻኢ ክገብር ኣይደልን። ‘ንድሕነት ቀዳምነት ሃብ’ ዝብል ኣስገዳድ ሕጊ ድማ የለን”።
ዝተጠቆሙ ትሕዝቶታት ስለምንታይ ቀልጢፎም ኣይእለዩን?
ኣምነስቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተኣሳሲሩ ኣብ ፌሰቡክ ዝቃልሑ ዘለዉ ዓሌታዊ ጎንጽታት ዘላዐዓዕሉ ጽሑፋት ዘስግእ እዩ ክብል ሓቢሩ ኣሎ።
ሓላፊ ክፍሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ እቲ ትካል፡ ዴፕሮሴ ሙቺና፡ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ጎንጺ ዘምርሑ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ናይ ምግዳብ ሓላፍነት ኣለዎ። እቶም ትሕዝቶታት ክኹንኖም ኣለዎ። ትካላት ማሕበራዊ ሚድያ ድማ ትሕዝቶ ዝምርምርሎም ኣሰራርሓታት ከበርትዕ ይግባእ” ኢሉ።
ኣብ ፌስቡክ ‘ጽልኢ የለዓዕሉ እዮም’ ተባሂሎም ዝተጠቆሙ ጽሑፋት፡ ዝእለይሉ ፍጥነት ዘካትዕ እዩ።
ትምኒት ግን፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕኽሕ ኲናት ኣብ ግምት ብመእታው ፌስቡክ ንኢትዮጵያ ብርቱዕ ናይ ትሕዝቶ ቁጽጽር ዝገብረሉ ኣሰራርሓ ክዝርግሕ ነይርዎ ዝብል እምነት ኣለዋ።
ከም ናታ እምነት፡ ሓደ ትሕዝቶ ምስ ተጠቆመ [ሮፖርት ምስተገበርሉ] ፌስቡክ ክሳብ ዘጻርዮ፡ ብዙሓት ከይሪእዎ ክግድቦ ይኽእል ነይሩ።
ኣብ ፌስቡክ ብዙሓት ሰዓብቲ ዘለውዎም ሰባት ገጾም ክምርመር ኣለዎ ድማ ትብል።
ነቲ ትሕዝቶ ካብ ምእላይ ብተወሳኺ፡ በዓልናይ እቲ ጽሑፍ ካልእ ሕማቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ከይጥቅዕ ብቕልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ትምዕድ።
ሓደ ሓደ ግዜ ብዙሕ ሰብ ስለዝጠቆመ ጥራይ፡ ጽቡቓት ትሕዝቶታት ብጌጋ ክእለዩ ይግበሩ እዮም። እዚ ድማ፡ ኣብቲ ትሕዝቶ ምርመራ ክፍተት ከምዘሎ መርአያ እዩ።
ከምኡ’ውን ፌስቡክ፡ ምስ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ምክልኻል ምጽናት ዓሌት ዝሰርሑን ሰብ ሞያ ማሕበረሰብን ተጣሚሩ ክሰርሕ ከምዝግባእ ትሕብር።
እቲ ሰብ-ሰራሕ ማሺን ኣብ ምትርጓም’ውን ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ዓውዲ ወጺኡ ዝሰርሐሉ እዋን ኣሎ።
ንኣብነት፡ ‘ምጽናት’ ዝብል ምስ ዓሌት ብዘይተኣሳሰር ኣብ ካልእ ዓውዲ እንተኣትዩ፡ ጸገም ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ።
ንውድዓዊ ኩናተት ኢትዮጵያ ዝግንዘቡ ሰባት ምስቲ ማሺን ጎናጎኒ ምቕማጥ ዘድሊ ነዚ እዩ- ትብል።
ብርሃን’ውን ነቲ ናይ ትምኒት ሓሳብ እያ ትድግፍ።
“ንኣብነት ካብ ሓደ 100 ቅተሎ፣ ቀጥቅጦ፣ ኣፍልሶ . . ዝብሉ መልእኽቲታት ጥቆማ እንተተገብረ’ኳ፡ 80 ሚኢታዊት ምስ መትከላትና ኣይጻረሩን ተባሂሎም ዕሽሽ እዮም ዝበሃሉ” ኢላ።
ብርሃን ከምእትብሎ፡ ፌስቡክ ብዝገበሮ ዳህሳስ ኣብ ከም ኣምሓርኛን ኦሮምኛን ዝኣመሰሉ ቋንቋታት እቲ ማሺን ቃላት ናይ ምፍላይ ጸገማት ከመዘለዎ ተፈሊጡ እዩ።
“እቲ ጸገም ዙርያ ምላሽ እዩ። ነቲ ዓውዲ ዘይምርዳእን ዕሽሽነትን ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ሓደ መእከቢ ቦታ [Concentration Camp] ይወሰዱ ዝብል ጽሑፍ፡ ጭቡጥ ሓደጋ ዘስዕብ ኮይኑ እንተሎ ንልዕሊ 24 ሰዓታት ኣይተልዓለን። ዓሚ ወርሒ ሰነ ‘ሰብ ብኸምዚ መገዲ ገይርካ ይቀተል’ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ምስሊ ዛጊድ ኣይተልዓለን” ትብል።
ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ሃብታም ሃገራትን ከም ፌስቡክ ዝበሉ ኩባንያታት ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ግዝኣተን ዝሰርሐሉ መስርሕን መትከላት ኣቕሚጦም እዮም።
ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብዚ ሕዚ ከምኡ ምግባር ዘኽእል ዓቕሚ ስለዘይብላ ናይ መወዳእታ ፍትሒ፡ ኣብ ኢድ ተጠቀምትን ትካል ፌስቡክን እዩ ወዲቑ።
ወሃቢት ቃል ሜታ፡ ንቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ ፌስቡክ ኣብ ኢትዮጵያ ጥቆማ ንምክያድ ቀሊልን ቅልጡፍን ንምግባር ምምሕያሻት እደናገበረ እዩ።
“ጥቆማ ዝተገበረሎም ንምርምር፤ መትከላትና ብኣምሓርኛ ኦሮምኛን ተተርጐሞም እዮም። ናይ ደገን ናይ ውሽጢ ዓድን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን ሲቪል ማሕበራትን ዝጠቀምሉ ኣሰራርሓ ኣለና። ንሳቶም ጎዳእቲ ዝብልዎም፤ ቀዳምነት ሂብና ንምርመር ኣለና” ኢላ።
ፌስቡክ ከምዝብሎ፡ ትሕዝቶ ዝምርምር ምስ ዘይሻራዊ ሳልሳይ ወገን ኮይኑ እዩ።
ናይ ኢትዮጵያ ትሕዝቶ ምርመራ፡ ምስ ፔሳ ቼክን በኤኤፍፒ ፋክትን ኮይኑ እዩ ዝስራሕ።
ሓደ ሓበሬታ ስኑዕ እዩ ተባሂሉ እንትጥቆም፡ ብዝሒ ዝሪእዎ ሰባት ነክንኪ ከምዝግበርእን፡ መጠንቀቕታ ጽሑፍ ከምዝጥቀዐሉን እታ ወሃቢት ቃል ተዛሪባ።
ጎንጺ ዘለዓዕሉ ናይ ጽልኣት ዘረባታት ወይ ድማ ዓመጽ ዘለዓዕሉ ትሕዝቶታት ብሰብ-ሰራሕ ብልሓት ክሳብ ዝጥቆሙ፡ መጠን ምቅላሖም ከምዝግደብ ተዛሪባ።
“ብተደጋጋሚ ምስ መትከላት ፌስቡክ ዝጻረረሩ ጽሑፋት ዝተረኸቦም ሰባት፡ ጽሑፋቶም ብሓፈሻ ዝበጽሖም ተመልከትቲ መጠን ክንከ ይግበር” ኢላ።
ፌሰብክ እዚ ይበል ‘ምበር መስ ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ፡ ስሙ ብሕማቕ ይለዓል ኣሎ።
በቢደቒቕኡ ዝቃልሑ ‘ዘይተኣደቡ’ ጽሑፋት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘብጽሕዎ ስግኣት ዓቢ እዩ።
ፌስቡክ፡ ከምቲ ኣብ ቅልውላው ሚያንማር ምስ ሓለፈ ‘ይቕርታ’ ዝሓተተ ከይኮነስ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ከይደንጎየ ስጉምቲ ክወስድ ሰብ ሞያታት፡ ብርሃንን ትምኒትን ይምዕዳ።