እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መስራቲ ፌስ ቡክ ዙከርበርግ ብናይ ካምብሪጅ ኣናሌቲካ ናይ እምነት ግህሰት "ጉህዩ"
ካምብሪጅ ኣናሌቲካ ኣብ ክንዲ ናይ ፖለቲካ ዓምዊሉ ኮይኑ ንናይ ፌስቡክ ተጠቀምቲ ዳታ ብዘይኣገባብ ምጥቃሙ ተወንጂሉ።
ዙከርበርግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እምነት ተጋሂሱ" ኢሉ።
ብድሕሪኡ ምስ ሲ ኤን ኤን [CNN] ኣብዝገበሮ ቃለመሕተት፡ በቲ ኩነታት "ኣዝዩ ከምዝጎሃየ" ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣንጻር "መደናገርቲ ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራማት" ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ቅድሚ ኣባላት ባይቶ ምስክርነት ምሃቡ "ከምዘሐጎሶ" ድሕሪ ምግላጽ፡ "እቲ ዝገበርክዎ ግና ስጋብ ክንደይ ቅኑዕ ኢዩ"ኢሉ።
ኣብ ፌስቡክ ኣብዝጠቀዖ መግለጺ፡ ድሕሪ ሕጂ ነቶም ካብ ናይ ፌስቡክ ተጠቀምቲ ዳታ "ዝሓፍሱ" ኣዝዩ ከምዘሸግሮም ኪገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ።
"ኩሉ ሓበሬታትኩም ክንሕልዎ ሓላፍነትና ኢዩ፡ እንተዘይጌርና ድማ ክነገልግለኩም ኣይግብኣናን ኢዩ" ኢሉ ዙከርበርግ።
ዙከርበርግ እንታይ ኪገብር'ዩ ቃል ኣትዩ?
ዙከርበርግ ኩባንይኡ ነቲ ቀደምን ሕጅን ዝተፈጸመ ጌጋታት ንኸሕዊ፦
- ኩሉ ናይ ፌስቡክ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራማት ክምርመር፡
-ኣብ ልዕሊ እቶም ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ብምክያድ ዝጥርጠሩ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራማት "ረቒቕ መርመራ" ኪግበር፡
- ነቶም ከምዚ ዓይነት ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራማት ዘማዕብሉ ድማ በዚ ረቂቕ መርመራ ኪግበር ዘይሰማምዑ እንተኾይኖም ድማ ክእገዱ፡
ኣብ መጻኢ ፌስቡክ፥-
- ነቶም ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራማት ዘማዕብሉ "ናብ ናይ ተጠቀምቲ ዳታ ከይኣትው" ክግትኡ፡
- ናይ ኮምፒዩተር ኣማዕበልቲ ናብ ናይ ተጠቀምቲ ዳታ ምእታው ክእለ፡
-እቶም ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራማት ኣማዕበልቲ ቅድሚ ናይ ተጠቀምቲ ዳታ ምጥቃሞም፡ ምስ ተጠቀምቲ ስምምዕ ክኽትሙ ኢሉ ዙከርበርግ።
"እዚ ምስ ካምብሪጅ ኣናሌቲካ ዘጓነፈ ፍሉይ ጉዳይ በዚ ሓድሽ ናይ ኮምፒዩተር ፕሮግራም ጨሪሱ ኣይክድገምን ኢዩ፡ ነቲ ዝጓነፈ ጉዳይ ግና ኣይክቕይሮን ኢዩ ኢሉ"።
"ካብዚ ፍጻመ'ዚ ብዙሕ ክንምሃር ኢና፡ ኩሉ ስርሓትና ውሕስነት ክህልዎን፡ ድሕነት ናይ ሕብረተሰብ ንምሕላውን"።
'ሕጋዊ ጭብጢ'
ዴቪድ ሊ፡ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ ኣብዝገበሮ ትንተና፡ ሓደ ነገር ካብ ናይ ዙከርበርግ መግለጺ ብንጹር ዝተረዳእኩዎ፡ ፌስቡክ በቲ ዝተፈጸመ ኩነታት ዝኾነ ነቔፌታ ክቕበል ቅሩብ ዝየምዃኑ ኢዩ ኢሉ።
ዙከርበርግ ጨሪሱ ናይ ጣቕሳ ምልክት ኣርእዩ ኣይፈለጥን።
ንፌስቡክ ተጠቀምቲ፡ ኣውፈርትን ኣባላት ትካሉን ነቲ ዘጓነፈ ኩነታት ኣመልኪቱ መግለጺ ኣይሃበን ፡ ይቕሬታ'ውን ኣይሓተተን።
ኣብ 2014 ናይ ተጠቀምቲ ዳታ ምስተጋህሰ'ውን ዝኾነ መግለጺ ኣይተዋህበን፡ ነቶም ገሃስቲ ድማ ኣይኣገደን።