መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ፡ ምስ ሩስያ 'ኣብ ቃልሲ' ንርከብ ኢሉ

መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ፌስቡክ፡ ማርክ ዙከርበርግ ኩባንይኡ ንመረዳእታትት እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክምዝምዙ ምስ ዝደልዩ ሩስያውያን ቀፃሊ ኣብ ዝኾነ ቃልሲ ከምዝርከብ ንሰኔት ኣሜሪካ ገሊፁ።

"እዚ ቃልሲ'ዩ" ዝበለ ኣብ ዛዕባ ዘይእሩም ኣታኣኻኽባ መረዳእታ 'ካምብሪጅ ኣናላይቲካ' ብዝምልከት ንዝቐረቡሉ ሕቶታት'ውን መብርሂ ሂቡ።

ሩስያ ኣብ መረፃ ኣሜሪካ ኢዳ ምሕዋሳ ዝምርምር ሮብርት ሙለር ዝተብሃለ ፍሉይ ኣማኻሪ 'ውን ምስ ሰራሕተኛታት ፌስቡክ ቃለ-መሕትት ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

ንሱ ግን ሙለር ብዝመርሖ ቤት ፅሕፈት ምርመራ ከምዘይተገበረሉ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ብ2016 ን13 ሩስያውያን ምስ ሰለስተ ኩባንያታት እታ ሃገር ኣብቲ ናይሽዑ መረፃ ኢዶም ሓዊሶም ክብል ከሲሱ ነይሩ።

ናይ ሓሶት ፌስቡክ ገፃት ('ኣካውንት') ንምፍላጥ ዘኽእል ቴክኖሎጂ የማዕብሉ ከምዘለው ዝገለፀ ዙከርብርግ፡ "ንናትናን ንናይ ካልኦት ስራሕቲ ኢንተርኔትን ምምዝማዝ ስርሖም ዝገበሩ ሩስያውያን ኣለው" ክብል ተዛሪቡ።

ንዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ መረዳእታ ንዘይምውፃእን ፖለቲካዊ ውዳበታት ፅዕንቶ ከየሕድራን ትካሉ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፁ።